1. ኰነ ድማ፡ ድሕሪ ኽልተ ዓመት ፈርኦን ሐለመእንሆ ኸኣ፡ ኣብ ገምገም ርባ ደው ኢሉ ነበረ።

2. እንሆ ድማሾብዓተ ንምርኣየን ጽቡቓትስጋኤን ከኣ ስቡሓት ኣሓ ኻብቲ ርባ ወጺኤን ኣብቲ ሰልሰላ ኺበልዓ ረአየ።

3. ደድሕሪኤን ድማ እንሆ፡ ካልኦት ሾብዓተ ንምርኣየን ክፉኣትስጋኤን ከኣ ዓባሩ ኣሓ ኻብቲ ርባ ወጺኤን ኣብ ጥቓ እተን ቀዳሞት ኣብ ገምገም ርባ ደው በላ።

4. እተን ንምርኣየን ክፉኣትስጋኤን ከኣ ዓባሩ ኣሓ ነተን ሾብዓተ ንምርኣየን ጽቡቓትን ስቡሓትን ኣሓ ወሐጥኤንፈርኦን ድማ ተበራበረ

5. ደቀሰ እሞ ካልኣይ ሳዕውን ሐለመ፡ እንሆ ኸኣ፡ ኣብ ሓንቲ ብርዒ ሾብዓተ ፍሩያትን ጽቡቓትን ሰዊት ወጻ

6. ድሕሪኤን ከኣ እንሆ፡ ሾብዓተ ቐጠንቲ ብንፋስ ምብራቕ ዝሀጐጓ ሰዊት ወጻ።

7. እተን ቀጠንቲ ሰዊት ድማ ነተን ሾብዓተ ፍሩያትን ምሉኣትን ሰዊት ወሓጥኤንፈርኦን ከኣ ተበራበረእንሆ ድማ፡ ሕልሚ ነበረ

8. ኰነ ድማ፡ ምስ ወግሔመንፈሱ ኣዕለበጠ፡ ሽዑ ልኢኹ ንዅሎም ጠቢባን ግብጽን ንዅሎም ፈላጣትን ጸውዖም። ፈርኦን ከኣ ሕልሙ ነገሮምንፈርኦን ዚፈትሓሉ ግና ኣይነበረን

9. ሽዑ እቲ ሓለቓ ኣሰለፍቲ ሜስ ንፈርኦን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ኣነ ሎሚ ሓጢኣተይ ዘከርኩ

10. ፈርኦን ብገላውኡ ተቘጥዔንኣይን ንሓለቓ ሰንከትቲ እንጌራን ከኣ ናብ ቤት ሓለቓ ዘብዔኛታት ኣእተወና

11. ኣነን ንሱን ብሓንቲ ለይቲ ሕልሚ ሐለምናበበይኑ ዝምፍታሑ ሕልሚ ሐለምና።

12. ኣብኡ ድማ እብራዊ ጐበዝባርያ ሓለቓ ዘብዔኛታት፡ ምሳና ነበረ። ንእኡ ነገርናዮ፡ ንሱ ኸኣ ሕልምታትና ፈትሓልናንነፍሲ ወከፍ ከከም ሕልሙ ፈትሖ

13. ኰነ ድማ፡ ከምቲ ዝፈትሓልና ከምኡ ዀነ። ንኣይ ናብ ኣሰላፍነተይ መለሰኒ፡ ነቲ ኸኣ ሰቐሎ

14. ሽዑ ፈርኦን ልኢኹ ንዮሴፍ ጸውዖቀልጢፎም ድማ ካብ ቤት ማእሰርቲ ኣውጽእዎ። ንሱ ኸኣ ተላጽዩ ኽዳኑ ለዊጡ ኣብ ፈርኦን ኣተወ

15. ፈርኦን ድማ ንዮሴፍሕልሚ ሐሊመዚፈትሖ ድማ የልቦን። ኣነ፡ ሕልሚ ምስ ሰማዕካ ኸም እትፈትሖ፡ ብዛዕባኻ ኺዛረቡ ሰሚዔ፡ በሎ

16. ዮሴፍ ድማ ንፈርኦንእዚ ካባይ ኣይኰነንኣምላኽ ደኣ ንፈርኦን ነገር ሰላም ኪመልሰሉ እዩ፡ ኢሉ መለሰ

17. ፈርኦን ድማ ንዮሴፍ ተዛረቦ፡ እንሆ፡ ኣነ ብሕልመይ ኣብ ገምገም ርባ ደው ኢለ ነበርኩ።

18. እንሆ ኸኣ፡ ሾብዓተ ስቡሓትን መልክዔን ከኣ ጽቡቓትን ኣሓካብቲ ርባ ደይበን፡ ኣብ ሰልሰላ ይበልዓ ነበራ።

19. እንሆ ድማ፡ ደድሕሪኤን ካልኦት ሾብዓተ፡ ከማታተን ዝምኽፋኤን ኣብ ኵላ ሃገር ግብጺ እኳ ዘይርኤኹዝማሰናን ትርኢተን ኣዝየን ክፉኣትን ዓባሩን ኣሓ ወጻ

20. እተን ዓባሩን ክፉኣትን ኣሓ ድማ ነተን ሾብዓተ ቐዳሞት ስቡሓት ኣሓ ወሓጥኤን

21. ኣብ ከብደን ድማ አተዋኣብ ከብደን ከም ዝኣተዋ ኸኣ ኣይተፈልጠን፡ ትርኢተን ከም ቀደመን ክፉኣት ነበራ። ተበራበርኩ ድማ

22. ብሕልመይ ከኣ እንሆ፡ ሾብዓተ ፍሩያትን ጽቡቓትን ሰዊት ኣብ ሓንቲ ብርዒ ኺወጻ ርኤኹ

23. ድሕሪኤን ድማ እንሆ፡ ዓሸልን ቀጠንትን ብንፋስ ምብራቕ ዝሀጐጓ ሾብዓተ ሰዊት ወጻ።

24. እተን ቀጠንቲ ሰዊት ድማ ነተን ሾብዓተ ጽቡቓት ሰዊት ወሐጥኤንእዚ ነቶም ጠቢባን ነገርክዎምዚፈትሓለይ ከኣ ኣይነበረን

25. ዮሴፍ ድማ ንፈርኦን በሎሕልሚ ፈርኦን ሓደ እዩኣምላኽ ኪገብሮ ዘለዎ ንፈርኦን ኣግሀደሉ

26. እተን ሾብዓተ ጽቡቓት ኣሓ ሾብዓተ ዓመት እየን፡ እተን ሾብዓተ ጽቡቓት ሰዊት ድማ ሾብዓተ ዓመት እየን። ሕልሙ ሓደ እዩ

27. እተን ደድሕሪኤን ዝወጻ ሾብዓተ ዓባሩን ክፉኣትን ኣሓ ኸኣ ሾብዓተ ዓመት እየን። እተን ዓሸል ብንፋስ ምብራቕ ዝሀጐጓ ሾብዓተ ሰዊት ድማ ሾብዓተ ዓመት ጥሜት ኪዀና እየን።

28. እቲ ንፈርኦን ዝነገርክዎ እዚ እዩኣምላኽ እቲ ኺገብሮ ዘለዎ ንፈርኦን ኣርኣዮ

29. እንሆኣብ ብዘላ ሃገር ግብጺ ብዙሕ ጽጋብ ዝዀነለን ሾብዓተ ዓመት ኪመጻ እየን።

30. ብድሕሪኤን ከኣ ሾብዓተ ዓመት ጥሜት ኪመጻ እየን። ብእኤን እቲ ዅሉ ጽጋብ ኣብ ሃገር ግብጺ ኺርሳዕ እዩእቲ ጥሜት ከኣ ነታ ሃገር ኪውድኣ እዩ።

31. ንሱ ኣዝዩ ኺብርትዕ እዩ እሞ፡ ካብቲ ድሕሪት ዚኸውን ጥሜት እተላዕለ እቲ ኣብታ ሃገር ዝነበረ ጽጋብ ኣይፍለጥን

32. እቲ ፈርኦን ካልኣይ ሳዕ ደጊሙ ምሕላሙ እቲ ነገር ካብ ኣምላኽ ስለ እተቘርጸ እዩ፡ ኣምላኽ ከኣ ቀልጢፉ ኺገብሮ እዩ።

33. ሕጂ ድማ ፈርኦን ኣስተውዓልን ፈላጥን ሰብኣይ ይድለ እሞ፡ ኣብ ምድሪ ግብጺ ይሽሞ

34. ፈርኦን ድማ በዘን ሾብዓተ ዓመት ጽጋብ ካብ ፍርያት ምድሪ ግብጺ ሓምሳይ ኣፍ ዜውጽኡ ኣዘዝቲ ኣብ ሃገር ይሽም

35. ናይዘን ዝመጻ ዘለዋ ዓመታት ጽጋብ ዚብላዕ ዝዀነ ዅሉ ይአክቡ። እቲ እኽሊ ድማ ንቐለብ ኪኸውን ኣብ ትሕቲ ኢድ ፈርኦን ኣብ ከተማታት ይደለብይሐልውዎ ኸኣ።

36. እቲ እኽሊ ድማ ኣብ ምድሪ ግብጺ ዚመጻ ሾብዓተ ዓመት ጥሜት ነታ ሃገር ኪኸውን ይተዐቘርእታ ሃገር ከኣ ብጥሜት ኣይትጠፍእን

37. እዚ ነገርዚ ድማ ኣብ ቅድሚ ፈርኦንን ኣብ ቅድሚ ዅሎም ገላውኡን ጽቡቕ ኰነ

38. ፈርኦን ከኣ ንገላውኡከምዚ ዝበለ መንፈስ ኣምላኽ ዘለዎ ሰብኣይ ዶኾን ንረክብበሎም

39. ፈርኦን ድማ ንዮሴፍኣምላኽ እዚ ዅሉ ንኣኻ ኻብ ኣፍለጠካ፡ ከማኻ ዝበለ ኣስተውዓልን ፈላጥን የልቦን።

40. ንስኻ ኣብ ልዕሊ ቤተይ ኩን፡ ኵሉ ህዝበይ ንቓልካ ይተኣዘዝ፡ ኣነ ብዝፋነይ ጥራይ እየ ኻባኻ ዝዐቢ፡ በሎ።

41. ፈርኦን ከኣ ንዮሴፍርኤኣብ ልዕሊ ዅላ ሃገር ግብጺ ሸይመካ አሎኹ፡ በሎ

42. ፈርኦን ድማ ቀለቤቱ ኻብ ኢዱ ኣውጺኡ ናብ ኢድ ዮሴፍ ገበረሉሻሽውን ከደኖኣብ ክሳዱ ኸኣ ድሪ ወርቂ ገበረሉ።

43. ናብ ካልአይቲ ሰረገላኡ ድማ ኣወጥሖቀቅድሚኡ ኸኣ፡ ስገድኢሎም ጨደሩኣብ ልዕሊ ዅላ ሃገር ግብጺውን ሾሞ

44. ፈርኦን ድማ ንዮሴፍኣነ ፈርኦን እየኣብ ብዘላ ምድሪ ግብጺ ብዘይ ፍቓድካ ኢዱ ወይስ እግሩ ኣየልዕል፡ በሎ።

45. ፈርኦን ከኣ ንዮሴፍ ስሙ ጻፍናት-ጳዕናሕ ኣውጽኣሉኣሰናትጓል ጶጢፌራዕ ካህን ኦንሰበይቲ ኽትኰኖ ሀቦ። ዮሴፍ ከኣ ናብ ምድሪ ግብጺ ወጸ

46. ዮሴፍ፡ እቲ ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ንጉስ ግብጺ ደው ኪብል ከሎ፡ ወዲ ሰላሳ ዓመት ነበረ። ዮሴፍ ካብ ቅድሚ ፈርኦን ወጺኡ ናብ ብዘላ ምድሪ ግብጺ ዞረ

47. እታ ምድሪ ድማ በተን ሾብዓተ ዓመት ጽጋብ ብዙሕ ሓፍሻ ሀበት

48. ኣብ ምድሪ ግብጺ ዝነበረ ዅሉ ናይተን ሾብዓተ ዓመት እኽሊ ድማ አከበ፡ ነቲ እኽሊ ኸኣ ኣብ ከተማታት ደለቦ። እኽሊ እቲ ኣብ ዙርያ ኸተማታት ዝነበረ ግራሁ ድማ ነናብ ማእከል ከታማኡ አከበ።

49. ዮሴፍ ከኣ፡ እቲ እኽሊ ቝጽሪ ዜብሉ ነበረ እሞ፡ ምቝጻር ክሳዕ ዚሐድጎ፡ ከም ሑጻ ባሕሪ ኣዝዩ ብዙሕ አከበ

50. ገና ዓመት ጥሜት ከይመጸት ከላ፡ ኣሰናትጓል ጶጢፌራዕ ካህን ኦንዝወለደትሉንዮሴፍ ክልተ ወዲ ተወልዱሉ

51. ዮሴፍ ድማ፡ ኣምላኽ ኵሉ መከራይን ኵሉ ቤት ኣቦይን ኣረሲዑኒ እዩ እሞ፡ ኢሉ ስም እቲ በዅሪ ምናሴ ኣውጽኣሉ

52. ነቲ ኻልኣይ ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ምድሪ መከራይ ኣፍርዩኒ፡ ኢሉ ስሙ ኤፍሬም ኣውጽኣሉ

53. እተን ኣብ ምድሪ ግብጺ ዝነበራ ሾብዓተ ዓመት ጽጋብ ከኣ ሐለፋ

54. ከምቲ ዮሴፍ ዝበሎ ድማ፡ እተን ሾብዓተ ዓመት ጥሜት ኪአትዋ ጀመራኣብ ኵለን ሃገራት ከኣ ጥሜት ኰነ። ኣብ ብዘላ ምድሪ ግብጺ ግና እንጌራ ነበረ።

55. ኵላ ሃገር ግብጺ ምስ ጠመየት ድማ፡ እቲ ህዝቢ ብዛዕባ እንጌራ ናብ ፈርኦን ጠርዔ። ፈርኦን ድማ ንኹሎም ግብጻውያንናብ ዮሴፍ ኪዱ እሞ ንሱ ዚብለኩም ግበሩበሎም

56. ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ድማ ጥሜት ኰነ። ዮሴፍ ከኣ ኵሉ ሪቕ ከፊቱንግብጻውያን እኽሊ ሸጠሎም። እቲ ጥሜት ድማ ኣብ ሃገር ግብጺ እናበርትዔ ኸደ።

57. እቲ ጥሜት ኣብ ኵላ ምድሪ እናበርትዔ ኸደ እሞ፡ ካብ ኵለን ሃገራት እኽሊ ኪሽምቱናብ ዮሴፍ ናብ ግብጺ ይመጹ ነበሩ።