1. ኣምላኽ ድማ ንያእቆብተንስእ እሞ ናብ ቤት-ኤል ደይብ፡ ኣብኣውን ተቐመጥ። ኣብኣ ድማ ነቲ ኻብ ቅድሚ ሓውካ ኤሳው ክትሀድም ከሎኻ እተገልጸልካ ኣምላኽ መሰውኢ ግበር በሎ

2. ሽዑ ያእቆብ ንስድራኡን ምስኡ ንዝነበሩ ዅሎምን፡ ኣብ ማእከልኩም ዘለዉ ጓኖት ኣማልኽቲ ኣርሕቑ፡ ጽረዩክዳውንትኹምውን ለውጡ

3. ንተንስእናብ ቤት-ኤል ድማ ንደይብ፡ ኣብኣ ኸኣ ነቲ ብመዓልቲ ጸበባይ ዝሰምዓንን፡ ኣብ ዝኸድክዎ መገዲ ምሳይ ዝነበረን ኣምላኽ መሰውኢ ኽገብር እየ፡ በሎም።

4. ኣብ ኢዶም ዝነበሩ ዅሎም ጓኖት ኣማልኽትን ኣብ ኣእዛኖም ዝነበረ ቐላብትን ንያእቆብ ሀብዎ። ያእቆብ ድማ ኣብ ትሕቲ እቲ ኣብ ጥቓ ሴኬም ዘሎ ድዋ ሐብኦ

5. ተጓዕዙ ኸኣ። ኣብተን ኣብ ዙርያኦም ዝነበራ ኸተማታት ድማ ዓብዪ ፍርሃት ኣምላኽ ኰነ እሞ፡ ንደቂ ያእቆብ ኣይሰጐጕዎምን።

6. ያእቆብን እቲ ምስኡ ዝነበረ ዅሉ ህዝብን ናብታ ኣብ ምድሪ ኸነኣን ዘላ ሉዝ መጹ፡ ንሳ ኸኣ ቤት-ኤል እያ፡

7. ኣብኣ ድማ መሰውኢ ነደቐ። እቲ ኻብ ቅድሚ ሓዉ ኺሀድም ከሎ፡ ኣምላኽ ኣብኣ ስለ እተገልጸሉ፡ ነታ ቦታ ኤል-ቤት-ኤል ኣውጽኣላ

8. ዲቦራ መጕዚት ርብቃ ሞተት፡ ኣብ ትሕቲ ቤት-ኤል፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ድዋ ድማ ተቐብረትስሙ ኸኣ ድዋ ብኽያት ተባህለ

9. ያእቆብ ካብ ጵዳን-ኣራም ምስ መጸ ድማ፡ ኣምላኽ ከም ብሓድሽ ተራእዮባረኾ ኸኣ።

10. ኣምላኽ ድማ፡ ስምካ ያእቆብ እዩ፡ ድሕሪ ደጊምሲ ስምካ ያእቆብ ኣይብሀልንስምካ እስራኤል ደኣ ኪኸውን እዩ፡ በሎስሙ ኸኣ እስራኤል ኣውጽኣሉ

11. ኣምላኽ ድማ፡ ኣነ እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ እየ። ፍረን ብዛሕንህዝብን ብዝሒ ህዝብታትን ካባኻ ኺወጹ እዩም፡ ነገስታት ከኣ ካብ ሕቜኻ ኪወጹ እዮም።

12. እዛ ንኣብርሃምን ንይስሃቅን ዝሀብክዎም ምድሪ ንኣኻ ኽህበካ እየ። ብድሕሬኻ ድማ እታ ምድሪ ንዘርእኻ ኽህቦ እየ፡ በሎ።

13. ኣምላኽ ድማ ካብታ ምስኡ እተዛረበላ ቦታ ኻብኣ ደየበ

14. ያእቆብ ከኣ ኣብታ ምስኡ እተዛረበላ ቦታ ሓወልቲ፡ ሓወልቲ እምኒተኸለ። ኣብኣ ድማ መስዋእቲ መስተ ኸዐወ፡ ኣብ ልዕሊኡውን ዘይቲ ኸዐወ።

15. ያእቆብ ከኣ ነታ ኣምላኽ ኣብኣ ምስኡ እተዛረበላ ቦታ ስማ ቤት-ኤል ኣውጽኣላ

16. ካብ ቤት-ኤል ድማ ተላዕሉንኤፍራታ ኺበጽሑ ገናገለ መገዲ ተሪፍዎም ከሎ፡ ራሄል ወለደት። ክትወልድ ከላ ድማ፡ ጻዕሪ በርትዓ

17. ኰነ ኸኣ፡ ብሕርሳ ኽትጽዐር ከላ፡ እታ መሕረሲት፡ ሕጂ ድማ ወዲ ረኺብኪ ኢኺ እሞ፡ ኣይትፍርሂበለታ

18. ኰነ ኸኣ፡ ክትመውት፡ ነፍሳ ኽትወጽእ ከላ ድማ፡ ስሙ ቤን-ኦኒ ኣውጽኣትሉኣቦኡ ግና ብንያም ኣውጽኣሉ

19. ራሄል ከኣ ሞተትኣብ መገዲ ኤፍራታ ድማ ተቐብረት፡ ንሳ ቤት-ልሄም እያ።

20. ያእቆብ ድማ ኣብ መቓብራ ሓወልቲ ተኸለ፡ ንሱ እቲ ኽሳዕ ሎሚ ዘሎ ሓወልቲ መቓብር ራሄል እዩ።

21. እስራኤል ከኣ ካብኡ ተላዒሉ ድንኳኑ ኣብ ክንየው ግምቢ ኤደር ተኸለ

22. ኰነ ድማእስራኤል ኣብኡ ኣብታ ምድሪ እቲኣ ተቐሚጡ ኸሎ፡ ሮቤል ከይዱ ምስ ቢልሃሰበይቲ ወሰን ኣቦኡ ደቀሰ። እስራኤል ድማ ሰምዔ። ኣወዳት ያእቆብ ከኣ ዓሰርተው ክልተ ነበሩ።

23. ደቂ ልያሮቤል በዅሪ ያእቆብን ስምኦንን ሌውን ይሁዳን ይሳኮርን ዛብሎንን

24. ደቂ ራሄልዮሴፍን ብንያምን

25. ደቂ ቢልሃ ግዝእቲ ራሄል ድማ፡ ዳንን ንፍታሌምን

26. ደቂ ዚልጳ ግዝእቲ ልያ ኸኣ፡ ጋድን ኣሴርን፡ እዚኣቶም ኣብ ጳዳን-ኣራም እተወልዱሉ ደቂ ያእቆብ እዮም።

27. ያእቆብ ድማ ናብ ኣቦኡ ይስሃቅ ናብ መምሬ ኣብ ቅርያት-ኣርባዕ መጸ። ንሳ እታ ኣብርሃምን ይስሃቅን ተሰዲዶምዋ ዝነበሩ ኬብሮን እያ።

28. ዕድመ ይስሃቅ ከኣ ሚእትን ስማንያን ዓመት ኰነ።

29. ይስሃቅ ድማ ትንፋሱ ወጸት እሞ ሞተኣሪጉ ዕድመ ጸጊቡ ናብ ህዝቡ ተአከበደቁ ኤሳውን ያእቆብን ከኣ ቀበርዎ