1. ደቂ እስራኤል ድማ መሊሶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበሩ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ኣርብዓ ዓመት ኣብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ኣሕሊፉ ሀቦም

2. ማኖኣ ዝስሙ ሰብኣይ ካብ ዓሌት ዳን፡ ብዓል ጾርዓ ነበረሰበይቱ ኸኣ መኻን ነበረት እሞ፡ ኣይወለደትን

3. መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ነታ ሰበይቲ ተራእያ በላውን፡ እንሆ፡ መኻን ኢኺ እሞ፡ ኣይወለድክን፡ ግናኸ ክትጠንሲ ወዲውን ክትወልዲ ኢኹ።

4. እምበኣር ሕጂ ወይንን ዜስክርን ከይትሰትዪ ርኹስ ዘበለውን ከይትበልዒ በጃኺ ተጠንቀቒ

5. እንሆ ኸኣ፡ ክትጠንሲ ወዲውን ክትወልዲ ኢኺ፡ እቲ ቘልዓ ኻብ ከርሲ ጀሚሩ ናይ ኣምላኽ ናዝራዊ ኪኸውን እዩ እሞ፡ ናብ ርእሱ መላጸ ኣይሐልፎን። ንሱ ድማ ንእስራኤል ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ምድሓኖም ኪጅምር እዩ።

6. ሽዑ እታ ሰበይቲ መጺኣ ንሰብኣያትርኢቱ ኸም ትርኢት መልኣኽ ኣምላኽ ኣዝዩ ዜፍርህ፡ ናይ ኣምላኽ ሰብ መጺኡኒ ነይሩ። ኣነ ኻበይ ከም ዝዀነ ኣይጠየቕክዎን፡ ንሱውን ስሙ ኣይነገረንን

7. ግናኸ፡ እንሆ፡ ክትጠንሲ ኢኺ ወዲውን ክትወድልዲ ኢኺ፡ እቲ ቘልዓ ኻብ ከርሲ ጀሚሩስ ክሳዕ መዓልቲ ሞቱ ናዝራዊ ኣምላኽ ኪኸውን እዩ እሞ፡ ወይንን ዜስክርን ኣይትስተዪርዅስ ዘበለውን ኣይትብልዒበለኒ ኢላ ተዛረበቶ።

8. ማኖኣ ድማ ንእግዚኣብሄር ጐይታይ፡ እቲ ዝለአኽካዮ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ነቲ ዚውለድ ቈልዓ እንታይ ከም እንገብረሉ ኺነግረናስበጃኻ መሊሱ ይምጽኣና፡ ኢሉ ለመነ

9. ኣምላኽ ድማ ቃል ማኖኣ ሰምዔ፡ እታ ሰበይቲ ኣብ መሮር ኮፍ ኢላ ኸላ፡ እቲ መልኣኽ ኣምላኽ መሊሱ መጸማኖኣ ሰብኣያ ግና ምስኣ ኣይነበረን።

10. እታ ሰበይቲ ድማ ቀልጢፋ ናብ ሰብኣያ ጐይያ፡ እቲ ሓደ መዓልቲ መጺኡኒ ዝነበረ ሰብኣይ፡ እንሆ ተራእዩኒ፡ ኢላ ነገረቶ

11. ማኖኣ ኸኣ ተንሲኡ ደድሕሪ ሰበይቱ ሰዐበ፡ ናብቲ ሰብኣይ መጺኡ ድማ፡ ነዛ ሰበይቲ እተዛረብካያ ሰብኣይ ንስኻ ዲኻ፧ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ኣነ እየ፡ በሎ።

12. ማኖኣ ድማ፡ ሕጂ ቓልካ ምስ ተፈጸመስርዓት እቲ ቘልዓን ግብሩን እንታይ ኪኸውን እዩ፧ በለ

13. እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ንማኖኣ፡ እታ ሰበይቲ ኻብቲ ዝበልክዋ ዅሉ ትጠንቀቕ

14. ካብ ኦም ወይኒ ዚወጽእ ዘበለ ኣይትብላዕወይንን ዜስክርን ከኣ ኣይትስተርዅስ ዘበለውን ኣይትብላዕ፡ እቲ ዝአዘዝክዋ ዅሉ ትሐሉ፡ በሎ።

15. ማኖኣ ድማ ነቲ መልኣኽ እግዚኣብሄርማሕስእ ኣብ ቅድሜኻ ኸነዳልወልካስ፡ በጃኻ ኸነጽንሓካበሎ

16. እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ንማኖኣ፡ እንተ ኣጽናሕካኒውን ካብ እንጌራኻስ ኣይበልዕን እየ። ዚሐርር መስዋእቲ ኽትገብር እንተ ደሌኻ ድማ፡ ንእግዚኣብሄር ኣዕርገሉበሎ። ማኖኣ ግና መልኣኽ እግዚኣብሄር ምዃኑ ኣይፈለጠን ነበረ።

17. ማኖኣ ድማ ነቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር፡ እቲ ቓልካ ምስ ተፈጸመ፡ ምእንቲ ኸነኽብረካስስምካ መን እዩ፧ በሎ

18. እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከኣ፡ ስለምንታይከ ስመይ እትሐትት፧ ንሱ መንክር እዩ፡ በሎ

19. ማኖኣ ድማ ማሕስእን መስዋእቲ ብልዕን ወሲዱ፡ ኣብ ከውሒ ንእግዚኣብሄር ኣዕረገሉ። ሽዑ ማኖኣን ሰበይቱን እናረአዩ ተኣምራት ገበረ።

20. ኰነ ኸኣ፡ እቲ ሃልሃልታ ኻብ መሰውኢ ናብ ሰማይ ኪድይብ ከሎ፡ እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር በቲ ሃልሃልታ መሰውኢ ደየበማኖኣን ሰበይቱን እዚ ምስ ረአዩብገጾም ናብ ምድሪ ተደፍኡ

21. እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ንማኖእን ንሰበይቱን መሊሱ ኣይተራእዮምን። ሽዑ ማኖኣ ንሱ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከም ዝዀነ ፈለጠ

22. ማኖኣ ድማ ንሰበይቱንኣምላኽ ርኢናዮ ኢና እሞ፡ ብርግጽ ክንመውት ኢና፡ በላ

23. እታ ሰበይቱ ግና፡ እግዚኣብሄር ኪቐትለና እንተ ዚደልስዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ብልዕን ካብ ኢድና ኣይምተቐበለን፡ እዚ ዅሉውን ኣይመርኣየናን፡ ከምዚ ናይ ሕጂ ዝበለ ድማ ኣይመስምዓናንበለቶ

24. እታ ስበይቲ ወዲ ወለደትስሙ ኸኣ ሲምሶን ሰመየቶ። እቲ ቈልዓ ድማ ዐበየእግዚኣብሄርውን ባረኾ

25. ኣብ መሓነ-ዳን ኣብ መንጎ ጾርዓን ኤሽታኦልን ከሎ ድማ፡ መንፈስ እግዚኣብሄር ኪድርኾ ጀመረ