1. ሽዑ ዅሎም ደቂ እስራኤል ወጹ፡ እቲ ኣኼባ ድማ ካብ ዳን ክሳዕ ብኤር-ሸባዕን ምድሪ ጊልዓድን ከም ሓደ ሰብኣይ ኰይኑ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ሚጽጳ ተአከበ

2. ሓላቑ ዅሉ ህዝብን ኵሎም ነገዳት እስራኤልን ኣርባዕተ ሚእቲ ሽሕ ሴፍ ዚመልሕ ኣጋር ኣብቲ ማሕበር ህዝቢ ኣምላኽ ቀረቡ

3. እቶም ደቂ ብንያም ድማ ደቂ እስራኤል ንሚጽጳ ኸም ዝደየቡ ሰምዑ። ደቂ እስራኤል ድማ፡ እዚ ኽፉእ ነገር እዚ ኸመይ ከም ዝዀነ ንገሩናበሉ

4. ሽዑ እቲ ሌዋዊ ሰብኣይ፡ ሰብኣይ እታ እተቐትለት ሰበይቲ፡ ኣነ ምስታ ሰበይቲ ወሰነይ ኣብ ጊብዓ ናይ ብንያም ክሐድር ኣቶኹ

5. እቶም ሰብ ጊቦዓ ድማ ተላዕሉኒ፡ ኣብታ ዘሎኽዋ ቤት ብለይቲ ኸበቡኒኪቐትሉኒ ኸኣ ሐሰቡ፡ ነታ ሰበይቲ ወሰነይውን ዐመጽዋ እሞ ሞተት

6. ኣነ ኸኣ፡ ኣብ እስራኤል ርኽሰትን ዕብዳንን ስለ ዝገበሩ፡ ነታ ሰበይቲ ወሰነይ ወሲደ ቘራረጽክዋ እሞ ናብ ብዘላ ምድሪ ርስቲ እስራኤል ሰደድክዋ

7. ኣቱም ደቂ እስራኤል፡ ኵላትኩም እኔኹም፡ ኣብዚ ተዛራረቡን ምኸሩን፡ ኢሉ መለሰሎም።

8. ኵሉ እቲ ህዝቢ ኸኣ ከም ሓደ ሰብኣይ ኰይኑ ተንሲኡ ኸምዚ በለ፡ ካባና ሓደ እኳ ናብ ድንኳኑ ኣይኺድሓደ እኳ ናብ ቤቱ ኣይመለስ

9. ሕጂ ግና ንጊብዓ እንገብራ ነገር እዚ እዩ፡ ዕጭ ኣውዲቕና ንደይባ

10. ናብ ጊብዓ ብንያም ከይዶም ከኣ፡ ከምቲ ኣብ እስራኤል ዝገበረቶ ዕብዳን ኪገብርዋስ፡ ነቲ ህዝቢ ስንቂ ዚወስዱ ካብ ኵሎም ነገድ እስራኤል፡ ካብ ሚእትስ ዓሰርተ፡ ካብ ሽሕ ከኣ ሚእቲ፡ ካብ ዓሰርተ ሽሕውን ሽሕ ሰብኣይ ንውሰድ

11. ኵሎም ሰብ እስራኤል ድማ ከም ሓደ ሰብ ከይኖም ኣብታ ኸተማ ተአከቡ

12. እቶም ነገዳት እስራኤል ድማ ናብ ብዘሎ ነገድ ብንያም፡ እዚ ኣባኻትኩም ዝዀነ ኽፉእ ነገር እንታይ እዩ፧

13. ሕጂ ኸኣ ነቲ ኽፉእ ካብ እስራኤል ከነርሕቖስነቶም ኣብ ጊብዓ ዘለዉ ደቂ ብልያል ክንቀትሎም ሀቡና፡ ኢሎም ሰባት ለአኹ። እቶም ደቂ ብንያም ግና ቃል ኣሕዋቶም ደቂ እስራኤል ኪሰምዑ ኣይፈተዉን

14. እቶም ደቂ ብንያም ድማ ካብ ከተማታት ናብ ጊብዓ ተአከቡ እሞ ምስ ደቂ እስራኤል ኪዋግኡ ወጹ

15. በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ ከተማታት ዝወጹ ደቂ ብንያምብጃካ እቶም ኣብ ጊብዓ ዚነብሩ፡ ሾብዓተ ሚእቲ እተቘጽሩ ሕሩያት ሰብዕስራን ሹድሽተን ሽሕ ሴፍ ዚመልሑ ሰብ ተቘጽሩ

16. ካብ ኵሉ እዚ ህዝቢ እዚ፡ ብጸጋማይ ኢዶም ወንጪፎም ንሓንቲ ጸጒሪ ዘይስሕቱሾብዓተ ሚእቲ ሕሩያት ሰብ ነበሩ።

17. ሰብኡት እስራኤል ድማ፡ ብጀካ ብንያምኣርባዕተ ሚእቲ ሽሕ ሴፍ ዚመልሑ ሰብ ተቘጽሩ። እዚኣቶም ኵሎም ተዋጋእቲ ሰባት ነበሩ።

18. ደቂ እስራኤል ድማ ተንሲኦም ናብ ቤት-ኤል ደዪቦም፡ ምስ ደቂ ብንያም ንምውጋእ ካባናስ መን ቅድም ይድይበልና ኢሎም ንኣምላኽሐተትዎእግዚኣብሄር ከኣ፡ ይሁዳ ይቐድምበለ

19. እቶም ደቂ እስራኤል ድማ ንጽብሒቱ ንግሆ ተንሲኦም ደየቡ እሞ ኣብ መንጽር ጊብዓ ሰፈሩ

20. ሰብ እስራኤል ከኣ ምስ ብንያም ኪዋግኡ ወጹ፡ እቶም ሰብ እስራኤል ድማ ኪዋግእዎም ኣብ ጥቓ ጊብዓ ተሰለፉ

21. ደቂ ብንያም ከኣ ካብ ጊብዓ ወጺኦምበታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ እስራኣኤል ዕስራን ክልተን ሽሕ ሰብኣይ ቀቲሎም ኣብ ምድሪ ኣውደቕዎም

22. እቶም ህዝቢሰብ እስራኤል፡ ድማ በርቲዖም ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ተሰሊፎምላ ዝነበሩ ቦታ መሊሶም ተሰለፉ

23. ደቂ እስራኤል ከኣ ደዪቦም፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክሳዕ ምሸት ብኽይ ወዐሉ። ንእግዚኣብሄር ድማ፡ መሊሰዶ ምስ ደቂ ሓወይ ብንያም ውግእ ክገጥም ኢሉ ሐተተ። እግዚኣብሄር ከኣ፡ ደይብዎበለ

24. እቶም ደቂ እስራኤል በታ ኻልኣይቲ መዓልቲ ድማ ናብ ደቂ ብንያም ቀረቡ

25. ብንያም ከኣ ካልኣይቲ መዓልቲ ኺቃባበሎም ካብ ጊብዓ ወጸ እሞ መሊሶም ካብ ደቂ እስራኤል ዓሰርተው ሾሞንተ ሽሕ ሰብኣይ ቀቲሎም ኣብ ምድሪ ኣውደቕዎም። እዚኣቶም ኵሎም ሴፍ ዚመልሑ ነበሩ።

26. ሽዑ ዅሎም ደቂ እስራኤልን ኵሉ ህዝብን ናብ ቤት-ኤል ደዪቦም በኸዩበታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተቐሚጦም ክሳዕ ምሸት ጾሙዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቕረቡ

27. በታ ጊዜ እቲኣ ታቦት ኪዳን ኣምላኽ ኣብኡ ነበረ እሞ፡ ደቂ እስራኤል ንእግዚኣብሄር ሐተትዎ

28. ፊንሃስወዲ ኣልኣዛር ወዲ ኣሮን፡ ከኣ በታ ጊዜ እቲኣ ኣብ ቅድሚኡ ይቐውም ነበረ እሞ፡ መሊሰዶ ኸም ብሓድሽ ምስ ደቂ ሓወይ ብንያም ክዋጋእ ክወጽእ ወይስ ክሐድጎበለእግዚኣብሄር ድማ፡ ጽባሕሲ ኣብ ኢድካ ኽህበካ እየ እሞ፡ ደይቡ ደኣ፡ በለ።

29. እስራኤል ከኣ ንጊብዓ ብዙርያኣ ድብቕ ኣንበረላ

30. በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ድማ ደቂ እስራኤል ናብ ደቂ ብንያም ደየቡ፡ ከምተን ቀዳሞት ግዝያት ኣብ ቅድሚ ጊብዓ ተሰለፉ

31. እቶም ደቂ ብንያም ድማ ወጺኦም ነቲ ህዝቢ ኺቃባበልዎ ኻብታ ኸተማ ተሳሕቡ፡ ኣብተን ክልተ መገዲሓንቲ ንቤት-ኤል ኣቢላ እትድይብሓንቲ ድማ ንመሮር ጊብዓ እተብል፡ ከምተን ቀዳሞት ግዝያት ካብቲ ህብዚ፡ ካብ ደቂ እስራኤልሰላሳ ዚዀኑ ሰባት ኪወቕዑን ኪቐትሉን ጀመሩ

32. እቶም ደቂ ብንያም ድማ፡ ከምቲ መጀመርታ ኣብ ቅድሜና ተሳዕሩበሉ። ደቂ እስራኤል ግና፡ ካብ ከተማ ናብ መገድታት ክንስሕቦምሲ ንህደም ደኣ፡ በሉ።

33. ኵሎም ሰብ እስራኣኤል ከኣ ካብ ቦታኦም ተንሲኦም፡ ኣብ በዓል-ታማር ተሰለፉ። እቲ ድብቕ እስራኤል ድማ ካብታ ቦታኡ፡ ካብ መዓረህ-ጊብዓ ወጸ

34. ካብ ብዘሎ እስራኤል እተሐርዩ ዓሰርተ ሽሕ ሰብ ናብ መንጽር ጊብዓ መጹ፡ እቲ ውግእ ከኣ በርትዔ፡ ደቂ ብንያም ግና ክፉእ ከም ዝበጽሖም ኣይፈለጡን

35. እግዚኣብሄር ድማ ንብንያም ኣብ ቅድሚ እስራኤል ከም ዚሰዐር ገበሮ። ደቂ እስራኤል ከኣ በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ ብንያም ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕን ሚእትን ሰብኣይ ቐተሉ። እዚኣቶም ኵሎም ሴፍ ዚመልሑ ነበሩ፡

36. ደቂ እስራኤል ከኣ በቲ ኣብ ጊብዓ ዘንበርዎ ድብቕ ስለ እተአመኑ ንደቂ ብንያም ቦታ ሀብዎም እሞ፡ እቶም ደቂ ብንያም ከም እተሳዕሩ ረአዩ

37. እቶም ድቡቓት ድማ ቀልጢፎም ናብ ጊብዓ ጐየዩ እሞ እቶም ድቡቓት ጥሒሶም ንብዘላ እታ ኸተማ ብስሕለት ሲፍ ወቕዕዋ

38. ንሰብ እስራኤል ካብታ ኸተማ ብርቱዕ ትኪ ኸም ዚለዐል ኪገብሩ ምስቶም እተደበቑ ምልክት ነበሮም።

39. እቶም ሰብ እስራኤል ድማ በቲ ውግእ ገጾም መለሱብንያም ከኣ፡ ብርግጽ ከምቲ ቐዳማይ ውግእ ኣብ ቅድሜና ተሳዒሮምበሉ እሞ፡ ካብ ሰብ እስራኤል ሰላሳ ዚዀኑ ሰባት ኪወቕዑን ኪቐትሉን ጀመሩ

40. እቲ ምልክት፡ እቲ ዓንዲ ትኪ፡ ካብታ ኸተማ ኺዐርግ ምስ ጀመረብንያም ንድሕሪኡ ግልጽ እንተ በለ፡ እንሆ፡ ብዘላ እታ ኸተማ ብሃልሃልታ ንሰማይ ዐረገት

41. ሽዑ እቶም ሰብ እስራኤል ተመልሱ፡ ሰብ ብንያም ከኣ ክፉእ ከም ዝበጽሖም ረአዩ እሞ ተሸበሩ

42. ስለዚ ኣብ ቅድሚ ሰብ እስራኤል ብመገዲ በረኻ ኣቢሎም ሀደሙ፡ እቲ ዅናት ግና እግረ እግሮም ሰዐቦም። እቶም ካብ ከተማታት ዝወጹ ድማ ኣማእኪሎም ቀተልዎም

43. ንብንያም ከቢቦም፡ ብወገን ምብራቕ ጸሓይ ክሳዕ መንጽር ጊብዓ ሰጐጒዎ፡ ኣብ ዚዐርፈላ ዘበለ ረጋገጽዎ

44. ካብ ብንያም ድማ ዓሰርተው ሾሞንተ ሽሕ ሰብ ወደቑ። እዚኣቶም ኵሎም ከኣ ጀጋኑ ሰባት ነበሩ።

45. ተመሊሶም ድማ ንበረኻ ኣቢሎም ናብ ከውሒ ሪሞን ሀደሙ። እስራኤላውያን ግና ኣብ መገድታት ሓሙሽተ ሽሕ ሰብኣይ ቀረሙ። ክሳዕ ጊድዖም ስዒቦምውን ክልተ ሽሕ ሰብኣይ ቀተሉ

46. እቶም በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ ብንያም ዝወደቑ ዅሎም፡ ሴፍ ዚመልሑ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ ኰኑ፡ እዚኣቶም ኵሎም ጀጋኑ ሰባት ነበሩ።

47. ሹድሽተ ሚእቲ ሰብኣይ ግና ንበረኻ ኣቢሎም ናብ ከውሒ ሪሞን ሀደሙ፡ ኣብ ከውሒ ሪሞን ከኣ ኣርባዕተ ወርሒ ተቐመጡ

48. እቶም ሰብ እስራኤል ድማ ናብ ደቂ ብንያም ተመሊሶም፡ ንብዘላ እታ ኸተማን ንማል ንዝረኸብዎ ዅሉን ብስሕለት ሴፍ ቀተሉንዝረኸብወን ኵለን ከተማታት ከኣ ብሓዊ ኣንደድወን