1. ድሕሪ ሞት እያሱ ድማ ኰነ፡ ደቂ እስራኤል ንእግዚኣብሄር፡ ምስ ከነኣናውያን ንምውጋእ ካባና መን ቅድም ይደይብኢሎም ሐተትዎ

2. እግዚኣብሄር ከኣ ይሁዳ ይደይብ፡ እንሃ፡ እታ ምድሪ ኣብ ኢዱ ሂበዮ እየ፡ በለ

3. ይሁዳ ኸኣ ንስምኦን ሓዉ፡ ምስ ከነኣናውያን ክንዋጋእሲ፡ ናብቲ ብጽሒተይ ምሳይ ደይብ፡ ኣነ ኸኣ ናብቲ ብጺሒትካ ምሳኻ ክኸይድ እየ፡ በሎ። ስምኦን ድማ ምስኡ ኸደ

4. ይሁዳ ድማ ናብኡ ደየበእግዚኣብሄር ከኣ ንኸነኣናውያንን ንፈረዛውያንን ኣብ ኢዶም ሀቦም፡ ኣብ ቤዜቅ ዓሰርተ ሽሕ ሰብኣይ ቀተሉ

5. ንኣዶኒ-ቤዜቅ ከኣ ኣብ ቤዜቅ ረኸብዎ እሞ ተዋግእዎንኸነኣናውያንን ንፈረዛውያንን ከኣ ሰዐርዎም

6. ኣዶኒ-ቤዜቅ ድማ ሀደመ፡ ንሳቶም ግና ደድሕሪኡ ስዒቦም ሐዝዎዓብይዓበይቶ ኢደ እግሩ ኸኣ ቘረጽዎ

7. ኣዶኒ-ቤዜቅ ድማ፡ ዓብዓበይቶ ኢደ እግሮም እተቘርጹ ሰብዓ ነገስታት ኣብ ትሕቲ መኣደይ ርፍራፍ ይላቐሙ ነይሮም እዮም፡ ኣምላኽ ከምቲ ግብረይ ፈደየኒበለ። ናብ የሩሳሌም ኣምጽእዎ፡ ኣብኣ ኸኣ ሞተ

8. ደቂ ይሁዳ ድማ ንየሩሳሌም ተዋግእዋብስሕለት ሴፍ ወቒዖም ከኣ ሐዝዋ። ነታ ኸተማ ድማ ሓዊ መለሱላ

9. ድሕሪኡ ደቂ ይሁዳ ምስቶም ኣብ ከረንን ኣብ ደቡብን ኣብ ቈላን ዚነብሩ ኸነኣናውያን ኪዋግኡ ወረዱ

10. ይሁዳ ድማ ናብቶም ኣብ ኬብሮን ዚነብሩ ኸነኣናውያን ከደ፡ - ስም ኬብሮን ቀደም ቂርያት-ኣርባ ነበረ -። ንሽሻይን ንኣሒማንን ንታልማይን ወቕዕዎም

11. ካብኡ ናብቶም ኣብ ደቢር ዚነብሩ ኸደ። - ስም ደቢር ቀደም ቂርያት-ሰፈር ነበረ -።

12. ካሌብ ድማ፡ ነቲ ንቂርያት-ሰፈር ወቒዑ ዝሐዛጓለይ ዓክሳ ሰበይቲ ኽትኰኖ ኽህቦ እየ፡ በለ

13. ዖትንኤልወዲ ቄናዝ ንእሽቶ ሓዉ ንኻሌብሐዛዓክሳ ጓሉ ሰበይቲ ኽትኰኖ ድማ ሀቦ

14. ኰነ ኸኣ፡ ናብኡ ምስ መጸት፡ ካብ ኣቦኣ ግራት ኪልምን መኸረቶ። ካብ ኣድጊ ኸኣ ወረደትካሌብ ድማ፡ እንታይ ኴንኪ ኢኺ፧ በላ

15. ንሳ ኸኣ፡ በረኸት ሀበኒምድሪ ደቡብ ሂብካኒ ኢኻ እሞ፡ ዓይኒ ማያት ከኣ ሀበኒበለቶካሌብ ድማ፡ ላዕላይ ዓይኒ ማያትን ታሕታይ ዓይኒ ማያትን ሀባ

16. ደቂ ቄኒ ሓሙ ሙሴ ድማ ምስ ደቂ ይሁዳ ኻብ ከተማ ተምሪ ናብታ ብደቡብ ዓራድ ዘላ በረኻ ይሁዳ ደየቡከይዶም ከኣ ምስቲ ህዝቢ ተቐመጡ

17. ይሁዳ ድማ ምስ ስምኦን ሓዉ ኸደ፡ ነቶም ኣብ ጽፋት ዝነበሩ ኸነኣናውያን ወቕዕዎም፡ ፈጺሞም ከኣ ኣጥፍእዋስም እታ ኸተማ ድማ ሖርማ ተባህለ

18. ይሁዳ ኸኣ ንጋዛን ንዶባታን ንኣሽቀሎንን ንዶባታን ንዔርቅሮንን ንዶባታን ድማ ሐዘን

19. እግዚኣብሄር ምስ ይሁዳ ነበረ እሞ፡ ነቶም ኣብ ከረን ዝነበሩ ኣልቀቖም፡ ነቶም ኣብ ለሰ ዚነብሩ ግና፡ ሰረገላታት ሓጺን ነበሮም እሞ፡ ኬልቅቖም ኣይከኣለን

20. ንካሌብ ድማ፡ ከምቲ ሙሴ እተዛረቦኬብሮን ሀብዎ፡ ንሱ ኸኣ ንሰለስቲኦም ደቂ ዓናቅ ካብኣ ኣልቀቖም

21. ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩ ይቡሳውያን ግና፡ ደቂ ብንያም ኣየልቀቕዎምን እሞ፡ እቶም ይቡሳውያን ክሳዕ ሎሚ ምስ ደቂ ብንያም ኣብ የሩሳሌም አለዉ

22. ቤት ዮሴፍ፡ ንሳቶምውን ናብ ቤት-ኤል ደየቡእግዚኣብሄር ከኣ ምሳታቶም ነበረ።

23. ቤት ዮሴፍ ድማ ንቤት-ኤል ሰለይዋ። - ስም እታ ኸተማ ኸኣ ቀደም ሉዝ ነበረ -።

24. እቶም ሰለይቲ ድማ ሓደ ሰብኣይ ካብታ ኸተማ ኺወጽእ ርእዮም፡ በጃኻ፡ መእተዊ እዛ ኸተማ ኣርእየና እሞ፡ ምሕረት ክንገብረልካ ኢና፡ በልዎ

25. መእተዊ እታ ኸተማ ኸኣ ኣርኣዮም፡ ነታ ኸተማ ድማ ብስሕለት ሴፍ ወቕዕዋ። ነቲ ሰብኣይን ንብዘለዉ ዓሌቱን ግና ይኺዱ ሐደግዎም

26. እቲ ሰብኣይ ድማ ናብ ምድሪ ሔታውያን ከይዱ ኸተማ ሰርሔስማ ኸኣ ሉዝ ሰመያክሳዕ ሎሚ ድማ ስማ ንሱ እዩ።

27. ምናሴ ድማ ንቤት-ሸኣንን ንዓድታታንንተዓናቅን ንዓድታታን፡ ነቶም ኣብ ዶርን ኣብ ዓድታታን ዚነብሩ ኸኣ፡ ነቶም ኣብ ይብልዓምን ኣብ ዓድታታን ዚነብሩ፡ ነቶም ኣብ ምጊዶንን ኣብ ዓድታታን ዚነብሩ ድማ ኣይወረሶምን። እቶም ከነኣናውያን ደኣ ኣብታ ሃገር እቲኣ ኺነብሩ ቘረጹ

28. ኰነ ኸኣ፡ እስራኤል ምስ በርትዔ፡ ነቶም ከነኣናውያን ኣገበሮም እምበር፡ ምልቃቕሲ ኣየልቀቖምን

29. ኤፍሬምውን ነቶም ኣብ ጌዝር ዚነብሩ ኸነኣናውያን ኣየልቀቖምን፡ እቶም ከነኣናውያን ከኣ ኣብ ማእከሎም ኣብ ጌዝር ተቐመጡ።

30. ዛብሎን ነቶም ኣብ ቂጥሮን ዚነብሩን ነቶም ኣብ ናሃሎል ዚነብሩን ኣየልቀቖምን፡ ስለዚ እቶም ከነኣናውያን ኣብ ማእከሎም ተቐመጡገባሩ ድማ ዀኑ።

31. ኣሴር ነቶም ኣብ ዓኮ ዚነብሩን ነቶም ኣብ ሲዶንን ኣብ ኣሕላብን ኣብ ኣክዚብን ኣብ ሔልባን ኣብ ኣፌቅን ኣብ ሬሖብን ዚነብሩ ኣየልቀቖምን

32. ስለ ዘየልቀቖም ከኣ፡ ኣሴራውያን ኣብ ማእከል እቶም ኣብታ ሃገር ዚነብሩ ኸነኣናውያን ተቐመጡ

33. ንፍታሌም ነቶም ኣብ ቤት-ሸመሽ ዚነብሩን ነቶም ኣብ ቤት-ዓናት ዚነብሩን ኣየልቀቖምን፡ ኣብ ማእከል እቶም ኣብታ ሃገር ዚነብሩ ኸነኣናውያን ደኣ ተቐመጡ። እቶም ኣብ ቤት ሸመሽን ኣብ ቤት ዓናትን ዚነብሩ ግና ገባሮም ኰኑ።

34. እቶም ኣሞራውያን ድማ ንደቂ ዳን ናብ ከረን ደፍእዎም እምበር፡ ናብ ለሰ ኺወርዱ ኣይሐደግዎምን

35. ኣሞራውያን ድማ ኣብ ሃርሔረስን ኣብ ኣያሎንን ኣብ ሻዓልቢምን ኪቕመጡ ቘረጹ። ግናኸ ኢድ ቤት ዮሴፍ ከበደቶምገባሩ ድማ ዀኑ፡

36. ዶብ ኣሞራውያን ከኣ ካብ ዓቐበት ዓቅራቢም ካብ ሴላዕ ንላዕሊ ነበረ።