1. እግዚኣብሄር ድማ፡ ከምቲ ዝበሎ ንሳራ በጽሓ። እግዚኣብሄር ከኣ ንሳራ ኸምቲ እተዛረቦ ገበረላ

2. ሳራ ድማ ጠነሰትበቲ ኣምላኽ እተዛረቦ ምዱብ ወርሓት ከኣ ንኣብርሃም ኣብ እርግናኡ ወዲ ወለደትሉ

3. ኣብርሃም ድማ ነቲ እተወልደሉ ወዱሳራ ዝወለደትሉስሙ ይስሃቅ ኣውጽኣሉ

4. ኣብርሃም ከኣ ንይስሃቅ ወዱ፡ ከምቲ ኣምላኽ ዝኣዘዞ፡ ወዲ ሾሞንተ መዓልቲ ምስ ኰነ፡ ገዘሮ

5. ኣብርሃም ድማ ወዱ ይስሃቅ ኪውለደሉ ኸሎ፡ ወዲ ሚእቲ ዓመት ኰይኑ ነበረ።

6. ሳራ ኸኣ፡ ኣምላኽ ሰሓቕ ገበረለይ፡ እዚ ዝሰምዔ ዘበለ ዅሉ ኸኣ ምሳይ ይስሕቕበለት

7. ኣብ እርግናኡ ወዲ ወሊደሉ እየ እሞ፡ ሳራ ቘልዓ ተጥቡ ኸም ዘላስ፡ ንኣብርሃም መን ምነገሮ፡ ድማ በለት

8. እቲ ቘልዓ ኸኣ ዐበየጡብውን ሓደገ። በታ ይስሃቅ ጡብ ዝሓደገላ መዓልቲ ድማ ኣብርሃም ዓብዪ ምሳሕ ገበረ

9. ሳራ ድማ እቲ ኣጋርግብጻዊትንኣብርሃም ዝወለደትሉ ወዲ ኼላግጽ ረአየት

10. ንኣብርሃም ድማ፡ ወዲ እዛ ባርያ እዚኣ ምስ ወደይምስ ይስሃቅኣይወርስን እዩ እሞ፡ ነዛ ባርያ እዚኣን ንወዳን ኣውጽኣዮምበለቶ

11. እዚ ነገርዚ ኸኣ ንኣብርሃም ብምኽንያት ወዱ ኣዝዩ ኽፉእ ኰይኑ ተራእዩ

12. ኣምላኽ ድማ ንኣብርሃም፡ ብናይ እዚ ወድን ብናይ እዛ ባርያኻን ክፉእ ኰይኑ ኣይርኤኻብይስሃቅ እዩ ዘርኢ ዚጽውዓልካ እሞ፡ ብዅሉ ሳራ እትብለካ ዘላ ቓላ ስማዕ

13. ንወዲ እዛ ባርያ ድማ፡ ዘርእኻ ስለ ዝዀነህዝቢ ኽገብሮ እየ፡ በሎ።

14. ንጽብሒቱ ኸኣ ኣብርሃም ኣንጊሁ ተንሲኡ እንጌራን ሓርቢ ማይን ወሲዱንኣጋር ሀባኣብ መንኩባ ድማ ኣሰከማ፡ እቲ ቘልዓውን ሂቡ ሰደዳንሳ ኸኣ ኸይዳኣብ በረኻ ብኤር-ሸባዕ ኰብለል ትብል ነበረት።

15. እቲ ማይ ካብ ሓርቢ ተወድኤ ኸኣ፡ እቲ ቘልዓ ኣብ ትሕቲ ሓንቲ ኦም ይውደቕ ሐደገቶ።

16. ሞት እዚ ቘልዓ ኸይርኢኢላ ድማ ኸደት እሞ ምውርዋር ቀስቲ ዚአክል ርሒቓ ኣብ መንጽሩ ተቐመጠት። ኣብ መንጽሩ ተቐሚጣ ድማ ዓው ኢላ በኸየት

17. ኣምላኽ ከኣ ድምጺ እቲ ቘልዓ ሰምዔመልኣኽ ኣምላኽ ድማ ንኣጋር ካብ ሰማይ ጸዊዑ፡ ኣጋር፡ እንታይ ኴንኪ ኢኺ፧ ኣምላኽ ድምጺ እቲ ቘልዓ ኣብታ ዘለዋ ኸሎ ሰሚዕዎ እዩ እሞ፡ ኣይትፍርሂ

18. ነቲ ቘልዓ ዓብዪ ህዝቢ ኽገብሮ እየ እሞ፡ ተንስኢኣልዒልኪ ብኢድኪ ደግፍዮ፡ በላ።

19. ኣምላኽ ድማ ዓይና ኸፈተላዔላ ማይ ከኣ ረአየትከይዳ ኸኣ ሓርባ ማይ መሊኣ ነቲ ቘልዓ ኣስተየቶ

20. ኣምላኽ ድማ ምስቲ ቘልዓ ነበረንሱ ኸኣ ዓበየኣብ በረኻውን ተቐመጠቀስተኛ ኸኣ ዀነ

21. ንሱ ኣብ በረኻ ጳራን ይቕመጥ ነበረ። ኣዲኡ ድማ ካብ ሃገር ግብጺ ሰበይቲ ኣምጽኣትሉ

22. ኰነ ኸኣ፡ በቲ ዘበን እቲ ኣቢሜለክ ምስ ፊኮል ሓለቓ ሰራዊቱ መጺኡ ንኣብርሃም ከምዚ ኢሉ ተዛረቦኣምላኽ ብትገብሮ ዘበለ ኵሉ ምሳኻ እዩ።

23. ሕጂ ኸኣ ከምቲ ኣነ ለውሃት ዝገበርኩልካ፡ ንኣይን ነዛ ስደተኛ ዄንካ እትነብራ ዘሎኻ ምድርን፡ ከምኡ ኽትገብር እምበር፡ ንኣይን ንደቀይን ንደቂ ደቀይን ከይትጠልም ብኣምላኽ መሓለለይ

24. ኣብርሃም ከኣ፡ ኣነ እምሕል በለ

25. ኣብርሃም ድማ ብዛዕባ ባሮት ኣቢሜለክ ብሓይሊ ዝሓዝዋ ዔላ ማይ ንኣቢሜለክ ወቐሶ

26. ኣቢሜለክ ከኣ፥ ነዚ ነገር እዝስ መን ከም ዝገበሮ ኣይፈለጥኩን፡ ንስኻ ድማ ኣይነገርካንን፡ ኣነውን ብዘይሎሚ ኣይሰማዕኩንበለ

27. ኣብርሃም ድማ ኣባጊዕን ኣብዑርን ወሲዱ ንኣቢሜለክ ሀቦክልቲኦም ከኣ ኪዳን ተኣታተዉ

28. ኣብርሃም ድማ ካብ መጋርያኡ ሾብዓተ ሽበን ንበይነን ፈለየ

29. ኣቢሜለክ ከኣ ንኣብርሃም፡ እዘን ንበይነን ዝፈሌኻየን ሾብዓተ ሽበን እንታይ እየን፧ በሎ

30. ንሱ ድማ፡ ነዛ ዔላ እዚኣ ኣነ ኸም ዝዀዓትክዋ፡ ምእንቲ ንኣይ ምስክር ኪዀናኒ፡ እዘን ሾብዓተ ሽበን እዚኤን ካብ ኢደይ ክትወስድበለ

31. ስለዚ ኽልቲኦም ኣብኣ ስለ እተማሓሐሉ፡ ነታ ቦታ እቲኣ ብኤር-ሸባዕ ኢሉ ኣውጽኣላ

32. ኣብ ብኤር-ሸባዕ ከኣ ኪዳን ተኣታተዉኣቢሜለክ ድማ ተንሲኡ ምስ ፊኮልሓለቓ ሰራዊቱናብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ተመልሱ

33. ኣብርሃም ከኣ ኣብ ብኤር-ሸባዕ ተምሪ ተኸለኣብኣውን ብስም እግዚኣብሄርዘለኣለማዊ ኣምላኽተማህለለ

34. ኣብርሃም ድማ ኣብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ስደተኛ ዀይኑ ነዊሕ ዘበን ተቐመጠ።