1. ዮሴፍ ኣብ ገጽ ኣቦኡ ወዲቑ፡ ኣብ ልዕሊኡ በኸየሰዐሞ ድማ።

2. ዮሴፍ ከኣ ነቶም ፈዋሶ ገላዉኡ ነቦኡ ብቕዱይ ቅብኢ ኺለኽይዎ እዘዞም። እቶም ፈዋሶ ድማ ብቕዱይ ቅብኢ ለኸይዎ

3. መዓልታትት ምልካይ ከምኡ እየን ዚፍጸማ እሞ፡ ኣርብዓ መዓልቲ መልኡሉ። ግብጻውያን ድማ ሰብዓ መዓልቲ በኸዩሉ

4. መዓልታት ሓዘን ምስ ሐለፋ ኸኣ፡ ዮሴፍ ንቤት ፈርኦን ተዛረቦምበሎም ድማ፡ ኣብ ቅድሜኹም ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበስ፡ በጃኹም ንፈርኦን ኣብ እዝኑ ኸምዚ ኢልኩም ንገሩለይ

5. ኣቦይእንሆኣነ እመውት አሎኹ። ኣብታ ኣብ ሃገር ከነኣን ንኣይ ኢለ ዝዀዐትክዋ መቓብረይ ኣብኣ ቕበረኒኢሉ ኣምሒሉኒ እዩሕጂ ኸኣ ክድይብ እሞ ነቦይ ቀቢረ ኽምለስ ፍቐደለይ።

6. ፈርኦን ድማ፤ ደይብ እሞ ከምቲ ዘምሐለካነቦኻ ቕበሮበለ

7. ዮሴፍ ከኣ ነቦኡ ኪቐብሮ ደየበኲላቶም ገላዉ ፈርኦንን ዓበይቲ ቤቱንኲላቶም ዓበይቲ ሃገር ግብጺ ድማ ምስኡ

8. ኲላቶም ስድራ ቤት ዮሴፍን ኣሕዋቱን ስድራ ቤት ኣቦኡን ድማ ደየቡ፡ ቈልዑኦምን ኣባጊዖምን ኣሓኦምን ጥራይ ኣብ ምድሪ ጎሼን ሐደጉ

9. ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን ድማ ምስኡ ደየቡ እሞ ኣዝዩ ብዙሕ ጭፍራ ነበረ።

10. ናብታ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ዘላ ዓውዲ ኣጣድ ከኣ መጹ፡ ኣብኣ ድማ ኣዝዩ ብርቱዕ ብኽያት በኸዪሉነቦኡ ሾብዓተ መዓልቲ መልቀስ ገበሩሉ

11. እቶም ኣብታ ሃገር ዚቕመጡ ከነኣናውያን ድማ ነቲ ኣብ ዓውዲ ኣጣድ ዝዀነ መልቀስ ምስ ረአዩእዚ ዓብዪ መልቀስ ግብጻውያን እዩ፡ በሉስለዚ ኸኣ ስማ ኣቤል-ሚስራይም ተባህለት። ንሳ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ዘላ እያ።

12. ደቁ ድማ ከምቲ ዝአዘዞም ገበሩሉ

13. እቶም ደቁ ኸኣ ጾይሮም ኣብ ምድሪ ኸነኣን ወሰድዎ፡ ኣብታ ኣብ መንጽር መምሬ ዘላ፡ ኣብርሃም ርስቲ ንመቓብር ኢሉ ኻብ ዔፍሮን ሔታዊ ምስታ ግራት እተሻየጣ፡ ኣብ በዓቲ ግራት ማክጴላ ቐበርዎ

14. ዮሴፍ ነቦኡ ምስ ቀበሮ፡ ንሱ ምስ ኣሕዋቱን ምስቶም ነቦኡ ኪቐብሩ ምስኡ ዝደየቡ ዂላቶምን ናብ ግብጺ ተመልሰ

15. ኣሕዋት ዮሴፍ ኣቦኦም ከም ዝሞተ ምስ ረኣዩምናልባሽ ዮሴፍ ይጸልኣና እሞ፡ እቲ ዝገበርናዮ ዂሉ ኽፉእ ከኣ ይፈድየናበሉ

16. ንዮሴፍ ድማ፡ ኣቦኻ ቕድሚ ሞቱ ኸምዚ ኢሉ ኣዘዘኢሎም ለአኹሉ

17. ንዮሴፍ፤ እቲ ኽፉእ ዝገበሩኻ በደል ኣሕዋትካን ሓጢኣቶምን ሕደገሎም ሕድርኻ፡ በልዎ። ሕጂ ኸኣ በደል ባሮት ኣምላኽ ኣቦኻ ይቕረ ኽትብል፡ ንልምነካ አሎና። ዮሴፍ ምስ ተዛረብዎ በኸየ

18. እቶም ኣሕዋቱ ድማ ከይዶም ኣብ ቅድሚኡ ፍግም ኢሎም ወደቑ፡ እንሆ፡ ንሕና ገላዉኻ ኢና፡ ከኣ በልዎ

19. ዮሴፍ ድማ፡ ኣይትፍርሁ። ኣነዶ ኣብ ክንዲ ኣምላኽ እየ፧

20. ንስኻትኩም ንኽፉኤይ ሐሰብኩም፡ እግዚኣብሄር ግና፡ ከምቲ ሎሚ ዀይኑ ዘሎ ኺገብር ብዙሕ ህዝቢ ምእንቲ ኼድሕንንጽቡቕ ሐሰበ

21. ሕጂ ኸኣ ኣይትፍርሁ። ኣነ ንኣኻትኩምን ንቘልዑኹምን ኽቕልበኩም እየ፡ በሎም። ኣጻናንዖም ድማ፡ ንልቦም ዜሐጒስውን ተዛረቦም

22. ዮሴፍ ድማ፡ ንሱን ቤት ኣቦኡን ኣብ ግብጺ ተቐመጡ። ዮሴፍ ከኣ ሚእትን ዓሰርተን ዓመት ገይሩ ነበረ

23. ዮሴፍ ድማ ንደቂ ኤፍሬም ክሳዕ ሳልሳይ ወለዶ ረአየ፡ ደቂ ሚኪር ወዲ ምናሴ ኸኣ ኣብ ብርኪ ዮሴፍ ተወልዱ

24. ዮሴፍ ድማ ነሕዋቱ፡ ኣነ እመውት አሎኹ። ኣምላኽ ግና ብሓቂ ኺበጽሓኩም እዩ፡ ካብዛ ምድሪ እዚኣ ኸኣ ናብታ ንኣብርሃምን ንይስሃቅን ንያእቆብን ዝመሐለሎም ምድሪ ኼደዪበኩም እዩ፡ በሎም

25. ዮሴፍ ድማ ንደቂ እስራኤልኣምላኽ ብሓቂ ኺበጽሓኩም እዩ እሞ፡ ነዕጽምተይ ካብዚ ኣደይብዎ፡ ኢሉ ኣምሐሎም

26. ዮሴፍ ወዲ ሚእትን ዓሰርተን ዓመት ምስ ኰነ፡ ሞተብቕዱይ ቅብኢ ድማ ለኸይዎ፡ ኣብ ሳጹን ገይሮም ከኣ ኣብ ግብጺ ኣንበርዎ።

Chap 49