1. መጽሓፍ ወለዶ ኣዳም እዚ እዩ፥ ኣምላኽ በታ ንሰብ ዝፈጠረላ መዓልቲ ብምስሊ ኣምላኽ ገበሮ

2. ተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ፈጠሮምባረኾም ድማ። በታ እተፈጥሩላ መዓልቲ ኸኣ ስሞም ኣዳም ኢሉ ኣውጽአሎም።

3. ኣዳም ድማ ሚእትን ሰላሳን ዓመት ገበረ፡ ከም መልክዑ ኸኣ ንእኡ ዚመስል ወዲ ወለደስሙውን ሴት ኣውጽኣሉ

4. ዕድመ ኣዳም ድሕሪቲ ንሴት ምስ ወለዶሾሞንተ ሚእቲ ዓመት ኰነ። ኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ወለደ

5. ኣዳም ዝነበሮ ዅሉ ዕድሜኡ ትሽዓተ ሚእትን ሰላሳን ዓመት ኰነሞተ ኸኣ።

6. ሴት ድማ ሚእትን ሓሙሽተን ዓመት ገበረንሄኖስ ከኣ ወለደ

7. ሴት ንሄኖስ ምስ ወለደ ድማ፡ ድሕሪኡ ሾሞንተ ሚእትን ሾብዓተን ዓመት ገበረኣወዳትን ኣዋልድን ድማ ወለደ

8. ኵሉ ዕድመ ሴትትሽዓተ ሚእትን ዓሰርተው ክልተን ዓመት ኰነ። ሞተ ኸኣ

9. ሄኖስ ድማ ተስዓ ዓመት ገበረንቃይናን ከኣ ወለደ

10. ሄኖስ ድማ ድሕርቲ ንቃይናን ምስ ወለደሾሞንተ ሚእትን ዓሰርተው ሓሙሽተን ዓመት ገበረኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ወለደ

11. ኵሉ ዕድመ ሄኖስ ትሽዓተ ሚእትን ሓሙሽተን ዓመት ኰነ። ሞተ ድማ

12. ቃይናን ከኣ ሰብዓ ዓመት ገበረንመሃላልኤል ድማ ወለደ

13. ቃይናን ንመሃላልኤል ምስ ወለደ ኸኣ፡ ድሕሪኡ ሾሞንተ ሚእትን ኣርብዓን ዓመት ገበረኣወዳትን ኣዋልድን ድማ ወለደ

14. ኵሉ ዕድመ ቃይናን ከኣ ትሽዓተ ሚእትን ዓሰርተን ዓመት ኰነ። ሞተ ድማ

15. መሃላልኤል ከኣ ስሳን ሓሙሽተን ዓመት ገበረንያሬድ ድማ ወለደ

16. መሃላልኤል ንያሬድ ምስ ወለደ ኸኣ፡ ድሕሪኡ ሾሞንተ ሚእትን ሰላሳን ዓመት ገበረኣወዳትን ኣዋልድን ድማ ወለደ

17. ኵሉ ዕድመ መሃላልኤል ከኣ ሾሞንተ ሚእትን ተስዓን ሓሙሽተን ዓመት ኰነ። ሞተ ድማ

18. ያሬድ ከኣ ሚእትን ስሳን ክልተን ዓመት ገበረንሄኖክ ድማ ወለደ

19. ያሬድ ንሄኖክ ምስ ወለደ ኸኣ፡ ድሕሪኡ ሾሞንተ ሚእቲ ዓመት ገበረኣወዳትን ኣዋልድን ድማ ወለደ

20. ኵሉ ዕድመ ያሬድ ከኣ ትሽዓተ ሚእትን ስሳን ክልተን ዓመት ኰነ። ሞተ ኸኣ

21. ሄኖክ ድማ ስሳን ሓሙሽተን ዓመት ገበረንማቱሳላ ኸኣ ወለደ

22. ሄኖክ ንማቱሳላ ምስ ወለደ ኸኣ፡ ድሕሪኡ ሰለስተ ሚእቲ ዓመት ምስ ኣምላኽ ተማላለሰኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ወለደ

23. ኵሉ ዕድመ ሄኖክ ድማ ሰለስተ ሚእትን ስሳን ሓሙሽተን ዓመት ኰነ።

24. ሄኖክ ከኣ ምስ ኣምላኽ ተማላለሰ፡ ኣምላኽ ወሲድዎ እዩ እሞ ኣይተራእየን።

25. ማቱሳላ ድማ ሚእትን ሰማንያን ሾብዓተን ዓመት ገበረንላሜክ ከኣ ወለደ

26. ማቱሳላ ንላሜክ ምስ ወለደ ኸኣ፡ ድሕሪኡ ሾብዓተ ሚእትን ሰማንያን ክልተን ዓመት ገበረኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ወለደ

27. ኵሉ ዕድመ ማቱሳላ ኸኣ ትሽዓተ ሚእትን ስሳን ትሽዓተን ዓመት ኰነ። ሞተ ድማ

28. ላሜክ ከኣ ሚእትን ሰማንያን ክልተን ዓመት ገበረወዲ ድማ ወለደ

29. ኣብዛ እግዚኣብሄር ዝረገማ ምድሪ ኻብ ዘሎ ዕዮናን ካብ ጻዕሪ ኢድናን እዚ ኼጸናንዓና እዩ፡ ኢሉ ስሙ ኖህ ኣውጽኣሉ

30. ላሜክ ንኖህ ምስ ወለደ ኸኣ፡ ድሕሪኡ ሓሙሽተ ሚእትን ተስዓን ሓሙሽተን ዓመት ገበረኣወዳትን ኣዋልድን ድማ ወለደ

31. ኵሉ ዕድመ ላሜክ ከኣ ሾብዓተ ሚእትን ሰብዓን ሾብዓተን ዓመት ኰነ። ሞተ ድማ

32. ኖህ ከኣ ወዲ ሓሙሽተ ሚእቲ ዓመት ኰነ፡ ኖህ ድማ ንሴምን ንካምን ንያፌትን ወለደ