1. እስራኤል ድማ ምስ ኲሉ ዘለዎ ነቐለ። ናብ ብኤር-ሸባዕ ምስ በጽሔ፡ ኣብኡ ንኣምላኽ ኣቦኡ ይስሃቅ መስዋእቲ ሕሩድ ሰውኤ

2. ኣምላኽ ድማ ንእስራኤል ብራእይ ለይቲያእቆብ፡ ያእቆብ፡ ኢሉ ተዛረቦ። ንሱ ኸኣ፤ እኔኹ፡ በለ

3. ኣነ ኣምላኽኣምላኽ ኣቦኻ እየ። ኣብኡ ዓብዪ ህዝቢ ኽገብረካ እየ እሞ፡ ናብ ግብጺ ምውራድ ኣይትፍራህ

4. ኣነ ምሳኻ ናብ ግብጺ ኽወርድ እየብርግጽ ድማ ኣነ ኸደይበካ እየ። ዮሴፍ ከኣ ኢዱ ኣብ ልዕሊ ኣዒንትኻ ኼንብር እዩ፡ ድማ በለ።

5. ያእቆብ ድማ ካብ ብኤር-ሸባዕ ተንስኤደቂ እስራኤል ከኣ ነቦኦም ያእቆብን ሕጻናቶምን ኣንስቶምን ኣብቲ ኺመጸሉ ኢሉ ፈርኦን ዝሰደደሉ ሰረገላታት ኣደየቡ

6. ያእቆብን ኲሉ ዘርኡ ድማ ምስኡ፡ ማሎምን ኣብ ምድሪ ኸነኣን ዘጥረይዎ ገንዘቦምን ወሲዶምናብ ግብጺ መጹ

7. ንደቁን ደቂ ደቁንነዋልዱን ኣዋልድ ደቁንንዂሉ ዘርኡ ድማ ምስኡ ናብ ግብጺ ኣምጽኤ

8. እቶም ናብ ግብጺ ዝአተዉ ደቂ እስራኤልያእቆብን ደቁንስሞም እዚ እዩበዂሪ ያእቆብ፡ ሮቤል

9. ደቂ ሮቤል ድማ፤ ሄኖክን ፋሉን ሄስሮንን ካርሚን

10. ደቂ ስምኦን ከኣ፡ የሙኤልን ያሚንን ኦሃድን ያኪንን ጾሓርን ሻኡል ወዲ እታ ኸነኣናዊትን

11. ደቂ ሌዊ ኸኣ፤ ገርሾንን ቀሓትን መራሪን

12. ደቂ ይሁዳ ድማ፤ ዔርን ኦርንን ሼላን ፋሬስን ዜራሕንዔርን ኦናንን ግና ኣብ ምድሪ ኸነኣን ሞቱ። ደቂ ፋሬስ ድማ ሔጽሮንን ሓሙልን እዮም።

13. ደቂ ይሳኮር ከኣ፡ ቶላዕን ፉዋህን ዮብን ሽምሮንን

14. ደቂ ዛብሎን ድማ፤ ሰሬድን ኤሎንን ያሕኤልን

15. እዚኣቶም ንያእቆብ ኣብ ጳዳን-ኣራም ዝወለደትሉ ደቂ ልያ እዮም፡ ዲና ድማ ጓሉኣወዳቱን ኣዋልዱን ኲሎም ሰላሳን ሰለስተን ነፍሲ

16. ደቂ ጋድጺፍዮንን ሓጊን ሹኒን ኤጽቦንን ዔሪን ኣሮዲን ኣርኤሊን

17. ደቂ ኣሴር ከኣ፡ ዪምናን ዪሽዋን ዪሽዊን በርዓን ሴራሕሓብቶምንደቂ በሪዓ ኸኣ፤ ሔበርን ማልኪኤልን

18. እዚኣቶም ደቂ ዚልጳ፡ እታ ላባን ንጓሉ ልያ ዝሀባ፡ እዮም። እዞም ዓሰርተው ሹድሽተ ነፍሲ ንያእቆብ ወለደትሉ

19. ደቂ ራሄል ሰበይቲ ያእቆብ ድማ፤ ዮሴፍን ብንያምን

20. ንዮሴፍ ከኣ ኣብ ሃገር ግብጺ እተወልዱሉኣሰናትጓል ጶጢፌራ ካህን ኦንዝወለደትሉምናሴን ኤፍሬምን እዮም።

21. ደቂ ብንያም ድማ፡ ቤላዕን ቤከርን ኣሸቤልን ጌራን ናዓማንን ኤሒን ሮሽን ሙጲምን ሑጲምን ኣርድን

22. እዚኣቶም ንያእቆብ እተወልዱሉ ደቂ ራሄል፡ ኲሎም ዓሰርተው ኣርባዕተ ነፍሲ እዮም።

23. ደቂ ዳን ድማ፤ ሑሺም

24. ደቂ ንፍታሌም ከኣ፡ የሕጽኤልን ጉኒን የጽርን ሺሌምን

25. እዚኣቶም ደቂ ቢልሃእታ ላባን ንራሄል ጓሉ ዝሀባ፡ እዮም። እዚኣቶም ኲሎም ሾብዓተ ነፍሲ ንያእቆብ ወለደትሉ

26. እቶም ምስ ያእቆብ ናብ ግብጺ ዝኣተዉ ነፍሳትካብ ሕቚኡ ዝወጹ ብጀካ ኣንስቲ ደቂ ያእቆብ፡ ኲሎም ስሳን ሹድሽተን ነፍሲ ነበሩ።

27. ኣብ ግብጺ እተወልዱሉ ደቂ ዮሴፍ ከኣ ክልተ ነፍሲ ነበሩ። ናብ ግብጺ ዝኣተዉ ዂሎም ነፍሳት ቤት ያእቆብ ሰብዓ ነበሩ።

28. ንሱ ቀቅድሚኡ ናብ ጎሼን ምእንቲ ኺመርሕ ድማ፡ ንይሁዳ ቀቅድሚኡ ናብ ዮሴፍ ሰደዶ። ናብ ምድሪ ጎሼን ከኣ ኣተዉ

29. ዮሴፍ ድማ ሰረገላኡ ኣጽዒኑነቦኡ እስራኤል ኪረክብ ናብ ጎሼን ደየበምስ ተራእዮ ኸኣኣብ ክሳዱ ወዲቑ፡ ኣብ ክሳዱ ነዊሕ ጊዜ በኸየ

30. እስራኤል ድማ ንዮሴፍገና ብህይወት ከም ዘሎኻ፡ ገጽካ ኻብ ርኤኹሕጂስ እሙትበሎ

31. ዮሴፍ ከኣ ነሕዋቱን ንቤት ኣቦኡን በሎም፡ ናብ ፈርኦን ደይበ ኽነግሮ እየ፡ ኣብ ምድሪ ኸነኣን ዝነበሩ ኣሕዋተይን ቤት ኣቦይን ናባይ መጺኦም አለዉ።

32. እዞም ሰባት እዚኣቶም ሰብ ማል እዮም እሞ፡ ጓሶት ኣባጊዕ እዮም። ኣባጊዖምን ኣሓኦምን ኲሉ ዘለዎም ድማ ኣምጺኦም አለዉ

33. ኪኸውን ድማ እዩ፡ ፈርኦን ጸዊዑተግባርኩም እንታይ እዩ፧ ምስ ዚብለኩም፡

34. ጓሳ ዘበለ ንግብጻውያን ጽዩፍ እዩ እሞ፡ ኣብ ምድሪ ጎሼን ምእንቲ ኽትቅመጡስገላዉኻንሕናን ኣቦታትናን ድማ ካብ ንእስነትና ኽሳዕ ሕጂ ሰብ ማል ኢናበሉ