1. ኣብራም ወዲ ተስዓን ትሽዓተን ዓመት ምስ ኰነ፡ እግዚኣብሄር ተራእዮኣነ እቲ ዂሉ ዚኽእል ኣምላኽ እየ፡ ኣብ ቅድመይ ተማላለስፍጹም ከኣ ኹን።

2. ኪዳነይ ኣብ መንጎይን መንጎኻን ከቕውም እየ፡ ኣዝየውን ከብዝሓካ እየ፡ ድማ በሎ።

3. ኣብራም ከኣ ብገጹ ተደፍኤኣምላኽ ድማ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ

4. እንሆ፡ ኣነስ ኪዳነይ ምሳኻ እዩ፡ ንስኻ ኣቦ ብዙሓት ህዝብታት ክትከውን ኢኻ።

5. ኣቦ ብዙሓት ህዝብታት ገይረካ እየ እሞ፡ ኣብርሃም ደኣ እምበር፡ ደጊም ስምካ ኣብራም ኣይጸዋዕ

6. ኣዝየ ኸፍርየካ እየ፡ ህዝብታት ከም እትኸውን ድማ ክገብረካ እየ፡ ነገስታትውን ካባኻ ኪወጹ እዮም።

7. ኣነ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ ዘርእኻንብድሕሬኻ ድማ ኣብ ወለዶኦም ኪዳነይ ከቕውም እየ። ኣነ ንኣኻን ብድሕሬኻ ድማ ንዘርእኻን ኣምላኽ ከም ዝዀንኩ፡ እዚ ናይ ዘለኣለም ኪዳን እዩ።

8. እዛ ምድሪ ስደትካ፡ ኲላ ምድሪ ኸነኣን፡ ንኣኻን ብድሕሬኻ ድማ ንዘርእኻን ንርስቲ ዘለኣለም ክህብ እየ፡ ኣምላኾም ከኣ ክኸውን እየ።

9. ኣምላኽ ድማ ንኣብርሃም በሎ፡ ንስኻ ኸኣ ኪዳነይ ክትሕሉ ኢኻ፡ ንስኻን ብድሕሬኻውን ዘርእኻ ኣብ ወለዶኦም ትሕልዉ።

10. እቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን፡ ብድሕሬኻ ድማ ኣብ ዘርእኻ ዘሎ እሞ ንስኻትኩም እትሕልዉዎ ኺዳን እዚ እዩ፡ ኣባኻትኩም ተባዕታይ ዘበለ ዂሉ ይገዘር

11. ስጋ ዕልቦኹም ግዘሩ፡ እዚ ድማ ነቲ ኣብ መንጎይን መንጎኹምን ዘሎ ኺዳን ምልክት ኪኸውን እዩ።

12. ኣባኻትኩም ወዲ ሾሞንተ መዓልቲ ተባዕታይ ዘበለ ዂሉ፡ ኣብ ወለዶኹምኣብ ቤት እተወልደን ካብ ማንም፡ ካብ ዘርእኻ ዘይኰነ ወዲ ጓና ብገንዘብ እተዓደገን ይገዘር

13. ኣብ ቤትካ እተወልደን ብገንዘብካ እተዓደገን ብግዲ ይገዘርኪዳነይ ኣብ ስጋኹም ኪዳን ዘለኣለም ኪኸውን እዩ።

14. ዘይተገዝረ ተባዕታይስጋ ዕልቦኡ ዘይተገዝረ፡ እታ ነፍሲ እቲኣ ኺዳነይ ኣፍሪሳ እያ እሞ፡ ካብ ህዝባ ኽትምንቈስ እያ።

15. ኣምላኽ ድማ ንኣብርሃምንሰበይትኻ ሳራይ ስማ ሳራ ደኣ እዩ እምበር፡ ስማ ሳራይ ኢልካ ኣይትጸውዓያ

16. ክባርኻ እየ፡ ካብኣ ድማ ወዲ ኽህበካ እየ፡ ክባርኻ እየ። ህዝብታት ከኣ ክትከውን እያ፡ ነገስታት ህዝብታት እኳ ደኣ ኻብኣ ኪዀኑ እዮም፡ በሎ።

17. ሽዑ ኣብርሃም ብገጹ ተደፍኤስሒቑ ድማ ብልቡ፡ ንወዲ ሚእቲ ዓመትዶ ወዲ ይውለደሉሳራ፡ ጓል ተስዓ ዓመትከ ትወልድዶበለ

18. ኣብርሃም ድማ ንኣምላኽእስማኤል ግዳ ኣብ ቅድሜኻ እንተ ዚነብርበሎ

19. ኣምላኽ ከኣ በለ፥ ኣይፋልን፡ ሰበይትኻ ሳራ ደኣ ወዲ ኽትወልደልካ እያ፡ ስሙ ድማ ይስሃቅ ከተውጽኣሉ ኢኻ። ኪዳነይ ክኣ ምስኡን ብድሕሪኡውን ምስ ዘርኡን ኪዳን ዘለኣለም ከቕውም እየ።

20. ብዛዕባ እስማኤል ድማ ጸሎትካ ሰሚዔ አሎኹእንሆ፡ ባሪኸዮ አሎኹከፍርዮን ኣዝየ ኸኣ ከብዝሖን እየ። ዓሰርተው ክልተ ሹም ኪወልድ እዩ፡ ዓብዪ ህዝቢ ድማ ኽገብሮ እየ።

21. ግናኸ ምስቲ፡ ሳራ ንዓመታ ኸምዛ ጊዜ እዚኣ እትወልደልካ ይስሃቅ ኪዳነይ ከቕውም እየ።

22. ምስኡ ምዝራብ ምስ ወድኤ ኸኣ፡ ኣምላኽ ካብ ኣብርሃም ናብ ላዕሊ ደየበ

23. ኣብርሃም ድማ ንወዱ እስማኤልን ነቶም ኣብ ቤቱ እተወልዱ ዂሎምን ብገንዘቡ እተዓደጉ ዂሎምን፡ ካብ ቤተሰብ ኣብርሃም ተባዕታይ ዘበለ ዂሉ ወሲዱ፡ ከምቲ ኣምላኽ ዝበሎ በታ መዓልቲ እቲኣ ዕልቦ ስጋኦም ገዘረ

24. ኣብርሃም ስጋ ዕልቦኡ ኺግዘር ከሎ፡ ወዲ ተስዓን ትሽዓተን ዓመት ኰይኑ ነበረ።

25. ወዱ እስማኤል ድማ ስጋ ዕልቦኡ ኺግዘር ከሎ፡ ወዲ ዓሰርተው ሰለስተ ዓመት ኰይኑ ነበረ።

26. በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብርሃምን እስማኤል ወዱን ተገዝሩ

27. ኣብ ቤቱ እተወልዱ ዂሎም ቤተሰቡን ካብ ደቂ ጓና ብገንዘብ እተዓደጉን ምስኡ ተገዝሩ