1. ንጽብሒቱ ኸኣ እያሱ ኣንጊሁ ተንስኤ፡ ንሱን ኵሎም ደቂ እስራኤልን ካብ ሽጢም ነቐሉ፡ ናብ ዮርዳኖስ ድማ መጹ፡ ገና ኸይተሳገሩ ኸኣ ኣብኡ ሐደሩ

2. ኰነ ኸኣ፡ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ እቶም መኳንንቲ ብማእከል ሰፈር ሐለፉ

3-4. ነቶም ህዝቢ ድማ ከምዚ ኢሎም ኣዘዝዎም፡ እዛ መገዲ እዚኣ ቕድሚ እዚ ኣይሐለፍኩምዋን ኢኹም እሞ፡ እታ እትኸድዋ መገዲ ምእንቲ ኽትፈልጥዋ፡ እቶም ካህናት ሌዋውያን ነቲ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ጾይሮምዎ ምስ ርኤኹም፡ ንስኻትኩም ድማ ካብ ሰፈርኩም ነቒልኩም ስዐብዎ፡ ኣብ መንጎኹምን ኣብ መንጎኡን ግና ክልተ ሽሕ እመት ስፍሪ ዚኣክል ዝምርሓቑ ይኹን እምበር፡ ኣይትቕረብዎ

5. እያሱ ነቶም ህዝቢእግዚኣብሄር ጽባሕ ኣብ ማእከልኩም ዜገርም ነገር ኪገብር እዩ እሞ፡ ተቐደሱበሎም

6. እያሱ ኸኣ ነቶም ካህናትታቦት ኪዳን ተሰኪምኩም ቀቅድሚ ህዝቢ ሕለፉ፡ ኢሉ ተዛረቦም። ሽዑ ታቦት ኪዳን ተሰኪሞም ቀቅድሚ ህዝቢ ኸዱ

7. እግዚኣብሄር ድማ ንእያሱ በሎ፡ ከምቲ ምስ ሙሴ ዝነበርኩ ምሳኻውን ከም ዘሎኹ ምእንቲ ኺፈልጡስሎሚ ኣብ ቅድሚ ዅሉ እስራኤል ከዕብየካ ኽጅምር እየ።

8. ነቶም ታቦት ኪዳን ዚጾሩ ኻህናት ከኣ ንስኻ፡ ናብቲ ገምገም ማይ ዮርዳኖስ ምስ መጻእኩም ኣብ ዮርዳኖስ ደው በሉኢልካ ኣዝዞም

9. እያሱ ኸኣ ንደቂ እስራኤልናብዚ ቕረቡ እሞ፡ ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ስምዑበሎም

10. እያሱ ድማ በለህያው ኣምላኽ ኣብ ማእከልኩም ከም ዘሎ፡ ንሱ ኸኣ ንኸነኣናውያንን ንሔታውያንን ንሃዋውያንን ንፈሬዛውያንን ንጌርጌሳውያንን ንኣሞራውያንን ንይቡሳውያንን ካብ ቅድሜኹም ፈጺሙ ኸም ዚሰጎም በዚ ኽትፈልጡ ኢኹም፡

11. እንሆ፡ እቲ ናይ ጐይታ ዅላ ምድሪ ታቦት ኪዳን ቀቅድሜኹም ናብ ዮርዳኖስ ይሐልፍ

12. ሕጂ ድማ ካብ ነገዳት እስራኤል ዓሰርተው ክልተ ሰብኣይከካብ ነገድ ሓደ ሰብኣይ፡ ንኣኻትኩም ውሰዱ

13. ኪኸውን ድማ እዩ፡ እቶም ታቦት እግዚኣብሄርጐይታ ዅላ ምድሪዚጾሩ ኻህናት ከብዲ ኣእጋሮም ኣብ ማይ ዮርዳኖስ ደው ምስ በላ፡ ሽዑ እቲ ማይ ዮርዳኖስ፡ እቲ ኻብ ላዕሊ ዚወርድ ማይ የቋርጽሓደ ኺምራ ዀይኑ ደው ይብል።

14. ኰነ ድማ፡ እቶም ህዝቢ ንዮርዳኖስ ኪሳገሩ ኻብ ድንኳውንቶም ምስ ወጹ፡ እቶም ካህናት ቀቅድሚ ህዝቢ ታቦት ኪዳን ይጾሩ ነበሩ፡

15. እቶም ታቦት ዝጾሩ ናብ ዮርዳኖስ ምስ በጽሑኣእጋር እቶም ታቦት ኪዳን ዝጾሩ ካህናት ገምገም ማይ ዮርዳኖስ ምስ ጠምዓ - ብዅሉ እቲ ጊዜ ዓጺድ ዮርዳኖስ ኣፍ ንኣፍ መሊኡ ነበረ -

16. እቲ ኻብ ላዕሊ ዚወርድ ዝነበረ ማይ ኣብ ኣዝዩ ርሑቕ ደው በለ እሞ ኣብታ ኣብ ጥቓ ጻርታ ዘላ፡ ኣዳም እትብሀል ከተማ ሓደ ዅምራ ዀይኑ ቘመ። እቲ ናብ ባሕሪ ጐልጓል፡ ናብ ባሕሪ ጨው ኣቢሉ ዚወርድ ማይ ከኣ ፈጺሙ ኣቋረጸ። እቲ ህዝቢ ድማ ኣብ መንጽር ያሪኮ ተሳገረ

17. እቶም ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ዚጾሩ ኻህናት ከኣ ኣብቲ ማእከል ዮርዳኖስ፡ ኣብቲ ንቑጽ ቀጥ ኢሎም ደው ኢሎም ነበሩ። ብዘሎ እቲ ህዝቢ ፈጺሙ ንዮርዳኖስ ክሳዕ ዚሳገሮ፡ ኵሉ እስራኤል በቲ ንቑጽ ሓለፈ