1. ይፍታሕ ጊልዓዳዊ ድማ፡ ንሱ ወዲ ሓንቲ ኣመንዝራ ሰበይቲሓያል ጅግና ነበረ ጊልዓድ ንይፍታሕ ወለደ

2. ሰበይቲ ጊልዓድ ድማ ኣወዳት ወለደትሉደቂ እታ ሰበይቱ ምስ ዐበዩ ኸኣ፡ ንይፍታሕ፡ ንስኻ ወዲ ኻልእ ሰበይቲ ኢኻ እሞ፡ ኣብ ቤት ኣቦና ኣይትወርስን ኢኻ፡ ኢሎም ሰጐጕዎ

3. ሽዑ ይፍታሕ ካብ ቅድሚ ኣሕዋቱ ሀደመ፡ ኣብ ምድሪ ጦብ ከኣ ተቐመጠ። ናብ ይፍታሕ ድማ ከንቱታት ሰባት ተአከቡ፡ ምስኡ ኸኣ ወጹ

4. ድሕሪ ቕሩብ ጊዜ ኸኣ ኰነ፡ ደቂ ዓሞን ምስ እስራኤል ተዋግኡ

5. እቶም ደቂ ዓሞን ምስ እስራኤል ኪዋግኡ ኸለዉ፡ እቶም ዓበይቲ ጊልዓድ ንይፍታሕ ካብ ምድሪ ጦብ ኬምጽእዎ ኸዱ

6. ንይፍታሕ ከኣ፡ ንዓ ሐለቓና ኹን እሞ ምስ ደቂ ዓሞን ክንዋጋእበልዎ

7. ይፍታሕ ድማ ንዓበይቲ ጊልዓድ፡ ንስኻትኩምዶ ኣይኰንኩምን ጸሊእኩምንስ፡ ካብ ቤት ኣቦይ ዝሰጐጕኩምኒ፧ ሕጂ ደኣ እንተ ጸበበኩም ከመይ ናባይ ትመጹበሎም

8. እቶም ዓበይቲ ጊልዓድ ንይፍታሕ፡ ምሳና ኼድካ ንደቂ ዓሞን ክትዋጋእ እሞ ንዅልና ሰብ ጊልዓድ ሓለቓና ኽትከውን፡ ስለዚ ኢና ሕጂ ናባኻ እተመለስናበልዎ

9. ይፍታሕ ከኣ ንዓበይቲ ጊልዓድ፡ ምስ ደቂ ዓሞን ክዋጋእ እንተ መለስኩምኒእግዚኣብሄርውን ንኣታቶም ኣብ ኢደይ እንተ ሀበኒ፡ ሽዑ ኣነዶ ሐለቓኹም ክኸውን እየ፧ በሎም

10. እቶም ዓበይቲ ጊልዓድ ንይፍታሕከም ዘረባኻ እንተ ዘይገበርና፡ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎና ሰማዒ ይኹን፡ በልዎ

11. ሽዑ ይፍታሕ ምስቶም ዓበይቲ ጊልዓድ ከደ፡ እቶም ህዝቢ ድማ ኣብ ልዕሊኦም ሓለቓን ፈራድን ገበርዎ። ይፍታሕ ድማ ኵሉ እቲ ዘረባኡ ኣብ ሚጽጳ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተዛረበ

12. ይፍታሕ ድማ ናብ ንጉስ ደቂ ዓሞን፡ ናባይ መጺእካ ንሃገረይ እትዋግኣስ፡ ምሳይ እንታይ አሎካ፧ ኪብልዎ ልኡኻት ሰደደሉ

13. እቲ ንጉስ ደቂ ዓሞን ንልኡኻት ይፍታሕእስራኤል ካብ ግብጺ ኺድይብ ከሎ፡ ነታ ምድረይ ካብ ኣርኖን ክሳዕ ያቦቅን ክሳዕ ዮርዳኖስን ወሲዱለይ እዩ እሞ፡ ሕጂ ኸኣ ንእኣ ብፍቕሪ ይምለሰለይበሎም

14. ይፍታሕ ድማ ናብ ንጉስ ደቂ ዓሞን መሊሱ ልኡኻት ሰደደ

15. በሎ ኸኣ፡ ይፍታሕ ከምዚ ይብል አሎ፡ እስራኤል ምድሪ ሞኣብን ምድሪ ደቂ ዓሞንንሲ ኣይወሰደን

16. እስራኤልሲ ኻብ ግብጺ ምስ ደየበብበረኻ ኣቢሉ ኽሳዕ ባሕሪ ኤርትራ ኸደ፡ ናብ ቃዴስ ድማ መጸ

17. ሽዑ እስራኤል ናብ ንጉስ ኤዶም ልኡኻት ሰዲዱ፡ በጃኻ ብምድርኻ ኣሕልፈኒበሎንጉስ ኤዶም ግና ሕራይ ኣይበሎን፡ ናብ ንጉስ ሞኣብ ከኣ ለአኸንሱውን ኣይፈተወን እሞ፡ እስራኤል ኣብ ቃዴስ ተቐመጠ

18. ሽዑ ብበረኻ ኸይዱንምድሪ ኤዶምን ንምድሪ ሞኣብን ዞረ፡ ናብ ምብራቕ ምድሪ ሞኣብ መጺኡ ኸኣ፡ ኣብ ስግር ኣርኖን ሰፈሩ። ኣርኖን ዶብ ሞኣብ እዩ እሞ፡ ክንየው ዶብ ሞኣብ ኣይሐለፉን

19. እስራኤል ከኣ ናብ ሲሆን ንጉስ ኣሞራውያን፡ ንጉስ ሔስቦንልኡኻት ሰዲዱ፡ እስራኤል፡ በጃኻ ኽሳዕ እታ ቦታይ ብምድርኻ ኣሕልፈናበሎ

20. ሲሆን ግና እስራኤል ብዶቡ ኺሐልፍ ኣይአመኖን እሞ፡ ሲሆን ኵሉ ህዝቡ ኣኪቡ ኣብ ያሃጽ ሰፈረ፡ ምስ እስራኤል ድማ ተዋግኤ

21. እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከኣ ንሲሆንን ንዅሉ ህዝቡን ኣብ ኢድ እስራኤል ኣሕሊፉ ሀቦም፡ ሰዐርዎም ድማ፡ ሽዑ እስራኤል ነታ ኣሞራውያን ዝነበርዋ ምድሪንብሃገራ ወረስዋ

22. ካብ ኣርኖን ክሳዕ ያቦቅ፡ ካብ በረኻ ኸኣ ክሳዕ ዮርዳኖስ፡ ኵሉ ዶብ ኣሞራውያን ወረሱ

23. ሕጂ ድማ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ንኣሞራውያን ካብ ቅድሚ ህዝቡ እስራኤል ሰጒጕዎም እዩ እሞ፡ ንስኻዶ ኽትወርሶም ኢኻ፧

24. ንስኻስ ከሞሽ ኣምላኽካ ዘውረሰካዶ ኣይትወርስን፧ ከምኡ ድማ ንሕና ነቶም እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኻብ ቅድሜና ዝሰጐጎም ዘበሉ ኽንወርስ ኢና።

25. ሕጂ ኸኣ ካብ ባላቅ ወዲ ጺጶርንጉስ ሞኣብዶ ንስኻ ትበልጽ ኢኻ፧ ንሱ ምስ እስራኤልዶ ተባኢሱ ወይ ምስኦም ተዋጊኡ እዩ፧

26. እስራኤል ኣብ ሔስቦንን ኣብ ዓድታታን፡ ኣብ ዓሮዔርን ኣብ ዓድታታን ኣብ ጥቓ ኣርኖን ዘለዋ ዅለን ከተማታትን ሰለስተ ሚእቲ ዓመት ተቐሚጡ ኸሎ ደኣ ስለምንታይ በቲ ዘበን እቲ ዘይወሰድኩምዎ

27. ኣነስ ኣይበደልኩኻን፡ ንስኻ ግና ንኣይ ብምውጋእካ ኽፉእ ትገብረኒ አሎኻ። እቲ ፈራዲ እግዚኣብሄር ደኣ ኣብ መንጎ ደቂ እስራኤልን ኣብ መንጎ ደቂ ዓሞንን ሎሚ ይፍረድ

28. እቲ ንጉስ ደቂ ዓሞን ግና ነቲ ይፍታሕ ዝለኣኸሉ ቓል ኣይሰምዖን

29. ሽዑ መንፈስ እግዚኣብሄር ናብ ልዕሊ ይፍታሕ መጸ እሞ፡ ብጊልዓድን ብምናሴን ኣቢሉ ብሚጽጳ ናይ ጊልዓድ ሐለፈ፡ ካብ ሚጽጳ ናይ ጊልዓድ ከኣ ናብ ደቂ ዓሞን ሐለፈ።

30-31. ይፍታሕ ድማ ንእግዚኣብሄርንደቂ ዓሞን ኣብ ኢደይ እንተ ሂብካንስ፡ ሽዑ ኪኸውን እዩ፡ ካብ ደቂ ዓሞን ብድሓን ምስ ተመለስኩ፡ እቲ ኪቕበለኒ ኢሉ ኻብ ደጌታት ቤተይ ዚወጽእ፡ ንእግዚኣብሄር ይኹን፡ ንዚሐርር መስዋእቲ ከቕርቦ እየ፡ ኢሉ መብጽዓ ተማባጽዔ

32. ሽዑ ይፍታሕ ምስ ደቂ ዓሞን ኪዋጋእ ናብኦም ገስገሰእግዚኣብሄርውን ንኣታቶም ኣብ ኢዱ ኣሕሊፉ ሀቦ

33. ካብ ዓሮዔር ክሳዕ ሚኒት እትአቱዕስራ ኸተማ፡ ክሳዕ ኣቤል-ከራሚም ድማ ብኣዝዩ ብርቱዕ ውግእ ሰዐሮምደቂ ዓሞን ከኣ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ተዋረዱ

34. ይፍታሕ ድማ ናብ ሚጽጳ ናብ ቤቱ ምስ መጸ፡ እንሃ ጓሉ ብኸበሮን ብሳዕስዒትን ክትቅበሎ ወጸት። ሓንቲ ንሳ ጥራይ እያ ውሉዱ፡ ብጀካኣ ወዲ ወይ ጓል ኣይነበሮን።

35. ኰነ ኸኣ፡ ንእኣ ምስ ረአያክዳውንቱ ቐዲዱኣየ ጓለይ፡ ናብ እግዚኣብሄር ኣፈይ ከፊተ እየ፡ ክምለስ ከኣ ኣይክእልን እየ እሞ፡ ምስቶም ዜናውጹኒ ዄንኪ ሓይለይ ኣድከምክኒበለ

36. ንሳ ድማ፡ ኣቦየእግዚኣብሄር ኣብቶም ደቂ ዓሞን ጸላእትኻ ሕነ ኻብ ፈደየልካንእግዚኣብሄር ከኣ ኣፍካ ኻብ ከፈትካስ፡ ንኣይ ከምቲ ኻብ ኣፍካ ዝወጸ ግበረኒበለቶ

37. ነቦኣ ድማ፡ ካብዚ ኸይደ ናብ ኣኽራን ወሪደ ኣነ ምስተን ብጾተይ ኰይነ ንድንግልናይ ክልተ ወርሒ ኽበኽየላ፡ እዚ ነገር እዚ ይገበረለይበለቶ

38. ኪዲ ኢሉክልተ ወርሒ ትኺድ ሐደጋ። ሽዑ ንሳ ምስ ብጾታ ኸይዳ፡ ኣብ ኣኽራን ኰይና ንድንግልናኣ በኸየትላ

39. ኰነ ኸኣ፡ እቲ ኽልተ ወርሒ ምስ መልኤ፡ ናብ ኣቦኣ ተመልሰትከምቲ ተማባጺዕዎ ዝነበረ መብጽዓ ገበራ። ንሳ ድማ ሰብኣይ ከይፈለጠት ነበረት። ኣብ እስራኤል ድማ ስርዓት ኰነ።

40. እተን ኣዋልድ እስራኤል በብዓመት እናኸዳ ንጓል ይፍታሕ ጊልዓዳዊ ኣርባዕተ መዓልቲ ይውድሳኣ ነበራ።