1. ደቂ ላባን ድማ፡ እቲ ናይ ኣቦና ዝነበረ ዅሉ ያእቆብ ወሰዶኵሉ እዚ ኽብረት እዚ ኸኣ ካብቲ ናይ ኣቦና ዝነበረ ንሱ ዝረኸቦ እዩ፡ ኢሎም ኪዛረቡ ሰምዔ

2. ያእቆብ ድማ ገጽ ላባን ጠመተ፡ እንሆ፡ ከም ቀደሙ ምስኡ ኣይነበረን።

3. እግዚኣብሄር ከኣ ንያእቆብ ናብ ምድሪ ኣቦታትካን ናብ ዓሌትካን ተመለስ እሞ ምሳኻ ክኸውን እየ፡ በሎ

4. ያእቆብ ድማ ልኢኹ ንራሄልን ንልያን ናብተን መጓሴኡ ናብ መሮር ጸውዔን

5. በለን ከኣ፡ ገጽ ኣቦኽን ከም ቀደሙ ምሳይ ከም ዘይኰነኣነ እርኢ አሎኹ፡ ኣምላኽ ኣቦይ ግና ምሳይ ነበረ

6. ነቦኽን ብምሉእ ሓይለይ ከም ዘገልገልክዎ ኸኣ፡ ባዕልኻትክን ትፈልጣ ኢኽን።

7. ኣቦኽን ደኣ ዓስበይ ዓሰርተ ሳዕ እናለዋወጠ ኣታለለኒእግዚኣብሄር ግና ክፉእ ኪገብረኒ ኣይፈቐደሉን

8. ንሱ፡ ዓምቦሬታት ዘበላ ዓስብኻ ይኹን፡ ምስ በለኒኵለን መጓሰ ዓምቦሬታት ወለዳ። ዓስብኻ ዑፌታት ይኹና፡ ምስ በለ ኸኣ፡ ኵለን መጓሰ ዑፌታት ወለዳ

9. ኣምላኽ ከምዚ ገይሩ ማል ኣቦኽን ኣግዲፉ ንኣይ ሀበኒ

10. ኰነ ኸኣ፡ በቲ እተን መጓሰ ዝትለዋሉ ጊዜ ዓይነይ ቋሕ እንተ ኣበልኩ ብሕልሚ ርኤኹእንሆ፡ ነተን ጤለበጊዕ ዚሰርወን ተባዕትዮ ዑፌታትን ጸነጺትን ጨቦሬታትን ነበሩ።

11. መልኣኽ ኣምላኽ ድማ ብሕልሚያእቆብበለኒ። ኣነ ኸኣ፡ እኔኹ፡ በልኩ

12. ንሱውን፡ ዓይንኻ ቛሕ ኣብል እሞ እዞም ነዘን ጤለበጊዕ ዚሰርወን ዘለዉ ዅሎም ተባዕትዮ ዑፌታትን ጸነጺትን ጨቦሬታትን ርኤ። እቲ ላባን ዝገበረካ ዅሉ ርእየዮ አሎኹ።

13. እቲ ኣብቲ ሓወልቲ ዝቐባእካሉን፡ ኣብኡ ድማ መብጽዓ እተማባጻዕካለይን ኣምላኽ ቤት-ኤል፡ ኣነ እየ። ሕጂ ተንስእ እሞ ካብዛ ምድሪ እዚኣ ወጺእካ ናብታ ተወለድካላ ሃገር ተመለስ፡ በለኒ።

14. ራሄልን ልያን ከኣ፡ ደጊምዶ ኣብ ቤት ኣቦና ግደ ወይ ርስቲ ኣልዩና፧

15. ሸይጡና እዩ እሞ፡ ከም ጓኖትዶ ቘጺሩና ኣይኰነን፧ ነቲ ገንዘብና ድማ በልዖ

16. እቲ ኣምላኽ ካብ ኣቦና ዝወሰዶ ዅሉ ሃብቲ፡ ንሱ ናትናን ናይ ደቅናን እዩ እሞ፡ ሕጂ ኸኣ ኣምላኽ ዝበለካ ዅሉ ግበር፡ ኢለን መለሳሉ።

17. ሽዑ ያእቆብ ተንሲኡ ደቁን ኣንስቱን ኣብ ኣግማል ኣወጥሔ

18. ናብ ኣቦኡ ይስሃቅ ናብ ምድሪ ኸነኣን ኪኽይድኵለን ማሉን ኵሉ ዘጥረዮ ገንዘቡን፡ እተን ኣብ ጳዳን-ኣራም ዘጥረየን ማሉ ወሰደ

19. ላባን ከኣ ኣባጊዑ ኪቘርጽ ከይዱ ነበረ፡ ራሄል ድማ ጣኦታት ኣቦኣ ሰረቐት

20. ያእቆብ ድማ ከም ዚሀድም ንላባንእቲ ሶርያዊከይነገረ መሊቑ ኸደ።

21. ዘለዎ ዅሉ ሒዙ ኸኣ ሀደመ፡ ተንሲኡ ድማ ርባ ተሳገረገጹ ኸኣ ናብ ከረን ጊልዓድ ኣቢሉ ኣቕንዔ

22. ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኸኣ ያእቆብ ከም ዝሀደመ ንላባን ነገርዎ

23. ሽዑ ኣሕዋቱ ምስኡ ወሰደደድሕሪኡ ድማ መገዲ ሾብዓተ መዓልቲ ሰዐቦኣብ ከረን ጊልዓድ ከኣ ኣርከቦ

24. ኣምላኽ ግና ብሕልሚ ለይቲ ናብ ላባን፡ እቲ ሶርያዊመጺኡንያእቆብ ጽቡቕ ኰነ ኽፉእ ከይትዛረቦ ተንጠንቀቕበሎ

25. ላባን ከኣ ንያእቆብ ኣርከቦያእቆብ ከኣ ድንኳኑ ኣብ ከረን ተኺሉ ነበረ፡ ላባን ምስ ኣሕዋቱ ድማ ድንኳኑ ኣብ ከረን ጊልዓድ ተኸለ።

26. ላባን ከኣ ንያእቆብ በሎእንታይ እዩ ዝገበርካዮ፧ ልበይ ጠቢርካዶ ነዋልደይ ብሴፍ ከም እተማረኻ ከብከብካየን፧

27. ስለምንታይ ካባይ ተሰሪቕካከይነገርካኒ ድማ ተሓቢእካ ዝሀደምካብሓጎስን ብመዝሙርን ብዀበሮን ብመሰንቆን መፋኖኹኻ ነይረ።

28. ነወዳተይን ነዋልደይን ክስዕሞም እኳ ኣይሐደግካንን። ሕጂ እዚ ብዕሽነት ኢኻ ዝገበርካዮ

29. ክፉእ ክገብረኩም ኣብ ኢደይ ስልጣን አሎኒኣምላኽ ኣቦኹም ግና ትማሊ ለይቲንያእቆብ ጽቡቕ ኰነ ኽፉእ ከይትዛረቦ ተጠንቀቕኢሉ ተዛረበኒ

30. ሕጂ ኸኣ ቤት ኣቦኻ ኣዚኻ ኻብ ናፈቕካ፡ ምኻድሲ ኸድካ፡ ስለምንታይ ደኣ ኣማልኽተይ ሰረቕካ

31. ያእቆብ ድማ ንላባንኣዋልድካ ብሓይሊ ኸይተግድፈኒ ኢለ ፈራህኩ

32. እቲ ኣማልኽትኻ እተረኽቦ ግና ንሱ ይሙት። ምሳይ ዘሎ ናትካ ዘበለ፡ ኣብ ቅድሚ ኣሕዋትና ጐርጕርካ፡ ንኣኻ ውሰዶ፡ ኢሉ መለሰሉ። ያእቆብራሄል ከም ዝሰረቐቶም ኣይፈለጠን ነበረ።

33. ላባን ድማ ናብ ድንኳን ያእቆብን ናብ ድንኳን ልያን ናብ ድንኳን ክልቲኤን ግዙኣትን ኣተወ፡ ግናኸ ኣይረኸቦምን። ካብ ድንኳን ልያ ወጺኡ ናብ ድንኳን ራሄል ኣተወ

34. ራሄል ድማ ነቶም ጣኦታት ወሲዳ ኣብ ኰረሻ ገመል ኣንቢራ ኣብ ልዕሊኦም ኮፍ በለት። ላባን ንብድንኳኑ ጐርጐሮኣይረኸቦምን ከኣ።

35. ንሳ ኸኣ ነቦኣጐይታይ፡ እቲ ናብ ኣንስቲ ዚኸውን መጺኡኒ እዩ እሞ፡ ኣብ ቅድሜኻ ሓፍ ክብል ኣይክእልን እየ፡ ኣይትዀርየለይ በለቶ። ንሱ ኸኣ ደለየ፡ ነቶም ጣኦታት ግና ኣይረኸቦምን

36. ሽዑ ያእቆብ ተናዲዱ ንላባን ተበአሶ፡ ያእቆብ ንላባን መሊሱ በሎ፡ እቲ ነዲርካ ደድሕረይ ዝገስገስካስ፡ እንታይ እዩ በደለይእንታይከ እዩ ሓጢኣተይ

37. ሕጂ ንዅሉ ኣቕሖይ ጐርጐርካ፡ ካብ ኵሉ ኣቓሑ ቤትካ እንታይ ረኸብካ፧ ኣብ መንጎ ኽልቴና ኺፈርዱስኣብዚ ኣብ ቅድሚ ኣሕዋተይን ኣሕዋትካን ኣምጽኣዮ

38. እዘን ዕስራ ዓመት ምሳኻ ነይረ፡ ጤለበጊዕካ ኣየቘልዓን ድዓውል መጓሴኻ ድማ ኣይበላዕኩን

39. ኣራዊት ዝሓዛ ኸኣ ኣብ ክንድኣ ባዕለይ ተካእኩልካ እምበር፡ ኣየምጻእኩልካን። መዓልቲ እተሰርቀትንን ለይቲ እተሰርቀትንን ድማ ካብ ኢደይ ትደልያ ነበርካ፡

40. ከምዚ እየ ዝነበርኩ፡ ብመዓልቲ ሃሩር ብለይቲውን ኣስሓይታ በልዓኒድቃስ ከኣ ካብ ዓይነይ በረረ

41. እዘን ዕስራ ዓመት ኣብ ቤትካ ነበርኩ። ዓሰርተው ኣርባዕተ ዓመት ምእንቲ ኽልቲኤን ኣዋልድካሹድሽተ ዓመት ድማ ምእንቲ ኣባጊዕካ ተገዛእኩኻዓስበይ ከኣ ዓኣሰርተ ሳዕ ለዋወጥካ

42. ኣምላኽ ኣቦይ፡ እቲ ይስሃቅ ዚፈርሆ ኣምላኽ ኣብርሃም፡ ምሳይ እንተ ዘይህሉስ፡ ብርግጽ ሕጂ ጥራይ ኢደይ ምሰደድካኒ ኔርካ። እግዚኣብሄር ግና እቲ መከራይን ድኻም ኢደይን ርእዩትማሊ ለይቲ ገንሓካ

43. ላባን ድማ መሊሱ ንያእቆብ በሎእዘን ኣዋልድ ኣዋልደይ እየን፡ ቈልዑውን ቈለውዔይ እዮም፡ እዘን መጓሴታት ከኣ መጓሴታተይ እየን፡ እዚ እትርእዮ ዘሎኻ ዅሉ ድማ ናተይ እዩ። ሎሚ ኸኣ ነዘን ኣዋልደይ ወይ ነዞም ዝወለዳኦም ደቀን እንታይ እሞ ኽገብር

44. ሕጂ ድማ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ምስክር ኪኸውንሲ፡ ንዓ ኣነን ንስኻን ኪዳን ንተኣታቶ

45. ያእቆብ ከኣ እምኒ ወሲዱ ሓወልቲ ኪኸውን ተኸሎ

46. ያእቆብ ድማ ነሕዋቱኣእማን ኣክቡበሎም። ንሳቶምውን ኣእማን ኣኪቦም ጨርሒ ጨርሑ፡ ኣብኡ ከኣ ኣብቲ ጨርሒ በልዑ

47. ላባን ድማ ይጋር-ሰሃዱታ ኣውጽኣሉያእቆብ ከኣ ጋልዔድ ኣውጽኣሉ።

48. ላባን ድማ፡ ሎሚ እዚ ጨርሒ እዚ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ምስክር ይኹን፡ በለስለዚ ስሙ ጋልዔድ ተባህለ

49. ንሓድሕድና ኻብ ዘይንርእኤ፡ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ይፋቒኢሉ ነበረ እሞ፡ ሚጽጳ ድማ ተባህለ።

50. ነዘን ኣዋልደይ እንተ ገፋዕካየን ወይ ኣብ ልዕሊ ኣዋልደይ ካልኦት ኣንስቲ እንተ ኣእቶኻ፡ ምሳና ሰብ የልቦን፡ ርኤ፡ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ምስክር እዩ።

51. ላባን ድማ መሊሱ ንያእቆብ በሎእንሆ እዚ ጨርሒ፡ እንሆ እቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ዝተኸልክዎ ሓወልቲ ድማ፡

52. ኣነ ነዚ ጨርሒ እዚ ኸይሐልፈካ፡ ንስኻውን ነዚ ጨርሒ እዝን ነዚ ሓወልቲ እዝን ንኽፍኣት ከይትሐልፈኒ፡ ነዚ ጨርሒ እዚ ምስክር ይኹንእዚ ሓወልቲ እዚውን ምስክር ይኹን።

53. ኣምላኽ ኣብርሃምን ኣምላኽ ናሆርን፡ ኣምላኽ ኣቦኦም፡ ኣብ መንጎና ይፍረድ። ያእቆብ ድማ በቲ ፍርሃት ኣቦኡ ይስሃቅ መሐለ

54. ያእቆብ ኣብቲ ኸረን መስዋእቲ ሕሩድ ሰውኤነሕዋቱ ኸኣ እንጌራ ኺበልዑ ጸውዖም። እንጌራ በሊዖም ድማ ኣብቲ ኸረን ሐደሩ

55. ላባን ከኣ ንጽብሒቱ ኣንጊሁ ተንስኤነወዳቱን ነዋልዱን ድማ ስዒሙ መረቖም። ላባን ከኣ ከይዱ ናብ ቦታኡ ተመልሰ