1. ኣዳም ድማ ንሰበይቱ ሄዋን ፈለጣ፡ እሞ ጠነሰትንቃየል ከኣ ወለደት፥ ብረድኤት እግዚኣብሄር ሰብ ተቐበልኩ፡ ድማ በለት

2. ደጊማውን ንሓው ኣቤል ወለደትኣቤል ድማ ጓሳ ኣባጊዕቃየል ከኣ ዓያዪ ምድሪ ዀነ።

3. ድሕሪ ገለ ወርሓት ድማ ዀነ፡ ቃየል ካብ ፍረ ምድሪ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ኣምጽኤ

4. ኣቤል ከኣ ካብ ብዅራት ኣባጊዑን ካብ ስብሔንን ኣምጽኤእግዚኣብሄር ድማ ናብ ኣቤልን ናብ መስዋእቱን ባህ ኢልዎ ረአየ

5. ናብ ቃየልን ናብ መስዋእቱን ግና ባህ ኢልዎ ኣይረአየንቃየል ከኣ ኣዝዩ ዀረየገጹ ድማ ጸለመ

6. እግዚኣብሄር ከኣ ንቃየልስለምንታይ ኰሬኻ፧ ስለምንታይከ ገጽካ ጸለመ

7. ጽቡቕ እንተ ትገብርሲ፡ ገጽካዶ ትኽ ኣይምበለን፡ ጽቡቕ እንተ ዘይገበርካ ድማ፡ ሓጢኣት ኣብ ኣፍደገ ትቃጸወካ አላ፡ ሃረርታኣውን ናባኻ እዩ፡ ግናኸ ንስኻ ክትገዝኣ ይግባኣካ፡ በሎ።

8. ቃየል ድማ ንሓዉ ኣቤል ተዛረቦ። ኰነ ኸኣ፡ ኣብ መሮር ከለዉ፡ ቃየል ንሓዉ ኣቤል ተንስኦቀተሎ ድማ

9. እግዚኣብሄር ከኣ ንቃየልኣቤል ሓውካኣበይ አሎ፧ በሎ። ንሱ ድማ፥ ኣይፈልጥን፡ ኣነዶ ሓላው ሓወይ እየ፧ በለ

10. ንሱ ኸኣ፥ እንታይ ጌርካ ኢኻድምጺ ደም ሓውካ ኻብ ምድሪ ናባይ ይጠርዕ አሎ።

11. ሕጂ ድማ ንስኻ ካብዛ ንደም ሓውካ ኻብ ኢድካ ኽትቅበል ኣፋ ዝኸፈተት ምድሪ ርጉም ኩን፡

12. ንምድሪ ምስ እትሓርሳ መሊሳ ሓይላ ኣይክትህበካን እያ፡ ኣብ ምድሪ ኰብላልን ቀባሕባሓይን ኩን፡ በለ።

13. ቃየል ከኣ ንእግዚኣብሄር በሎበደለይ ክጾሮ ዘይክኣለኒ ዓብዪ እዩ።

14. እንሆ፡ ሎሚ ኻብ ገጽ ምድሪ ትሰጐኒ አሎኻ፡ ኣነ ድማ ኻብ ገጽካ ኽሕባእ እየ፡ ኣብ ምድሪ ኰብላልን ቀባሕባሓይን ክኸውን እየ። ክኸውን ከኣ እዩ፡ ዚረኽበኒ ዘበለ ዅሉ ኪቐትለኒ እዩ።

15. እግዚኣብሄር ድማ፥ እምበኣር ንቃየል ዝቐተለ ዅሉ ሾብዓተ ካዕበት ሕነ ኺፍደዮ እዩ፡ በሎዝረኸቦ ዅሉ ምእንቲ ኸይቀትሎ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር ንቃየል ምልክት ገበረሉ

16. ቃየል ድማ ካብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ወጸ፡ ኣብ ምድሪ ኖድ ከኣ፡ ኣብ ምብራቕ ኤድን ተቐመጠ

17. ቃየል ከኣ ንሰበይቱ ፈለጣ፡ እሞ ጠነሰትንሄኖክ ድማ ወለደት። ንሱ ኸኣ ከተማ ሰርሔስም እታ ኸተማ ድማ ብስም ወዱ ሄኖክ ኣውጽኣላ

18. ንሄኖክ ከኣ ኢራድ ተወልደሉኢራድ ድማ ንሜሁያኤል ወለደሜሁያኤል ከኣ ንሜቱሳኤል ወለደሜቱሳኤል ድማ ንላሜክ ወለደ

19. ላሜክ ክልተ ኣንስቲ ኣእተወስም እታ ሓንቲ ዓዳስም እታ ኻልኣይቲ ድማ ጺላ ነበረ።

20. ዓዳ ንያባል ወለደት። ንሱ ኣቦ እቶም ኣብ ድንኳውንቲ ዚነብሩን ማሎም ዚጓስዩን ኰነ።

21. ስም ሓዉ ኸኣ ዮባል እዩ። ንሱ ኸኣ ኣቦ ዅሎም እቶም ወቓዕቲ መሰንቆን በገናን ኰነ።

22. ጺላ ድማ ንቱባል-ቃይን ወለደት። ንሱ ኸኣ ካብ ኣስራዝን ሓጺንን ኵሉ ዓይነት መቕረጺ ይሰርሕ ነበረ። ሓውቲ ቱባል-ቃይን ድማ ናዕማ እያ።

23. ላሜክ ድማ ነንስቱ በለንዓዳን ጺላንቃለይ ስምዓኣትን ኣንስቲ ላሜክ፡ ናብ ዘረባይ ጽን በላ፡ ስለ ቝስለይ ሰብኣይስለ ስምብራተይ ድማ ጐበዝ ቀተልኩ

24. ንቃየል ሾብዓተ ኻዕበት ሕነ እንተ ዝፈድዮስንላሜክ ከኣ ሰብዓን ሾብዓተን ካዕበት

25. ኣዳም መሊሱ ንሰበይቱ ፈለጣ። ንሳ ኸኣ ወዲ ወለደትኣምላኽ ኣብ ክንዲ እቲ ቃየል ዝቐተሎ ኣቤል ካልእ ፍረ ኸርሲ ተኪኡኒ እዩ፡ ኢላ ስሙ ሴት ኣውጽኣትሉ

26. ንሴት ድማ ወዲ ተወልደሉስሙ ኸኣ ሄኖስ ኣውጽኣሉ። ሽዑ ሰብ ብስም እግዚኣብሄር ኪምህለሉ ጀመሩ።