1. ኣምላኽ ብመጀመርታ ሰማይን ምድርን ፈጠረን

2. ምድሪ ድማ በረኻን ጥራያን ነበረትጸልማት ከኣ ኣብ ልዕሊ መዓሙቕ ነበረ። መንፈስ ኣምላኽ ድማ ኣብ ልዕሊ ማያት ይዝምቢ ነበረ።

3. ኣምላኽ ከኣ፥ ብርሃን ይኹንበለብርሃን ድማ ዀነ

4. ኣምላኽ ድማ እቲ ብርሃን ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረአየኣምላኽ ከኣ ነቲ ብርሃን ካብ ጸልማት ፈለዮ

5. ኣምላኽ ነቲ ብርሃን መዓልቲ ኣውጽኣሉ። ነቲ ጸልማት ከኣ ለይቲ ኣውጽኣሉምሸት ኰነ ብጊሓትውን ኰነሓንቲ መዓልቲ

6. ኣምላኽ ድማ፥ ንማያት ካብ ማያት ዚፈሊ ጠፈር ኣብ መንጎ ማያት ይኹንበለ

7. ኣምላኽ ነቲ ጠፈር ገበሮ። ነቲ ኣብ ትሕቲ ጠፈር ዘሎ ማያት ድማ ኻብቲ ኣብ ልዕሊ ጠፈር ዘሎ ማያት ፈለዮከምኡውን ኰነ

8. ኣምላኽ ከኣ ነቲ ጠፈር ሰማይ ኣውጽኣሉምሸት ኰነ ብጊሓትውን ኰነካልአይቲ መዓልቲ

9. ኣምላኽ ድማ፥ እቲ ንቑጽ ምእንቲ ኺርኤስ፡ እቲ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ዘሎ ማያት ናብ ሓንቲ ቦታ ይተኣከብበለከምኡ ድማ ዀነ

10. ኣምላኽ ከኣ ነቲ ንቑጽ ምድሪ ኣውጽኣሉ፡ ነቲ እኩብ ማያት ድማ ባሕሪ ኣውጽኣሉኣምላኽ ከኣ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረአየ

11. ኣምላኽ ድማ፥ እታ ምድሪ ሳዕርን ዘርኢ ዚህብ ብቑልን፡ ዘርኡ ኣብ ርእሱ ዘለዎ፡ ፍረ ከከም ዓይነቱ ኣብ ምድሪ ዚፈሪ ኦም ተውጽእበለ። ከምኡ ድማ ዀነ።

12. እታ ምድሪ ሳዕርን ከከም ዓይነቱ ዘርኢ ዚህብ ብቑልንዘርኡ ኣብ ርእሱ ዘለዎ ፍረ ዚፈሪ ኣእዋም ከኣ ኣውጽኤትኣምላኽ ድማ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረአየ

13. ምሸት ኰነ ብጊሓትውን ኰነሳልሰይቲ መዓልቲ

14. ኣምላኽ ድማ፥ ንመዓልቲ ኻብ ለይቲ ዚፈልዩ ብርሃናት ኣብ ጠፈር ሰማይ ይኹንንዘበናትን ንመዓልታትን ዓመታትን ከኣ ንመፈለጥታ ይኹን

15. ኣብ ምድሪ ንምብራህ ኣብ ጠፈር ሰማይ ብርሃናት ይኹን፡ በለ። ከምኡ ድማ ዀነ

16. ኣምላኽ ከኣ ኽልተ ዓበይቲ ብርሃናት ገበረ፥ እቲ ዓብዪ ብርሃን ብመዓልቲ ኺስልጥን፡ እቲ ንእሽቶ ብርሃን ድማ ብለይቲ ኺስልጥንከዋኽብቲውን ገበረ

17-18. ኣብ ልዕሊ ምድሪ ምእንቲ ኼብርሁ፡ ኣብ መዓልትን ኣብ ለይትን ድማ ኪስልጥኑንብርሃንውን ካብ ጸልማት ኪፈልዩኣምላኽ ኣብ ጠፈር ሰማይ ገበሮምኣምላኽ ድማ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረአየ

19. ምሸት ኰነ ብጊሓትውን ኰነራብዐይቲ መዓልቲ

20. ኣምላኽ ድማ፥ ማያት ህያው ነፍሲ ዘለዎ ውንጅርጅር ዚብል እንስሳ የውጽእ፡ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኣብ ትሕቲ ጠፈር ሰማይ ከኣ ኣዕዋፍ ይንፈራበለ

21. ኣምላኽ ድማ ነቶም ዓበይቲ እንስሳ ባሕርን ነቲ ማያት ዘውጽኦ በብዓይነቱ ህያው ነፍሲ ዘለዎ ውንጅርጅር ዚብል ኵሉን፡ ክንፊ ዘለወን በብዓይነተን ኵለን ኣዕዋፍን ፈጠረ። ኣምላኽ ከኣ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረአየ

22. ኣምላኽ ድማ፥ ፍረዩን ተባዝሑን ንማያት ባሕሪ ምልእዎኣዕዋፍ ከኣ ኣብ ምድሪ ይብዝሓኢሉ ባረኾም

23. ምሸት ኰነ ብጊሓትውን ኰነሓምሰይቲ መዓልቲ

24. ኣምላኽ ድማ፥ ምድሪ ህያው ነፍሲ ዘለዎ በብዓይነቱ እንስሳን ለመምታን ኣራዊት ምድርን በብዓይነቱ ተውጽእበለከምኡውን ኰነ

25. ኣምላኽ ከኣ ኣራዊት ምድሪ በብዓይነቱን እንስሳ በብዓይነቱን ኵሉ ለመምታ ምድሪ ኸኣ በብዓይነቱ ገበረኣምላኽ ድማ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረአየ

26. ኣምላኽ ከኣ፥ ብመልክዕና ኸም ምስልና ሰብ ንግበርንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ንእንስሳን ንብዘላ ምድርን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ ለመምታን ይግዝኡበለ

27. ኣምላኽ ድማ ብመልክዑ ሰብ ፈጠረብመልክዕ ኣምላኽ ፈጠሮተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ፈጠሮም

28. ኣምላኽ ከኣ ባረኾምኣምላኽ ድማ፤ ፍረዩን ተባዝሑን ንምድሪ ከኣ ምልእዋን ምለኽዋንንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ እንስሳን ከኣ ግዝኡበሎም

29. ኣምላኽ ድማ፥ እንሆኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ዘርኢ ዘለዎ ዅሉ ኣሕምልትን ዚዝራእ ዘርኢ ዘለዎ ፍረ ኦም ናይ ኵሉ ኣእዋምን ሂበኩም አሎኹ እሞ፡ ምግቢ ይኹንኩም

30. ንዅሉ ኣራዊት ምድርን ንኹለን ኣዕዋፍ ሰማይን ህያው ነፍሲ ንዘለዎ ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ ኸኣ ኵሉ ለምለም ሳዕሪ ንምግቦም ሂበዮም አሎኹ፡ በለ። ከምኡ ድማ ዀነ

31. ኣምላኽ ከኣ ዝገበሮ ዘበለ ዅሉ ረአየእንሆብዙሕ ጽቡቕ ኰነ። ምሸት ኰነ ብጊሓትውን ኰነሳድሰይቲ መዓልቲ