1. ሽዑ እያሱ ንሮቤላውይንን ንጋዳውያንን ንፈረቓ ነገድ ምናሴን ጸዎዖም

2. በሎም ድማ፡ ንስኻትኩም እቲ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር ዝአዘዘኩም ዅሉ ሐሊኹም ኢኹም፡ እቲ ዝአዘዝኩኹም ኵሉ ቓለይውን ሰማዕኩም

3. ንስኻትኩም በዘን ብዙሓት መዓልታት ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ነሕዋትኩም ኣይሐደግኩምዎምን፡ እቲ ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፡ ናይ ትእዛዙ ነገር ደኣ ሐሎኹም

4. ሕጂ ድማ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ነሕዋትኩም ከምቲ እተዛረቦም ኣዕሪፍዎም እዩ እሞ፡ ሕጂ ድማ ተመሊስኩም ናብ ድንኳናትኩም ናብታ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ዝሀበኩም፡ ናብ ምድሪ ርስትኹም ኪዱ

5. ሓንትስ፡ እቲ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር ዝኣዘዘኩም ትእዛዝን ሕግን ክትገብሩንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክትፈትውዎ፡ ብዅሉ መገድታቱ ኽትከዱ ትእዛዛቱ ድማ ክትሕልዉ፡ ናብኡውን ክትለግቡ፡ ብዅሉ ልብኹምን ብዅሉ ነፍስኹምን ከኣ ከተገልግልዎኣዚኹም ተጠንቀቑ

6. እያሱ ድማ መሪቑ ኣፋነዎም፡ ናብ ድንኳናቶም ከኣ ከዱ

7. ንፈረቓ ነገድ ምናሴ ሙሴ ኣብ ባሳን ርስቲ ሂብዎ ነበረ፡ ነቲ ፈረቓኡ ከኣ እያሱ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ፡ ኣብ ወገን ምዕራብ ኣብ መንጎ ኣሕዋቶም ሀቦም። እያሱ ናብ ድንኳናቶም ኪሰዶም ከሎ መረቖም

8. ምስ ብዙሕ ሃብቲ፡ ምስ ኣዝዩ ብዙሕ ማል ድማ፡ ምስ ብሩርን ምስ ወርቅን ምስ ኣስራዝን ምስ ሓጺንን፡ ምስ ኣዝዩ ብዙሕ ክዳውንቲውን ናብ ድንኳናትኩም ተመለሱ፡ ነቲ ምርኮ ጸላእትኹም ከኣ ምስ ኣሕዋትኩም ተማቐልዎኢሉ ድማ ተዛረቦም

9. ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ፈረቓ ነገድ ምናሴን ተመሊሶም፡ ናብ ምድሪ ጊልዓድ፡ ናብታ ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ብኢድ ሙሴ እተረስተይዋ ምድሪ ርስቶም ኪኸዱ፡ ካብ ደቂ እስራኤል ካብታ ኣብ ምድሪ ኸነኣን ዘላ ሺሎ ነቕሉ

10. ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ፈረቓ ነገድ ምናሴን ናብቲ ኸባቢ ዮርዳኖስ ናይ ምድሪ ኸነኣን ምስ መጹ፡ ኣብኡ ኣብ ጥቓ ዮርዳኖስ መሰውኢዓብዪ ርኡይ መሰውኢ ሰርሑ

11. እቶም ደቂ እስራኤል ከኣ፡ እንሆ፡ ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ፈረቓ ነገድ ምናሴን ኣብ ጥቓ ዮርዳኖስ፡ ኣብ መንጽር ምድሪ ኸነኣን፡ ኣብ ማዕዶ ደቂ እስራኤል መሰውኢ ሰሪሖም አለዉ፡ ኪብሉ ሰምዑ

12. ደቂ እስራኤል ድማ እዚ ምስ ሰምዑ፡ ምሳታቶም ንምውጋእ ኪድይቡ፡ ብዘሎ እቲ ኣኼባ ደቂ እስራኤል ኣብ ሺሎ ተአከበ

13. ደቂ እስራኤል ከኣ ንፊንሃስ ወዲ ኻህን ኣልኣዛር ናብ ደቂ ሮቤልን ናብ ደቂ ጋድን ናብ ፈረቓ ነገድ ምናሴን ናብ ምድሪ ጊልዓድ ለኣኽዎ

14. ምስኡ ድማ ናይ ኵሎም ነገዳት እስራኤል ዓሰርተ ሹምሓሓደ ሹም ንማይ ቤት ኣቦ፡ ነፍሲ ወከፎም ኣብ ማእከል ኣሽሓት እስራኤል ነንማይ ቤት ኣቦታቶም ሓላቑ ነበሩ።

15. ናብ ደቂ ሮቤልን ናብ ደቂ ጋድን ናብ ፈረቓ ነገድ ምናሴን ናብታ ምድሪ ጊልዓድ መጺኦም ድማ ከምዚ ኢሎም ተዛረብዎም

16. ብዘሎ ኣኼባ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል፡ ንእግዚኣብሄር ክትዐልዉ ንኣኻትኩም መሰውኢ ብምስራሕኩም ሎሚ ንእግዚኣብሄር ካብ ምስዓብ እተመለስኩምሲ፡ እዚ ሎሚ ንኣምላኽ እስራኤል ዝበደልኩሞ በደል፡ እንታይ እዩ፧

17. እቲ ሓጢኣት ጴዖር ክሳዕ ሎሚ ኻብኡ ዘይነጻህናሉ እሞ ኣብ ኣኼባ እግዚኣብሄር ምዓት ዝወረደዶ ኣይኣኽለናን እዩ፧

18. ሎሚ ድማ ንስኻትኩም ንእግዚኣብሄር ካብ ምስዓብ ተመሊስኩም፡ ሎሚ ንእግዚኣብሄር ብምዕላውኩም ጽባሕ ንብዘሎ ኣኼባ እስራኤል ኪቚጥዖ እዩ።

19. እታ ዝወረስኩምዋ ምድሪ ርኽስቲ እንተ ዀነት ግና፡ ናብታ ማሕደር እግዚኣብሄር ሰፊራታ ዘላ ምድሪ ርስቲ እግዚኣብሄር ሕለፉ እሞ ኣብ ማእከልና ተረስተዩብጀካ እቲ መሰውኢ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፡ መሰውኢ ብምስራሕኩም ንእግዚኣብሄር ኣይትዕለዉ፡ ንኣናውን ኣይትዕለዉና።

20. ዓካን ወዲ ዜራሕ ኣብቲ እተሐርመዶ በደል ኣይበደለን፧ ኣብ ልዕሊ ብዘሎ ኣኼባ እስራኤል ድማ መዓት ወረደ፡ በቲ በደሉ ኸኣ እቲ ሓደ ሰብኣይ ጥራይ ኣይሞተን

21. ሽዑ ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ፈረቓ ነገድ ምናሴን ነቶም ሓላቑ ኣሽሓት እስራኤል መሊሶም ተዛረብዎም

22. እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣማልኽቲ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣማልኽቲ፡ ንሱ ይፈልጦ አሎ፡ እስራኤልውን፡ ንሱ ኺፈልጦ እዩ፡ ነዚ ብበደልን ንእግዚኣብሄር ብምዕላውን እንተ ጌርናዮስ፡- ሎሚ መዓልቲ ኣይተድሕነና፡-

23-24. ንእግዚኣብሄር ካብ ምስዓብ ምእንቲ ኽንምለስ ወይስ ዚሐርር መስዋእቲ ወይ መስዋእቲ ብልዒ ኸነዕርገሉ ወይ መስዋእቲ ምስጋና ኽንገብረሉመሰውኢ እንተ ሰራሕናስ፡ እዚ ንዳሕራዩ ደቅኹም ንደቅና፡ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል እንታይ ኣሎኩም፧ ኪብልዎም እዮም፡ ኢልና ብፍርሃት እንተ ዘይገብርናዮስ፡ እግዚኣብሄር ባዕሉ ይመርምር

25. ኣቱም ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድንእግዚኣብሄር ንኣናን ንኣኻትኩምን ንዮርዳኖስ ዶብ ገይሩልና እዩ እሞ፡ ኣብ እግዚኣብሄር ግደ የብልኩምን፡ ኢሎም ደቅኹም ንደቅና ምፍራህ እግዚኣብሄር ከም ዚሐድጉ ይገብርዎም

26-27. ስለዚ ንዳሕራዩ ደቅኹም ንደቅና፡ ኣብ እግዚኣብሄር ግደ የብልኩምን፡ ምእንቲ ኸይብልዎምንእግዚኣብሄር ብዚሐርር መስዋእትናን ብናይ ሕሩድ መስዋእትናን ብናይ ምስጋና መስዋእትናን ኣብ ቅድሚኡ ኽነገልግሎ፡ ንኣና መሰውኢ ኽንነድቕ ንሐሊ፡ ግናኸ ንዚሐርር መስዋእቲ ኣይኰነን፡ ንመስዋእቲ ሕሩድ ድማ ኣይኰነን፡ ንሱ ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎኹምን፡ ብድሕሬና ኸኣ ኣብ መንጎ ወለዶና ምስክር ኪኸውን፡ ኢልና ደኣ ኢና።

28. ስለዚ ንዳሕራዩ ንኣናን ንወለዶናን ከምዚ ምስ ዚብሉ ነቲ ኣቦታትና ዝገበርዎ ምስሊ መሰውኢ እግዚኣብሄር ርኣዩ፡ ንሱ ንዚሐርር መስዋእቲ ኣይኰነን፡ ንመስዋእቲ ሕሩድውን ኣይኰነን፡ ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎኹምን ደኣ ምስክር እይ፡ ንብሎም በልና

29. ንሕና በጀካ እቲ ኣብ ቅድሚ ማሕደር ዘሎ መሰውኢ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ንዚሐርር መስዋእቲ ወይ ንመስዋእቲ ወይ ንመስዋእቲ ብልዕን ንመስዋእቲ ሕሩድን መሰውኢ ብምስራሕና፡ ካብ እግዚኣብሄር ምዕላውን ሎሚ ንእግዚኣብሄር ካብ ምስዓብ ምምላስንሲ ኻባና ይርሐቕ

30. ሽዑ ኻህን ፊንሃስን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሹማምቲ ኣኼባን እቶም ሓላቑ ኣሽሓት እስራኤልን፡ እቲ ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ደቂ ምናሴን እተዛረብዎ ነገር ምስ ሰምዑጽቡቕ ኰይኑ ተራእዮም።

31. ፊንሃስ ወዲ ኻህን ኣልኣዛር ድማ ንደቂ ሮቤልን ንደቂ ጋድን ንደቂ ምናሴን፡ እዚ በደል እዚ ንእግዚኣብሄር ኣይበደልኩምዎን እሞ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ማእከልና ከም ዘሎ፡ ሎሚ ፈለጥናሕጂ ንደቂ እስራኤል ካብ ኢድ እግዚኣብሄር ኣድሐንኩምዎምበሎም

32. ሽዑ ፊንሃስ ወዲ ኻህን ኣልኣዛርን፡ እቶም ሹማምትን ካብ ደቂ ሮቤልን ካብ ደቂ ጋድን ካብ ምድሪ ጊልዓድ ናብ ምድሪ ኸነኣን ናብ ደቂ እስራኤል ተመልሱ፡ እቲ ነገሩ ድማ መለሱሎም

33. እቲ ነገሩ ኸኣ ንደቂ እስራኤል ጽቡቕ ኰይኑ ተራእዮም እሞ፡ ደቂ እስራኤል ንኣምላኽ ኣመስገንዎ። ድሕርቲ ኸኣ፡ ነታ ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ዚነብርዋ ምድሪ ኼጥፍእዋኽንዋጋእ ንደይቦም ኢሎም ኣይተዛረቡን

34. ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ድማ፡ ነቲ መሰውኢ፡ ዔድ፡ ኢሎም ሰመይዎ። ከመይሲ፡ ንሱ እግዚኣብሄርስ ኣምላኽ ከም ዝዀነ፡ ኣብ መንጎና ምስክር እዩ፡ በሉ።