1. ድሕርዚ ነገርዚ ኸኣ ዀነኣምላኽ ንኣብርሃም መከሮ በሎውንኣብርሃም። ንሱ ኸኣ፥ እኔኹ፡ በለ

2. እምበኣር ነቲ እትፈትዎ ሓደ ወድኻ ይስሃቅ ውሰድ እሞ፡ ናብ ምድሪ ሞርያ ኺድ፡ ኣብኣ ድማ ኣብ ሓደ ኻብቲ ኣነ ዝነግረካ ኣኽራን ንዚሓርር መስዋእቲ ሰውኣዮበለ

3. ንጽብሒቱ ድማ ኣብርሃም ኣንጊሁ ተንስኤኣድጉ ጽዒኑክልተ ግዙኣቱን ወዱ ይስሃቅን ምስኡ ወሰደንዝሐርር መስዋእቲ ዚኸውን ዕጨይቲውን ፈለጸተንሲኡ ድማ ናብታ ኣምላኽ ዝነገሮ ቦታ ኸደ

4. ኣብርሃም ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኣዒንቱ ኣንቃዕሪሩ ነታ ቦታ ብርሑቕ ረአያ

5. ኣብርሃም ድማ ንግዙኣቱ፡ ምስ እዛ ኣድጊ ኣብዚ ጽንሑኣነን እዚ ወድን ከኣ ናብቲ ኼድና ኽንሰግድ ኢና፡ ናባኻትኩም ድማ ንምለስበሎም

6. ኣብርሃም ድማ እቲ ንዚሐርር መስዋእቲ ዚኸውን ዕጨይቲ ወሲዱንወዱ ይስሃቅ ኣሰከሞሓውን ካራን ከኣ ብኢዱ ወሰደክልትኦም ድማ ብሓደ ኸዱ

7. ይስሃቅ ነቦኡ ኣብርሃምኣቦየ፡ ኢሉ ተዛረቦ። ንሱ ኸኣ፡ እነኹ ወደይበሎ። ንሱ ድማ፥ ሓውን ዕጨይትንሲ እንሆ፡ እቲ ንዝሓርር መስዋእቲ ዝኸውን በጊዕ ደኣ ኣበይ አሎ፧ በለ

8. ኣብርሃም ከኣ፡ ወደየ፡ እቲ ንዚሐርር መስዋእቲ ዚኸውን በጊዕሲ ኣምላኽ ንርእሱ ይሓልዮ እዩ፡ በለክልቲኦም ድማ ብሓደ ኸዱ

9. ናብታ ኣምላኽ ዝነገሮ ቦታ መጹኣብርሃም ድማ ኣብኣ መሰውኢ ሰርሔዕጨይቲ ኸኣ ጸፍጸፈሉንወዱ ይስሃቅ ኣሲሩ ድማ ኣብቲ መሰውኢ ኣብ ልዕሊ እቲ ዕጨይቲ በጥ ኣበሎ።

10. ኣብርሃም ድማ ንወዱ ኺሓርድኢዱ ዘርጊሑካራ ወሰደ

11. መልኣኽ እግዚኣብሄር ከኣ ካብ ሰማይ ጸዊዑኣብርሃምኣብርሃም በሎ። ንሱውን፡ እኔኹ፡ በለ

12. ንሱ ድማ፡ ነዚ ሓደ ውሉድካ እኳ ካብ ዘይከላእካንስንእግዚኣብሄር ከም እትፈርህ ሕጂ ፈሊጠ አሎኹ እሞ፡ ኢድካ ኣብዚ ወዲ ኣይትዘርግሕገለን ኣይትግበሮበለ

13. ኣብርሃም ድማ ዓይኑ ቛሕ ኣበለ፡ እንሆ ኸኣ፡ ኣብ ድሕሪኡ ቐርኑ ብሓረግ እተታሕዘ ድዑል ረአየ። ኣብርሃም ድማ ከይዱ፡ ነቲ ድዑል ወሲዱ፡ ኣብ ክንዲ ወዱ ንዚሓርር መስዋእቲ ሰውኦ

14. ኣብርሃም ከኣ ስም እታ ቦታ እቲኣ፡ እግዚኣብሄር ይርኢ፡ ኢሉ ኣውጽኣላ። ንሱ እቲ ኽሳዕ ሎሚ ኣብ ከረን እግዚኣብሄር ይሕለ፡ ዚብሀል ዘሎ እዩ

15. መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ካልኣይ ሳዕ ካብ ሰማይ ንኣብርሃም ጸውዖ

16. ብርእሰይ መሐልኩይብል እግዚኣብሄርእዚ ነገርዚ ኻብ እትገብር፡ ነቲ ሓደ ውሉድካን ካብ ዘይትኸልእ

17. ስለዚ ኣዝየ ኽባርኸካ እየ፡ ንዘርእኻ ድማ ከም ከዋኽብቲ ሰማይን ከምቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሑጻን ኣዝየ ኸብዝሖ እየ። ዘርእኻ ድማ ደጌታት ጸላእቱ ኺወርስ እዩ።

18. ቃለይ ስለ ዝሰማዕካ ድማ ህዝብታት ኵላ ምድሪ ብዘርእኻ ኪባረኹ እዮም፡ በሎ።

19. ኣብርሃም ከኣ ናብ ግዙኣቱ ተመልሰተላዒሎም ከኣ ብሓንሳእ ናብ ብኤር-ሸባዕ ከዱ። ኣብርሃም ድማ ኣብ ብኤር-ሸባዕ ተቐመጠ

20. ኰነ ኸኣ፡ ድሕርዚ ነገርዚ ንኣብርሃምእንሆ፡ ሚልካ ድማ ንናሆር ሓውካ ደቂ ወሊዳትሉኢሎም ነገርዎ

21. ዑጽ እቲ በዅሩሓዉ ድማ ቡዝቄሙኤል ከኣ ኣቦ ኣራም

22. ኬሴድን ሓዞን ጲልደሽን ይድላፍን ቤቱኤልን

23. ቤቱኤል ድማ ንርብቃ ወለደ። እዚኣቶም ሾሞንቲኦም ሚልካ ንናሆርሓዉ ኣብርሃምወለደትሉ

24. ሬኡማ ዝስማ ሰበይቲ ወሰኑ፡ ንሳ ድማ ጤባሕን ጋሓሞን ታሓሽን መዓካን ወለደት