1. ኣብርሃም ከኣ ነዊሕ ዕድመ ዝገበረ ኣረጊት ነበረ። እግዚኣብሄር ድማ ንኣብርሃም ብዅሉ ባሪኽዎ ነበረ።

2. ኣብርሃም ከኣ ነቲ ኣረጊት ግዙእ ቤቱኣዛዝ ኵሉ ገንዘቡ፡ በጃኻ ኢድካ ኣብ ትሕቲ ሰለፈይ ኣንብር።

3. ካብ ኣዋልድ እዞም ኣነ ኣብ ማእከሎም ዝነብር ዘሎኹ ከነኣናውያንንወደይ ሰበይቲ ኸይተተኣታትዎ ብእግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰማይን ኣምላኽ ምድርን ኤምሕለካ አሎኹ።

4. ናብ ሃገረይን ናብ ዓሌተይን ኬድካ ደኣ ንወደይ ይስሃቅ ሰበይቲ ኣምጽኣሉ፡ በሎ።

5. እቲ ግዙእ ከኣ፡ ምናልባሽ እታ ሰበይቲ ናብዛ ሃገር ደድሕረይ ክትስዕብ እንተ ዘይፈተወትከንወድኻ ናብታ ንስኻ ዝወጻእካላ ሃገርዶ ብግዲ ኽመልሶ እየ፧ በሎ

6. ኣብርሃም ድማ፡ ንወደይ ናብኣ ኸይትመልሶ ተጠንቀቕ

7. እቲ ኻብ ቤት ኣቦይን ካብታ እተወለድኩላ ሃገርን ዘውጽኣኒ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰማይ፡ ንሱ ኸኣ፡ እዛ ምድሪ እዚኣ ንዘርእኻ ክህባ እየ፡ ኢሉ እተዛረበንንዝመሐለለይን፡ ንሱ መልኣኹ ቀቅድሜኻ ኺልእኽ እዩ እሞ ካብኡ ንወደይ ሰበይቲ ኸተምጽኣሉ ኢኻ።

8. እታ ሰበይቲ ደድሕሬኻ ኽትስዕብ እንተ ዘይፈተወት ግና፡ ንስኻ ኻብዛ ማሕላይ ንጹህ ኢኻ። ሓንትስ ንወደይ ደኣ ናብኡ ኣይትምለሶ፡ በሎ።

9. እቲ ግዙእ ኢዱ ኣብ ትሕቲ ሰለፍ ጐይታኡ ኣብርሃም ኣንበረከምዚ ነገርዚ ገይሩ ኸኣ መሓለሉ

10. እቲ ግዙእ ድማ ካብ ኣግማል ጐይታኡ ዓሰርተ ገመል ወሲዱ፡ ካብ ኵሉ ዘዝጸበቐ ዘበለ ናይ ጐይታኡ ሒዙ ተበገሰተንሲኡ ድማ ናብ መሶጶታምያ ናብ ከተማ ናሆር ከደ

11. ኣጋ ምሸት፡ በታ ማይ ኪቐድሓላ ዚወጻላ ጊዜ ኸኣ ኣብ ወጻኢ ኸተማ ኣብ ጥቓ ዔላ ማይ ነተን ኣግማል ኣብረኸን

12. በለ ድማ፡ ኣታ እግዚኣብሄርኣምላኽ ጐይታይ ኣብርሃምሎሚ ዀታ ኣገባግበለይንጐይታይ ኣብርሃም ከኣ ምሕረት ግበር

13. እንሆ፡ ኣነ ኣብ ጥቓ እዚ ዓይኒ ማይ ደው ኢለ አሎኹ፡ ኣዋልድ ደቂ እዛ ኸተማ ኸኣ ማይ ኪቐድሓ ይወጻ ኣለዋ።

14. ይኹን ከኣ፡ ማይ ክሰቲ፡ በጃኺ ዕትሮኺ ትሕት ኣብልዮ ዝብላ ጓል፡ ንሳ ኸኣ፡ ስተነግማልካውን ከስትየን እየ እትብለኒ፡ ንሳ ንይስሃቅ ባርያኻ ዝመደብካያ ትኹን። ንጐይታይ ምሕረት ከም ዝገበርካሉ ኸኣ በዚ እፈልጥ

15. ኰነ ኸኣ፡ ገና ዘረባኡ ኸይወድኤ፡ እንሃ፡ ርብቃጓል ቤቱኤል ወዲ ሚልካሰበይቲ ንሆር ሓዉ ኣብርሃምዕትሮኣ ኣብ መንኩባ ጾይራ ወጸት

16. እታ ጓል ድማ ትርኢታ ኣዝያ ውቅብቲሰብኣይ ዘይፈለጣ ድንግል ነበረት። ናብቲ ዓይኒ ማይ ወሪዳ ኸኣ ዕትሮኣ መሊኣ ደየበት

17. እቲ ግዙእ ድማ ጐይዩ ተቓባቢሉ፡ ካብ ዕትሮኺ ኰታ ሒደት ማይ ኣስትይኒበለ

18. ንሳ ኸኣ፡ ጐይታይስተኢላ ቐልጢፋ ዕትሮኣ ናብ ኢዳ ኣውሪዳ ኣስተየቶ

19. ምስ ኣስተየቶ ድማ፡ ነግማልካውን ክሳዕ ዚኣኽለን ኪሰትያ ክቐድሓለን እየ፡ በለት

20. ቀልጢፋ ኸኣ ዕትሮኣ ናብ ጋብላ ኣዕሪቓ ማይ ክትቀድሕ መሊሳ ናብ ዔላ ጐየየት፡ ንዅለን ኣግማሉ ኸኣ ቀድሓትለን

21. እቲ ሰብኣይ ድማ እግዚኣብሄር መገዱ ኣቕኒዑሉ እንተ ዀነ ወይስ እንተዘይኰነ ኺፈልጥስቕ ኢሉ ተኵሩ ይጥምታ ነበረ።

22. ኰነ ኸኣ፡ እተን ኣግማል ሰትየን ምስ ኣእከላእቲ ሰብኣይ ፈረቓ ሲቃል ዝሚዛኑ ቐለቤት ወርቅን ዓሰርተ ሲቃል ዝሚዛኑ ኽልተ ኣምባር ወርቂውን ነእዳዋ ኣውጽኤ

23. ጓል መን ኢኺበጃኺ ንገርኒ፡ ኣብ ቤት ኣቦኺኸ እንሓድረሉ ስፍራዶ ይርከብ፧ ድማ በለ

24. ንሳ ኸኣ፡ ኣነ ጓል ቤቱኤልወዲ ሚልካ ንናሆር ዝወለደትሉ፡ እየ፡ በለቶ

25. መሊሳ ኸኣ፡ ብዙሕ ሓሰርን ድርቋንንመሕደሪ ኸኣ ስፍራ አሎና፡ በለቶ

26. እቲ ሰብኣይ ድማ ፍግም ኢሉ ንእግዚኣብሄር ሰገደ

27. በለ ኸኣ፡ እቲ፡ ምሕረቱን እምነቱን ካብ ጐይታይ ዘየቋረጸ እግዚኣብሄርኣምላኽ ጐይታይ ኣብርሃምይባረኽ። እግዚኣብሄር ንኣይ ከኣ ብመገዲ ቤት ኣሕዋት ጐይታይ መርሓኒ

28. እታ ጓል ከኣ ጐይያ እዚ ነገርዚ ኣብ ቤት ኣዲኣ ነገረት

29. ርብቃ ድማ ላባን ዝስሙ ሓው ነበራ። ላባን ከኣ ናብቲ ሰብኣይ ኣብ ግዳም ናብቲ ዓይኒ ማይ ጐየየ

30. ኰነ ኸኣ፡ ነቲ ቀለቤትን ኣምባርን ኣብ ኢድ ሓብቱ ምስ ረአየዘረባ ርብቃ ሓብቱ ድማ፡ እቲ ሰብኣይ ከምዚ ኢሉ ተዛረበኒ፡ ክትብል ምስ ሰምዔ፡ ናብቲ ሰብኣይ መጸ፡ እንሆ ኸኣ፡ ምስተን ኣግማል ኣብ ጥቓ ዔላ ደው ኢሉ ነበረ።

31. ኣታ ናይ እግዚኣብሄር ብሩኽ፡ ንምንታይ ኣብ ግዳም ደው ትብል፧ ቤት ኣዳልየልካ አሎኹ፡ ነግማልካ ኸኣ ሰፈርእቶበሎ

32. ሽዑ እቲ ሰብኣይ ናብ ቤት ኣተወ። ንሱ ድማ ነተን ኣግማል ኣራገፈንሓሰርን ድርቋን ከኣ ሀበንንምሕጻብ ኣእጋሩን ኣእጋር እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰባትን ማይ ሀቦም።

33. መብልዕ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ተቐረበ፡ ንሱ ግና፡ ጕዳየይ ከይነገርኩስ ኣይበልዕንበለ። ንሱ ኸኣ፡ ተዛረብበለ

34. ንሱ ድማ በለ፡ ኣነ ግዙእ ኣብርሃም እየ።

35. እግዚኣብሄር ንጐይታይ ኣብዚሑ ባረኾን ኣዕበዮንኣባጊዕን ኣሓን ብሩርን ወርቅንገላዉን ኣግራድን ኣግማልን ኣእዱግን ከኣ ሂብዎ አሎ።

36. ሳራሰበይቲ ጐይታይ ድማ ምስ ኣረገትንጐይታይ ወዲ ወለደትሉ፡ ንእኡ ኸኣ ዘለዎ ዅሉ ሂብዎ አሎ።

37. ጐይታይ ድማ ኸምዚ ኢሉ ኣምሓለኒ፡ ካብ ኣዋልድ እዞም ኣነ ኣብ ምድሮም ዝነብር ዘሎኹ ከነኣናውያንንወደይ ሰበይቲ ኣይተምጽኣሉ

38. ናብ ቤት ኣቦይን ናብ ዓሌተይን ኬድካ ደኣ፡ ንወደይ ሰበይቲ ኣምጽኣሉ

39. ሽዑ ኸኣ እነ ንጐይታይምናልባሽ እታ ሰበይቲ እንተ ዘይሰዓበትኒኸበልክዎ

40. ንሱ ድማ በለኒ፡ እቲ ኣነ ኣብ ቅድሚኡ ዝማላለስ እግዚኣብሄር መልኣኹ ምሳኻ ሰዲዱ መገድኻ ኬቕንዓልካ እዩ እሞ ንወደይ ካብ ዓሌተይን ካብ ቤት ኣቦይን ሰበይቲ ኸተምጽኣሉ ኢኻ።

41. ናብ ዓሌተይ ምስ መጻእካ ድማ፡ ካብቲ ማሕላይ ክትነጽህ ኢኻ፡ እንተ ዘይሀቡኻ፡ ሽዑ ኻብቲ ማሕላይ ንጹህ ትኸውን ኢኻ።

42. ሎሚ ኸኣ ናብዛ ዓይኒ ማይ መጺኤ በልኩ፡ ኣታ እግዚኣብሄርኣምላኽ ጐይታይ ኣብርሃም፡ እዛ ኣነ ዝኸዳ ዘሎኹ መገዲ ተቕንዓለይ እንተ ዄንካስ፡

43. እንሆ፡ ኣነ ኣብ ጥቓ እዛ ዓይኒ ማይ ደው ኢለ አሎኹ፡ ማይ ክትቀድሕ እትወጽእ ጓል፡ ኣነ ኸኣ፡ ካብ ዕትሮኺ ዀታ ሒደት ማይ ኣስትይኒ ዝብላ፡

44. ንሳ ድማ፡ ስተነግማልካውን ክቐድሓለን እየ እትብለኒ፡ ንሳ እታ እግዚኣብሄር ንወዲ ጐይታይ ዝመደባ ሰበይቲ ትኹን።

45. ኣነ ብልበይ ምዝራብ ከይወዳእኩእንሆ ርብቃዕትሮኣ ኣብ መንኩባ ጾይራ፡ ወጸት፡ ናብ ዓይኒ ማይ ወሪዳ ድማ ቀድሔት። ኣነ ኸኣ፡ ኣስትይኒ ዀታ፡ በልክዋ።

46. ቀልጢፋ ድማ ዕትሮኣ ኻብ መንኩባ ኣውሪዳስተነግማልካውን ከስትየን እየ፡ በለት። ኣነ ሰቴኹነተን ኣግማል ድማ ኣስተየተን

47. ኣነ ኸኣ፡ ኣቲ፡ ጓል መን ኢኺ፧ ኢለ ሐተትክዋ። ንሳ ኸኣ፡ ጓል ቤቱኤል ወዲ ናሆርሚልካ ዝወለደትሉ እየ፡ በለት። ሽዑ ኣነ ቐለቤት ኣብ ኣፍንጫኣኣምባር ደኣ ኣብ ኣእዳዋ ገበርኩላ።

48. ፍግም ኢለ ድማ ንእግዚኣብሄር ሰገድኩሉጓል ሓው ጐይታይ ንወዱ ኽወስድ ቅንዕቲ መገዲ ዝመርሓኒ ኣምላኽ ጐይታይ ኣብርሃም ኣመስገንኩ

49. ሕጂ ኸኣ ንጐይታይ ሞገስን እምነትን ትገብሩሉ እንተ ዄንኩም፡ ንገሩኒ። እንተዘይኰነ ድማ፡ ንየማን ወይስ ንጸጋም ክምለስንገሩኒ

50. ሽዑ ላባንን ቤቱኤልንእዚ ነገር እዚ ኻብ እግዚኣብሄር ዝወጸ እዩ፡ ክፉእ ሓደው ጽቡቕ ክንዛረበካ ኣይንኽእልን

51. እንሃ፡ ርብቃ ኣብ ቅድሜኻ አላ፡ ውሰዳ እሞ ኺድ። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ድማ፡ ሰበይቲ ወዲ ጐይታኻ ትኹን፡ ኢሎም መለሱሉ

52. ኰነ ኸኣ፡ እቲ ግዙእ ኣብርሃም ዘረባኦም ምስ ሰምዔኣብ ምድሪ ተደፊኡ ሰገደ

53. ድሕርዚ እቲ ግዙእ ኣቓሑ ብሩርን ኣቓሑ ወርቅን ክዳውንትን ኣውጺኡ ንርብቃ ሀባንሓዋን ነዲኣን ድማ ክቡር ነገር ሀቦም

54. ንሱን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰባትን ከኣ በሊዖም ሰትዮም ኣብኡ ሓደሩ። ንጽብሒቱ ምስ ተንስኡ ኸኣ፡ ናብ ጐይታይ ክምለስ ኣፋንዉኒበለ

55. ሓዋን ኣዲኣን ድማ፡ እዛ ጓል ገለ ዓሰርተ መዓልቲ ምሳና ትቐኒድሕሪኡ ትኺድበልዎ

56. ንሱ ኸኣ፡ ኣይተደናጕዩኒእግዚኣብሄር መገደይ ኣቕኒዑለይ እዩ፡ ናብ ጐይታይ ክኸይድ ስደዱኒበሎም

57. ነታ ጓል ጸዊዕና ኻብ ኣፋ ኽንሐትት፡ ከኣ በሉ

58. ንርብቃ ጸዊዕም ድማ፡ ምስ እዚ ሰብኣይዚዶ ትኸዲ፧ በልዋ። ንሳ ድማ፡ እኸይድበለት

59. ሽዑ ንርብቃ ሓብቶምንንመጕዚታን ነቲ ግዙእ ኣብርሃምን ንሰቡን ይኺዱ ሓደግዎም።

60. ንሳቶም ንርብቃ፡ ኣቲ ሓብትናኣሻሕ ኣእላፋት ኩኒዘርእኺ ድማ ደገ ጸላእቱ ይውረስኢሎም መረቕዋ

61. ርብቃ ኸኣ ምስ ኣግራዳ ኣብ ኣግማል ተወጢሔን ነቲ ሰብኣይ ሰዓባኦ። እቲ ግዙእ ድማ ንርብቃ ወሰዳ እሞ ኸደ

62. ይስሃቅ ከኣ ኣብ ምድሪ ደቡብ ተቐሚጡ ነበረ እሞ፡ ካብታ መገዲ ብኤር-ሓላይ-ሮይ ይመጽእ ነበረ።

63. ይስሃቅ ድማ ኣጋ ምሸት ኣብ መሮር ኰይኑ ብሓሳቡ ኼስተንትን ወጺኡ ነበረ። ኣዒንቱ ኸኣ ቋሕ ኣበለ፡ እንሆ፡ ኣግማል ኪመጻ ረአየ

64. ርብቃ ድማ ኣዒንታ ቛሕ ኣቢላንይስሃቅ ምስ ረአየቶቀልጢፋ ኻብ ገመል ወረደት

65. ነቲ ግዙእ ድማ፡ እቲ ኣብ መሮር ኪቕበለና ዚመጽእ ዘሎ እንታዋይ ሰብኣይ እዩበለቶ። እቲ ግዙእ ከኣ፡ ንሱ ጐይታይ እዩ፡ በለ። ሽዑ መጐልበቢኣ ወሲዳ ተጐልበበት

66. እቲ ግዙእ ድማ ዝገበሮ ዅሉ ነገር ንይስሃቅ ኣዘንተወሉ

67. ይስሃቅ ከኣ ናብ ድንኳን ኣዲኡ ሳራ ኣእተዋንርብቃ ድማ ወሰዳ እሞ ሰበይቱ ዀነትፈተዋውን። ይስሃቅ ከኣ ድሕሪ ሞት ኣዲኡ ተደበሰ