1. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎርኤ፡ ኣነ ንፈርኦን ኣምላኽ ገበርኩኻኣሮን ሓውካ ድማ ነብዪኻ ይኹን።

2. ንስኻ እቲ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ዅሉ ነገር፡ ኣሮን ሓውካ ኸኣ ንደቂ እስራኤል ካብ ምድሩ ይውጽኡ ኺሐድጎምንፈርኦን ይንገሮ

3. ኣነ ግና ንልቢ ፈርኦን ከጽንዖ እየ፡ ኣብ ምድሪ ግብጺ ድማ ትእምርትታተይን ተኣምራተይን ኸብዝሖ እየ።

4. ፈርኦን ከኣ ኣይኪሰምዓኩምን እዩ። ኣነ ኸኣ ኢደይ ኣብ ግብጺ ኸንብር እየ፡ ንሰራዊተይንህዝበይ ደቂ እስራኤል፡ ካብ ምድሪ ግብጺ ብዓበይቲ ፍርድታት ከውጽኦም እየ።

5. ግብጻውያን ድማ፡ ኢደይ ናብ ግብጺ ዘርጊሔ ንደቂ እስራኤል ካብ ማእከሎም ምስ ኣውጻእኩ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝዀንኩኪፈልጡ እዩም።

6. ሙሴን ኣሮንን ድማ ከምኡ ገበሩ። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞም ገበሩ

7. እቲ ምስ ፈርኦን ኪዛረቡ ኸለዉ ኸኣ፡ ሙሴ ወዲ ሰማንያ ዓመትኣሮን ድማ ወዲ ሰማንያን ሰለስተን ዓመት ኰይኖም ነበሩ።

8. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም

9. ፈርኦንተኣምራት ኣርእዩኒ፡ ኢሉ እንተ ተዛረበኩምንኣሮንበትርኻ ወሲድካ ናብ ቅድሚ ፈርኦን ደርብያ እሞ፡ ተመን ክትከውን እያ፡ በሎ

10. ሙሴን ኣሮንን ከኣ ናብ ፈርኦን ኣተዉ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞም ድማ ከምኡ ገበሩኣሮን ኣብ ቅድሚ ፈርኦንን ኣብ ቅድሚ ገላዉኡን በትሩ ደርበየተመን ከኣ ዀነት።

11. ፈርኦን ድማ ነቶም ጠቢባንን ሰረይትን ጸውዖምንሳቶም፡ እቶም ጠንቈልቲ ግብጺብስራዮም ከምኡ ገበሩ

12. ነፍሲ ወከፎም በበትሮም ደርበዩኣትማን ከኣ ዀና። በትሪ ኣሮን ግና ነተን ኣባትሮም ወሐጠተን

13. ልቢ ፈርኦን ድማ ተረረ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ኸኣ ንኣታቶም ኣይሰምዖምን

14. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎልቢ ፈርኦን ተረረ፡ ነቲ ህዝቢ ኸይሐድጎ ኣበየ

15. ጽባሕ ንግሆ ናብ ፈርኦን ኪድ። እንሆ፡ ናብ ማይ ኪወጽእ እዩ እሞ፡ እታ ንተመን እተለወጠት በትሪ ኣብ ኢድካ ወሲድካ፡ ኣብ ገምገም ርባ ደው ኢልካ ተራኸቦ

16. በሎ ኸኣእግዚኣብሄር ኣምላኽ እብራውያንንህዝበይ ኣብ በረኻ ኼገልግሉኒ ሕደጎም፡ እንሆ ድማ፡ ክሳዕ ሕጂ ኣይሰማዕካንኢሉ ናባኻ ለኣኸኒ

17. እግዚኣብሄር ከምዚ ይብልኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝዀንኩ በዚ ኽትፈልጥ ኢኻ፡ እንሆ፡ ኣነ በዛ ኣብ ኢደይ ዘላ በትሪ ነቲ ኣብ ርባ ዘሎ ማይ ክወቕዖ እየ። ንሱ ድማ ናብ ደም ኪልወጥ እዩ።

18. እቲ ኣብ ርባ ዘሎ ዓሳውን ይመውት። እቲ ርባ ድማ ይጽይእግብጻውያን ከኣ ካብቲ ርባ ማይ ምስታይ ይፍንፍኑ

19. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎንኣሮንበትርኻ ወሲድካ ናብ ልዕሊ ማያት ግብጺ፡ ናብ ልዕሊ ወሓዝቶምን ናብ ልዕሊ ርባታቶምን ናብ ልዕሊ ቐላያቶምን ናብ ልዕሊ ዅሉ መዕቈር ማዮምን ኢድካ ዘርግሕ እሞ፡ ደም ኪኸውን እዩ፡ ኣብ ኣቕሓ ዕጨይትን ኣብ ኣቕሓ እምንን ኣብ ኵሉ ምድሪ ግብጺ ደም ኪኸውን እዩ በሎ

20. ሙሴን ኣሮንን ድማ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞም ከምኡ ገበሩ። ንሱ ኸኣ በትሩ ኣልዒሉ ኣብ ቅድሚ ፈርኦንን ኣብ ቅድሚ ገላዉኡን ነቲ ኣብ ርባ ዘሎ ማይ ወቕዖ። እቲ ኣብ ርባ ዘሎ ዅሉ ማይ ከኣ ናብ ደም ተለወጠ

21. እቲ ኣብ ርባ ዝነበረ ዓሳ ድማ ሞተ። እቲ ርባውን ጸይኤግብጻውያን ከኣ ካብቲ ርባ ማይ ኪሰትዩ ኣይከኣሉን፡ ኣብ ኵላ ምድሪ ግብጺ ኸኣ ደም ኰነ።

22. እቶም ጠንቈልቲ ግብጺ ድማ ብስራዮም ከምኡ ገበሩልቢ ፈርኦን ከኣ ተረረ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ድማ ኣይሰምዖምን

23. ፈርኦን ነዚ እኳ ድማ ኣብ ልቡ ኣየእተዎን እሞ፡ ተመሊሱ ናብ ቤቱ ኣተወ

24. ነቲ ማይ ርባ ኺሰትይዎ ኣይከአሉን እሞ፡ ኵላቶም ግብጻውያን ዚስተ ማይ ደልዮም፡ ኣብ ዙርያ እቲ ርባ ዀዐቱ

25. እግዚኣብሄር ነቲ ርባ ኻብ ዚወቕዖ ሾብዓተ መዓልቲ ኣኸለ