1. ያእቆብ ድማ መገዱ ኸደመላእኽቲ እግዚኣብሄር ከኣ ተጓነፍዎ

2. ያእቆብ ምስ ረአዮም ድማ፡ እዚ ጭፍራ ኣምላኽ እዩ፡ በለነታ ቦታ እቲኣ ኸኣ መሃናይም ኣውጽኣላ

3. ያእቆብ ድማ ናብ ኤሳው ሓዉ፡ ናብ ሃገር ስዒር ኣብ ምድሪ ኤዶም ቀቅድሚኡ ልኡኻት ሰደደ

4. ከምዚ ኢሉ ድማ ኣዘዞምንጐይታይ ኤሳውግልያኻ ያእቆብ ከምዚ ይብል አሎ፡ በልዎ፡ ምስ ላባን ተቐሚጠ ነበርኩ፡ ክሳዕ ሕጂውን ደንጔኹ

5. ኣብዑርን ኣእዱግን ጤለበጊዕን ገላዉን ኣግራድን አለዉኒ። ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ ምእንቲ ኽረክብ ድማ፡ እዚ ንጐይታይ ኪነግር ለአኽኩ

6. እቶም ልኡኻት ከኣ ናብ ያእቆብ ተመሊሶምናብ ሓውካ ኤሳው በጻሕና፡ ንሱን ምስኡ ድማ ኣርባዕተ ሚእቲ ሰብኣይ ኪቃባበለካ ይመጽእ አሎ፡ በልዎ

7. ሽዑ ያእቆብ ኣዝዩ ፈርሄ ተጨነቐውን። ምስኡ ንዝነበሩ ሰብን ጤለበጊዕን ኣሓን ኣግማልን ድማ ኣብ ክልተ ጋንታ መቐለ

8. ኤሳው ናብዚ ሓደ ጋንታ መጺኡ እንተወቕዖእቲ ዝተረፈ ጋንታ ይድሕንበለ

9. ያእቆብ ድማ በለ፡ ዎ ኣምላኽ ኣቦይ ኣብርሃምን ኣምላኽ ኣቦይ ይስሃቅን፡ ዎ እግዚኣብሄርናብ ሃገርካን ናብ ዓሌትካን ተመለስ እሞ፡ ጽቡቕ ክገብረልካ እየ፡ ዝበልካኒ

10. እዚ ንባርያኻ ጌርካዮ ዘሎኻ ዅሉ ለውሃትን ኵሉ እምነትን ዘይግብኣኒ እዩእዛ ዮርዳኖስ እዚኣ ብበትረይ እየ እተሳገርክዋሕጂ ግና ክልተ ጋንታ ዀይነ አሎኹ።

11. መጺኡነደ ምስ ደቂ ኸይወቕዓኒእፈርሆ አሎኹ እሞ፡ በጃኻ ኻብ ኢድ ሓወይካብ ኢድ ኤሳው ኣድሕነኒ

12. ንስኻ ድማ፡ ብዙሕ ጽቡቕ ክገብረልካ እየ፡ ንዘርእኻውን ካብ ብዝሑ እተላዕለ ኪቝጸር ዘይከአል፡ ከም ሑጻ ባሕሪ ኽገብሮ እየ፡ ኢልካ አሎኻ።

13. በታ ለይቲ እቲኣ ኣብኡ ሐደረኣብ ኢዱ ኻብ ዘሎ ዅሉ ድማ ንኤሳው ሓዉ ገጽ በረኸት ወሰደ

14. ክልተ ሚእቲ ጤልን ዕስራ ድቤላንክልተ ሚእቲ በጊዕን ዕስራ ድዑልን

15. ሰላሳ እተጥቡ ገመል መምስ ውላደንኣርብዓ ላምን ዓሰርተ ኣርሓንዕስራ ኣድግን ዓስርተ ዒሉን

16. እዚኣተን በብመጋርያኤን ከፋፊሉ ኣብ ኢድ ግዙኣቱ ሀቦምንግዙኣቱ ኸኣ፡ መጋርያ ንመጋርያ ኣረሓሒቕኩም ቀቅድመይ ሕለፉ፡ በሎም።

17. ነቲ ቐዳማይሓወይ ኤሳው ምስ ተጓነፈካ እሞ፡ ናይ መን ኢኻ ናበይከ ትኸይድ አሎኻ፧ እዘን ቀቅድሜኻ ዘለዋኸ ናይ መን እየን፧ ኢሉ እንተ ሐተተካ

18. ናይ ግልያኻ ያእቆብ ንጐይታይ ኤሳው ገጽ በረኸት ዝሰደደን እየን፡ ንሱ ድማ እንሆ፡ ብድሕሬና አሎ በሉ፡ ኢሉ ኣዘዞ።

19. ከምኡ ኸኣ ነቲ ኻልኣይን ነቲ ሳልሳይን፡ ነቶም መጓሴታት ዚኽብክቡ ዅሎምን ከምዚ ኢሉ ኣዘዞምንኤሳው ምስ ረኸብኩምዎከምዚ ዘረባዚ ተዛርብዎ

20. ግልያኻ ያእቆብ ድማ፡ በዚ ቐቅድመይ ዚኸይድ ዘሎ ገጽ በረኸት ከዝሕሎ እየድሕሪኡ ኸኣ ገጹ እርኢምናልባሽ ብጽቡቕ እንተ ተቐበለኒ ኢሉእንሆ ደድሕሬና አሎ፡ በሉ

21. በዚ ኸምዚ እቲ ገጽ በረኸት ቀቅድሚኡ ሐለፈ። ንሱ ኸኣ በታ ለይቲ እቲኣ ኣብቲ ሰፈር ሐደረ

22. በታ ለይቲ እቲኣ ኸኣ ተንሲኡ ኽልቲኤን ኣንስቱን ክልቲኤን ግዙኣቱን ዓሰርተው ሓደ ደቁን ወሲዱ መሳገሪ ያቦቅ ተሳገረ

23. ወሲዱ ርባ ኣሳገረን፡ ዘለዎ ዘበለ ኸኣ ኣሳገረ

24. ያእቆብ ግና በይኑ ተረፈ። ሓደ ሰብኣይ ድማ ምድሪ ኽሳዕ ዚወግሕ ተቓለሶ

25. ንሱ ኸኣ ከም ዘይከአሎ ምስ ረአየምሕኩልቱ ተንከዮኪቃለሶ ኸሎ፡ ምሕኩልቲ ያእቆብ ተቘጸ

26. እቲ ሰብኣይ ድማ፡ ምድሪ ይወግሕ አሎ እሞ፡ ሕደገኒበለ። ንሱ ኸኣ፡ ከይባረኽካንስ ኣይሐድገካን እየ፡ በለ።

27. ሽዑ ንሱ፡ እንታይ እዩ ስምካ፧ በሎያእቆብበለ

28. ንሱ ኸኣ፡ ምስ ኣምላኽን ምስ ሰብን ተቓሊስካ ኣሕሚቕካ ኢኻ እሞ፡ ደጊም ስምካ እስራኤል ደኣ እምበር፡ ያእቆብ ኣይብሀልንበሎ

29. ያእቆብ ድማ፡ በጃኻ ስምካ ንገረኒ፡ ኢሉ ሐተቶ። ንሱ ኸኣ፡ ስለምንታይ ብዛዕባ ስመይ ትሐትት፧ በለ። ኣብኡ ድማ ባረኾ

30. ያእቆብ ከኣ፡ ንኣምላኽ ገጽ ንገጽ ርእየዮ እየ እሞ ነፍሰይውን ድሒና እያ፡ ኢሉ ስም እታ ቦታ እቲኣ ጰኒኤል ኣውጽኣላ

31. ንጰኒኤል ምስ ሐለፈጸሓይ በረቐቶ። ንሱ ግና ምሕኵልቱ ይሕንክስ ነበረ።

32. ንጅማት መፋላልዮ ምሕኵልቲ ያእቆብ ስለ ዝተንከዮ፡ ምእንቲዚ ደቂ እስራኤል ክሳዕ ሎሚ ጅማት መፈላልዮ ምሕኵልቲ ኣይበልዑን እዮም።