1. ሽዑ ዮሴፍ ኣብ ቅድሚ እቶም ምስኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ዅሎም ልቡ ኼህድእ ኣይከኣለን እሞ፡ ዓው ኢሉኵሎም ሰብ ካብ ቅድመይ ኣውጽኡለይ፡ በለ። እቲ ነሕዋቱ ኺላለዮም ከሎ፡ ምስ ዮሴፍ ገለ ሰብ እኳ ኣይነበረን

2. ቃሉ ዓው ኣቢሉ ድማ በኸየግብጻውያን ከኣ ሰምዑ፡ ቤት ፈርኦንውን ሰምዔ

3. ዮሴፍ ድማ ነሕዋቱኣነ ዮሴፍ እየኣቦይከ ኽሳዕ ሕጂዶ ብህይወቱ አሎ፧ በሎም። ኣሕዋቱ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ሰምበዱ እሞ፡ ኪመልሱሉ ኣይከኣሉን

4. ዮሴፍ ከኣ ነሕዋቱ፡ በጃኹም ናባይ ቅረቡበሎም። ቀረቡ ድማ። በለ ኸኣ፡ ኣነ ናብ ግብጺ ዝሸጥኩምኒ ዮሴፍ ሓውኩም እየ።

5. ኣምላኽ እዩ ህይወት ንምድሓን ቀቅድሜኹም ዝለአኸኒ እሞ፡ ሕጂ ድማ ናብዚ ስለ ዝሸጥኩምኒ ኣይትጕሀዩኣይትጨነቑ

6. ኣብዛ ምድሪ ጥሜት ካብ ዚኸውን ሕጂ ኽልተ ዓመት ኰይኑ፡ ዘይሕረሰንን ዘይዕጸደንን ድማ ገና ሓሙሽተ ዓመት ኣለዋ።

7. ኣምላኽ ግና ኣብ ምድሪ ተረፍ ምእንቲ ኼትርፈኩምብዓብዪ ምድሓን ድማ ህይወትኩም ክትድሕንቀቅድሜኹም ለአኸኒ

8. ሕጂ ኸኣ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ንስኻትኩም ኣይኰንኩምን ናብዚ ዝለኣኽኩምኒ። ንሱ ንፈርኦን ኣቦኡን ጐይታ ዅላ ቤቱን ገዛእ ኵላ ሃገር ግብጽን ገበረኒ

9. ቀልጢፍኩም ናብ ኣቦይ ደይቡ እሞ በልዎዮሴፍ ወድኻ ከምዚ ይብልኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ዅላ ግብጺ ጐይታ ገበረኒ፡ ናባይ ውረድኣይትደንጕ

10. ንስኻን ደቅኻን ደቂ ደቅኻን ኣባጊዕካን ኣሓኻን ዘሎካ ዅሉን ኣብ ቀረባይ ክትከውንኣብ ምድሪ ጎሼን ክትቅመጥ ኢኻ።

11. ገና ሓሙሽተ ዓመት ጥሜት ተሪፉ አሎ እሞ፡ ንስኻን ቤትካን ኵሉ ዘሎካን ምእንቲ ኸይትሽገሩ፡ ኣብኡ ኽሐልየልካ እየ።

12. ኣፈይ ትዛረበኩም ከም ዘላ ኸኣ፡ እንሆ፡ ኣዒንትኹምን ዓይኒ ሓወይ ብንያምን ይርእያ ኣለዋ።

13. እቲ ዅሉ ኽብረተይ ኣብ ግብጽን እቲ ዝርኤኽምዎ ዅሉን ነቦይ ንገርዎ። ነቦይ ከኣ ቀልጢፍኩም ናብዚ ኣውርድዎ

14. ኣብ ክሳድ ሓዉ ብንያም ወዲቑ ኸኣ በኸየ፡ ብንያም ድማ ኣብ ክሳዱ በኸየ።

15. ንዅሎም ኣሕዋቱ ኸኣ እናበኸየ ሰዐሞምድሕርዚ ድማ ኣሕዋቱ ምስኡ ተዛረቡ

16. ኣብ ቤት ፈርኦን ከኣ፡ ኣሕዋት ዮሴፍ መጺኦምዚብል ወረ ተሰምዔእዚውን ንፈርኦንን ንገላውኡን ባህ ኣበሎም።

17. ፈርኦን ድማ ንዮሴፍ በሎነሐዋትካከምዚ ግበሩበሎምእንስሳኹም ጽዒንኩም ኪዱናብ ምድሪ ኸነኣን ከኣ እተዉ

18. ኣቦኹምን ስድራቤትኩምን ሒዝኩም ድማ ናባይ ምጹካብ ምድሪ ግብጺ ኸኣ እቲ ዝበለጸ ኽህበኩም እየ፡ ስብሒ እዛ ምድሪውን ክትበልዑ ኢኹም።

19. እዚ ኽትገብሩ እእዝዘካ አሎኹንሕጻናትኩምን ነንስትኹምን ሰረገላታት ካብ ምድሪ ግብጺ ውሰዱ እሞ፡ ነቦኹም ድማ ሒዝኩምዎ ምጹ

20. እቲ ኣብ ምድሪ ግብጺ ዘሎ ዘዝበለጸ ዅሉ ንኣኻትኩም እዩ እሞ፡ ኣቓሑኹም ርኢኹም ኣይትጕሀዩ

21. ደቂ እስራኤል ከኣ ከምኡ ገበሩዮሴፍ ድማ ከምቲ ትእዛዝ ፈርኦን ሰረገላታት ሀቦምንመገዲ ኸኣ ስንቂ ሀቦም።

22. ንነፍሲ ወከፎም ኵሎም ድማ ዚለዋወጥ ክዳውንቲ ሀቦምንብንያም ግና ሰለስተ ሚእቲ ሲቃል ብሩርን ሓሙሽተ ዚለዋወጥ ክዳውንትን ሀቦ።

23. ነቦኡ ድማ ካብ ናይ ዘዝጸበቐ ነገር ግብጺ ጽዕነት ዓሰርተ ኣድጊ፡ ነቦኡ ንመገዲ ዚኾኖ ኸኣ እኽልን እንጌራን ካልእ ብልዕን ጽዕነት ዓሰርተ ኣንስተይቲ ኣድጊ ኸምዚ ገይሩ ሰደደሉ

24. ነሕዋቱ ድማ፡ ኣብ መገዲ ኣይትበአሱ፡ ኢሉ ሰደዶምከዱ ኸኣ።

25. ካብ ግብጺ ደይቦም ከኣ ናብ ኣቦኦም ያእቆብ ናብ ምድሪ ኸነኣን መጹ

26. ዮሴፍ ገና ብህይወቱ አሎንዅላ ሃገር ግብጺ ዚገዝእ ዘሎውን ንሱ እዩ፡ ኢሎም ድማ ነገርዎ። ንሱ ግና ኣይአመኖምን እሞ፡ ልቡ ደንጸወ

27. እቲ ዮሴፍ ዝበሎም ኵሉ ዘረባ ድማ ነገርዎ፡ እቲ ኺመጸሉ ኢሉ ዮሴፍ ዝሰደዶ ሰረገላታት ምስ ረአየ ኸኣ፡ መንፈስ ኣቦኦም ያእቆብ ተሐደሰ

28. እስራኤል ድማ፥ ወደይ ዮሴፍስ ገና ብህይወቱ አሎደጊም ይአኽለኒከይሞትኩ ደኣ ኸይደ ኽርእዮበለ