1. ድሕሪ ኣቢሜሌክ ከኣ ቶላ ወዲ ጱኣ፡ ወዲ ዶዶ ካብ ሰብ ይሳኮርንምድሓን እስራኤል ተንስኤ። ንሱ ድማ ኣብ ከረን ኤፍሬም ኣብ ሻሚር ይቕመጥ ነበረ።

2. ንእስራኤል ከኣ ዕስራን ሰለስተን ዓመት ፈረደሞተ ድማ፡ ኣብ ሻሚር ከኣ ተቐብረ

3. ድሕሪኡ ድማ ያኢር ጊልዓዳዊ ተንስኤንእስራኤል ከኣ ዕስራን ክልተን ዓመት ፈረደ

4. ንሱ ሰላሳ ገልገል ኣድጊ ዚውጥሑ ዝነበሩ፡ ሰላሳ ደቂ ነበርዎ፡ ኣብ ምድሪ ጊልዓድ ዘለዋ ሰላሳ ኸተማ ኸኣ ነበራኦም፡ ንሳተን ክሳዕ ሎሚ ዓድታት ያኢር ይብሀላ ኣለዋ።

5. ያኢር ድማ ሞተ፡ ኣብ ቃሞን ከኣ ተቐብረ

6. ደቂ እስራኤል ድማ መሊሶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበሩንበዓላትን ንኣስታርቴታትን ንኣማልኽቲ ኣራምን ንኣማልኽቲ ሲዶንን ንኣማልኽቲ ሞኣብን ንኣማልኽቲ ደቂ ዓሞንን ንኣማልኽቲ ፍልስጥኤማውያንን ኣገልገሉንእግዚኣብሄር ግና ሐደግዎ እምበር፡ ኣየገልገልዎን

7. ሽዑ ዅራ እግዚኣብሄር ኣብ እስራኤል ነደደ፡ ኣብ ኢድ ፍልስጥኤማውያንን ኣብ ኢድ ደቂ ዓሞንን ከኣ ሸጦም

8. ንሳቶም ከኣ በታ ዓመት እቲኣ ንደቂ እስራኤል ሳቐይዎምን ኣጥቅዕዎምን። ነቶም ኣብ ስግር ዮርዳኖስ፡ ኣብታ ኣብ ጊልዓድ ዘላ ምድሪ ኣሞራውያን ዚነብሩ ዅሎም ደቂ እስራኤል ድማ ዓሰርተው ሾሞንተ ዓመት ኣጥቅዕዎም።

9. እቶም ደቂ ዓሞን ድማ ምስ ይሁዳን ምስ ብንያምን ምስ ቤት ኤፍሬምን ኪዋግኡ ዮርዳኖስ ተሳገሩ እሞ፡ እስራኤል ኣዝዩ ጸበቦ

10. ሽዑ ደቂ እስራኤልንኣምላኽና ሐዲግና ንበዓላት ኣገልጊልና ኢና እሞ፡ በዲልናካ ኢና፡ ኢሎም ናብ እግዚኣብሄር ተማህለሉ

11. እግዚኣብሄር ድማ ንደቂ እስራኤል በሎም፡ ካብ ግብጻውያንን ካብ ኣሞራውያንን ካብ ደቂ ዓሞንን ካብ ፍልስጥኤማውያንንዶ ኣየድሐንኩኹምን፧

12. እቶም ሲዶናውያንን ኣማሌቃውያንን ማኦናውያንን ምስ ጠቕዑኹም፡ ከኣ ናባይ ተማህለልኩም እሞ ካብ ኣእዳዎም ኣድሐንኩኹም

13. ንስኻትኩም ግና ንኣይ ሐዲግኩም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኣገልገልኩም፡ ስለዚ ድሕሪ ደጊም ኣየድሕነኩምን እየ።

14. ብጊዜ ጸበባኹም ኬድሕኑኹምሲ ናብቶም ዝሐሬኹምዎም ኣማልኽቲ ደኣ ኼድኩም ተማህለሉ

15. ደቂ እስራኤል ድማ ንእግዚኣብሄርበዲልና ኢና፡ ሓንትስ በዛ መዓልቲ እዚኣ ደኣ ኸተድሕነና ንልምነካ አሎና እምበር፡ ከምቲ ዚሐይሽ ኰይኑ እተራእየካ ዅሉ ግበረናበልዎ

16. ሽዑ ነቶም ጓኖት ኣማልኽቲ ካብ ማእከሎም ደርብዮም ንእግዚኣብሄር ኣገልገልዎነፍሱ ኸኣ ብመከራ እስራኤል ተጨነቐት

17. ደቂ ዓሞን ድማ ብኣውያት ተአኪቦም ኣብ ጊልዓድ ሰፈሩ፡ ደቂ እስራኤልውን ተአኪቦም ኣብ ሚጽጳ ሰፈሩ።

18. እቶም ህዝቢ ድማ፡ እቶም ሹማምቲ ጊልዓድ ነንሓድሕዶም፡ ምስ ደቂ ዓሞን ኪዋጋእ ዚጅምር ኣየናይ ሰብኣይ እዩ፧ ንሱ ነቶም ኣብ ጊልዓድ ዚነብሩ ዅሎም ሓለቓ ይኹን፡ ተበሃሀሉ