1. እተን ደቂ እስራኤል ኣብ ምድሪ ኸነኣን ዝወረስወን፡ እሞ እቲ ኻህን ኣልኣዛርን እያሱ ወዲ ነዌን እቶም ርእስታት ነቦታት ነገዳት ደቂ እስራኤልን ዘውረስዎም፡ እዚኣተን እየን፡
2. ከምቲ እግዚኣብሄር ብኢድ ሙሴ ዝአዘዞ፡ ንትሽዓተ ነገድን ንፈረቓ ነገድን ረርስቶም ብዕጭ ከፈሎም።
3. ነቶም ክልተ ነገድን ንፈረቓ ነገድንሲ ሙሴ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ርስቲ ሂብዎም ነበረ፡ ንሌዋውያን ግና ኣብ መንጎኦም ርስቲ ኣይሀቦምን።
4. ደቂ ዮሴፍ ክልተ ነገድ፡ ምናሴን ኤፍሬምን ነበሩ እሞ፡ ንሌዋውያን ግና፡ ብጀካ እተን ዚነብሩለን ከተማታት ምስተን ንኸብቶምን ንጥሪቶምን ዚዀና ኸበብተን፡ ኣብታ ምድሪ ግደ ኣይሀቦምን።
5. ደቂ እስራኤል፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝአዘዞ፡ ከምኡ ገበሩ፡ ነታ ምድሪ ተማቐልዋ።
6. ደቂ ይሁዳ ድማ ኣብ ጊልጋል ናብ እያሱ ቐረቡ፡ ካሌብ፡ ወዲ የፋነ እቲ ቀኔዛዊ፡ ከኣ በሎ፡ እግዚኣብሄር ንሙሴ፡ ነቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ኣብ ቃዴስ-ባርኔዓ ብዛዕባይን ብዛዕባኻን ዝበሎ፡ ንስኻ ትፈልጥ አሎኻ።
7. እቲ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር፡ ነታ ምድሪ ኽስሊ፡ ካብ ቃዴስ-ባርኔዓ ኺሰደኒ ኸሎ፡ ኣነ ወዲ ኣርብዓ ዓመት ነበርኩ እሞ ከምቲ ኣብ ልበይ ዝነበረ ቓል መለስኩሉ።
8. እቶም ምሳይ ደዪቦም ዝነበሩ ኣሕዋተይ ንልቢ እቲ ህዝቢ ኣሸበርዎ፡ ኣነ ግና ንእግዚኣብሄር ኣምላኸይ ፈጺመ ሰዐብክዎ።
9. ሙሴ ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኸይ ፈጺምካ ስለ ዝሰዐብካዮ፡ እታ እግርኻ ዝረገጸታ ምድሪ ንኣኻን ንደቅኻን ንዘለኣለም ርስቲ ትኹን፡ ኢሉ መሐለ።
10. ሕጂ ድማ እንሆ፡ እቲ እስራኤል ኣብ በረኻ ኺመላለስ ከሎ፡ እግዚኣብሄር ንሙሴ እዚ ቓል እዚ ኻብ ዚነግሮ፡ ከምቲ ዝበሎ፡ እግዚኣብሄር እዘን ኣርብዓን ሓሙሽተን ዓመት ብህይወት ኣጽንሓኒ። ሕጂ ኸኣ እንሆ፡ ኣነ ሎሚ ወዲ ሰማንያን ሓሙሽተን ዓመት ኰይነ አሎኹ።
11. ከምታ ሙሴ ኺልእከኒ መዓልቲ፡ ሎሚ ኸኣ ሓይለይ ከምኡ አሎ፡ ንውግእ ኰነ፡ ንምውጻእ ኰነ፡ ንምእታው ኰነ፡ ሓይለይ ከምቲ ሽዑ ዝነበሮ፡ ሕጂ ሓይለይ ከምኡ አሎ።
12. ሕጂ ኸኣ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር በታ መዓልቲ እቲኣ እተዛረቦ፡ እዚ ኸረን እዚ ሀበኒ። ዓናቃውያንን ዓበይትን ዕሩዳትን ከተማታት ድማ ከም ዘለውዋ፡ ንስኻ በታ መዓልቲ እቲኣ ሰሚዕካ ኢኻ እሞ፡ ምናልባሽ እግዚኣብሄር ምሳይ ይኸውን፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ኸኣ፡ ክሰጎም እየ።
13. እያሱ ድማ ንካሌብ ወዲ የፋነ መረቖ፡ ኬብሮን ከኣ ንርስቲ ሀቦ።
14. ካሌብ፡ ወዲ የፋነ እቲ ቄኔዛዊ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ፈጺሙ ስለ ዝሰዐቦ፡ ኬብሮን ክሳዕ ሎም መዓልቲ ርስቱ ዀነት።
15. ቀደም ስም ኬብሮን ቂርያት-ኣርባ ነበረ። ኣርባ እቲ ኣብ ማእከል ዓናቃውያን ዚዐብዮ ዝነበረ ሰብኣይ እዩ። እታ ሃገር ድማ ካብ ውግእ ዐረፈት።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...