1. እግዚኣብሄር ኣምላኽ ካብ ዝፈጠሮ ዅሉ ኣራዊት መሮር ተመን ይጐርሕ ነበረ። ነታ ሰበይቲ ኸኣኣምላኽሲ፥ ካብ ኵሉ ኦም ገነት ኣይትብልዑኢሉዶ ኣዚዙ እዩ፧ በላ

2. እታ ሰበይቲ ነቲ ተመን በለቶ፥ ኣብ ገነት ካብ ዘሎ ፍረ ኦም ንበልዕ ኢና።

3. ብዛዕባ ፍረ እታ ኣብ ማእከል ገነት ዘላ ኦም ግና ኣምላኽከይትሞቱስ፡ ካብኣ ኣይትብልዑ ኣይትተንክይዋውንበለ

4-5. እቲ ተመን ድማ ነታ ሰበይቲ፡ ኣይፋልኩም፡ ኣምላኽ ደኣ ካብኣ ምስ እትበልዑ መዓልቲ ኣዒንትኹም ከም ዚኽፈታ፡ ከም ኣምላኽውን ከም እትዀኑ፡ ጽቡቕን ክፉእን ከኣ ከም እትፈልጡ፡ ስለ ዝፈለጠ እዩ እምበር፡ ከቶ ኣይትሞቱን ኢኹም፡ በላ

6. እታ ሰበይቲ ድማ፡ እታ ኦም ምብላዓ ጥዕምቲነዒንቲ ኸኣ ጽብቕቲጥበብ ብምሃባውን እተብህግ ኦም ምዃና ርእያ፡ ካብ ፍሪኣ ወሲዳ በልዔት፡ ምስኣ ኸኣ ንሰብኣያ ሀበቶ፡ ንሱውን በልዔ

7. ሽዑ ኣዒንቲ ኽልቲኦም ተኸፍታጥራዮም ምዃኖም ድማ ፈለጡቈጽሊ በለስ ኣላጋጊቦም ከኣ ተዐጥቁ

8. ምድሪ ምስ ወልወለ ድማ፡ ድምጺ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብ ገነት ኪመላለስ ሰምዑኣዳምን ሰበይቱን ከኣ ካብ ገጽ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብ ማእከል ኣእዋም ገነት ተሐብኡ

9. እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ንኣዳም ጸዊዑ፥ ኣበይ አሎኻ፧ በሎ

10. ንሱ ኸኣ፥ ድምጽኻ ኣብ ገነት ሰሚዔ ፈራህኩጥራየይ ከኣ እየ እሞ፡ ተሓባእኩበለ

11. ንሱ ድማ፥ ጥራይካ ምዃንካ ደኣ መን ነገረካ፧ ካብታ፡ ካብኣ ኣይትብላዕ፡ ኢለ ዝኣዘዝኩኻ ኦምዶ በሊዕካ ኢኻ፧ በሎ

12. ኣዳም ከኣ፥ እዛ ምሳይ ክትከውን ዝሀብካኒ ሰበይቲ ኻብታ ኦም ሀበትኒ እሞ በላዕኩበለ

13. እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ነታ ሰበይቲስለምንታይ እዚ ገበርኪበላ። እታ ሰበይቲ ኸኣ፡ ተመን ኣስሒቱኒ በላዕኩበለቶ

14. ሽዑ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ነቲ ተመን፡ እዚ ስለ ዝገበርካ፡ ካብ ኵሉ እንስሳን ኣራዊት መሮርን ርጉም ኩን፡ ብኸብድኻ ክትከይድኵሉ ዘበን ህይወትካ ድማ መሬት ክትበልዕ ኢኻ።

15. ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እዛ ሰበይትን፡ ኣብ መንጎ ዘርእኻን ኣብ መንጎ ዘርኣን ከኣ ጽልኢ እተክል አሎኹ። ንሱ ርእስኻ ኪጭፍልቕ እዩ፡ ንስኻ ድማ ሸዀናኡ ኽትነክስ ኢኻ፡ በሎ።

16. ነታ ሰበይቲ ኸኣ፡ መከራኽን ጻዕሪ ጥንስኽን ኣዝየ ኸብዝሖ እየ፡ ደቂ ብጻዕሪ ኽትወልዲ ኢኺ፡ ድሌትኪ ድማ ናብ ሰብኣይኪ ኪኸውን እዩ፡ ንሱውን ኪመልከኪ እዩ፡ በላ

17. ንኣዳም ከኣ፡ ቃል ሰበይትኻ ስለ ዝሰማዕካ እሞ ካብታ፡ ካብኣ ኣይትብላዕኢለ ዝኣዘዝኩኻ ኦም ስለ ዝበላዕካምድሪ ብዛዕባኻ ርግምቲ ትኹን። ኵሉ ዘበን ህይወትካ እንጌራኻ ኻብኣ ብጻዕሪ ኽትበልዕ ኢኻ።

18. እሾዅን ተዀርባን ተብቁለልካብቝሊ መሮር ድማ ኽትበልዕ ኢኻ።

19. ናብታ እተፈጠርካላ ምድሪ ኽሳዕ እትምለስእንጌራ ብረሃጽ ገጽካ ኽትበልዕ ኢኻ። መሬት ኢኻ እሞ፡ ናብ መሬት ድማ ትምለስ፡ በሎ።

20. እቲ ሰብኣይ ድማ ንሰበይቱ፡ ኣደ ዅሉ ህያው ኰይና እያ እሞ፡ ሄዋን ኢሉ ሰመያ

21. እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ንኣዳምን ንሰበይቱን ደበሎ ገይሩ ኸደኖም

22. እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ፥ እንሆኣዳም ከም ሓደ ኻባና፡ ጽቡቕን ክፉእን ዚፈልጥ ኰይኑ አሎ። ሕጂ ኸኣ ኢዱ ኸይዝርግሕ፡ ካብ ኦም ህይወት ወሲዱ ድማ ኸይበልዕንዘለኣለም ከኣ ህያው ኰይኑ ኸይነብርኢሉ

23. ስለዚ ነታ እተፈጥረላ ምድሪ ምእንቲ ኺዐይያ ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ካብ ገነት ኤደን ኣውጽኦ

24. ከምኡ ንኣዳም ኣውጽኦንምሕላው መገዲ ኦም ህይወት ከኣ ብሸነኽ ምብራቕ ገነት ኤድን ምስናይ እተምበልብል ሃልሃልታ ሴፍኪሩቤል ኣቐመጠ