1. ድሕርዚ ድማ ሙሴን ኣሮንን ናብ ፈርኦን ኣትዮም በልዎእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብልንህዝበይ ኣብ በረኻ በዓል ኪገብሩለይ፡ ሕደጎም

2. ፈርኦን ድማ፤ እቲ ቓሉ ሰሚዔ ንእስራኤል ዝሐድግሲእግዚኣብሄር መን እዩ፧ ንእግዚኣብሄር ኣይፈልጥንእስራኤል ከኣ ኣይሐድግበለ

3. ንሳቶም ድማ፤ ኣምላኽ እብራውያን ተራኺቡና እዩ እሞ፡ ፌራ ወይ ሴፍ ምእንቲ ኸየውርደልናስ፡ መገዲ ሰለስተ መዓልቲ ናብ በረኻ ኼድና ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ኽንስውኣሉ፡ በጃኻ ፍቐደልናበልዎ

4. ንጉስ ግብጺ ኸኣ፤ ዎ ሙሴን ኣሮንንስለምንታይ ነዚ ህዝቢ ኻብ ዕዮኡ ተብኵርዎ አሎኹም፧ ናብ ዕዮኹም ኪዱበሎም

5. ፈርኦን ድማ፤ እንሆ፡ እዚ ህዝቢ ሕጂ ኣብዛ ሃገር በዚሑ እዩ። ካብ ዕዮኦም ከኣ ተዕርፍዎም አሎኹም፡ በለ

6. ፈርኦን በታ መዓልቲ እቲኣ ነቶም ሓላቑ ህዝብን መዕየይቶምን ከምዚ ኢሉ ኣዘዞም

7. ደጊም ባዕላቶም ከይዶም ሓሰር ይአክቡ እምበር፡ ነቶም ህዝቢ ኸም ቀደምኩም ንመስርሕ ጡብ ሓሰር ኣይትሀብዎም

8. ቍጽሪ ጡብ ድማ ከምቲ ቐደም ዚገብርዎ ዝነበሩ ኣግብርዎምካብኡ እኳ ኣይተጕድሉሃካያት እዮም እሞ፡ ስለዚ፤ ንኣምላኽና ኽንስውእ ንኺድኢሎም ይጠርዑ አለዉ።

9. ነዞም ሰባት እዚኦም፡ ናብ ዘረባ ሓሶት ከየቕልቡዕዮ ይኽበዶምንእኡ ድማ ይዕየዩ

10. ሽዑ እቶም ሓላቑ ህዝብን መዕየይቶምን ወጺኦም፡ ነቶም ህዝቢ በልዎምፈርኦን ከምዚ ይብልሓሰር ኣይህበኩምን እየ፡

11. ናብ እትረኽቡሉ ኼድኩም ባዕላትኩም ሓሰር ኣክቡካብቲ ዕዮኹም ግና ገለ ኣይጕደል

12. እቲ ህዝቢ ኸኣ ኣብ ክንዲ ሓሰር ብርዒ ኺእክብ፡ ናብ ኵላ ምድሪ ግብጺ ፋሕ በለ።

13. እቶም ሓላቑ ድማ፤ እቲ ነንመዓልቲ እተመደበ ዕዮ፡ ከምቲ ሓሰር ከሎኩም፡ ነንመዓቲ ምልኡኢሎም ሀወኽዎም

14. ነቶም ካብ ደቂ እስራኤል መዕየይቲ ኪዀኑ፡ ሓላቑ ፈርኦን ዝሸምዋም ድማ፤ እቲ እተመደበልኩም ዕዮ ጡብ ደኣ ትማልን ሎምንከ ኸመይ ከም ቀደምኩም ዘይመላእኩም፧ ኢሎም ገረፍዎም

15. እቶም መዕየይቲ ደቂ እስራኤል ከኣ ናብ ፈርኦን ከይዶም ጠርዑ፡ ስለምንታይ ንገላዉኻ ኸምዚ ትገብረና አሎኻ፧

16. ንገላዉኻ ሓሰር ኣይህቡንጡብ ግበሩ ድማ ይብሉናእንሆ ኸኣገላዉኻ ተገርፉ፡ እዚ ግና ሓጢያት ህዝብኻ እዩ፡ በሉ።

17. ንሱ ግናንስኻትኩም ሃካያት ኢኹም፡ ሃካያት ኢኹም። ስለዚ፤ ንእግዚኣብሄር ክንስውእ ንኺድትብሉ አሎኹም

18. ሕጂ ድማ ኪዱ ዕየዩ። ሓሰር ኣይትወሀቡን፡ እቲ ምዱብ ቍጽሪ ጡብ ግና ክትህቡ ኢኹም።

19. ካብቲ ነናይ መዓልቲ ቝጽሪ ጡብ ኣይተጕድሉ፡ ምስ በልዎም፡ እቶም መዕየይቲ ደቂ እስራኤል ከም ዝገደዶም ረኣዩ

20. ካብ ፈርኦን ኪወጹ ኸለዉ ድማ፡ ንሙሴን ንኣሮንን ተጓነፍዎም፡ ንሳቶም ኪረኽብዎም ደው ኢሎም ነበሩ።

21. በልዎም ድማ፤ ኣብ ቅድሚ ፈርኦንን ኣብ ቅድሚ ገላዉኡን ጨናና ኣኽፋእኩምንምቕታልና ኸኣ ሴፍ ኣብ ኢዶም ኣትሓዝኩምዋም። ስለዚ እግዚኣብሄር ይርኤኹምይፍረድ ድማ።

22. ሙሴ ኸኣ ናብ እግዚኣብሄር ተመሊሱጐይታይ፡ ከመይ ነዚ ህዝቢ እዚ ኣኽፋእካሉ ስለምንታይከ ነዚ ለኣኽካኒ፧ ድማ በለ

23. ካብታ ናብ ፈርኦን ከይደ ብስምካ እተዛረብኩላ፡ ነዚ ህዝቢ እዚ ኣኽፍኣሉ ንህዝብኻ ድማ ከቶ ኣየድሐንካዮን፡ ከኣ በለ።