1. ድሕርዚ ድማ ሙሴን ኣሮንን ናብ ፈርኦን ኣትዮም በልዎ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል፤ ንህዝበይ ኣብ በረኻ በዓል ኪገብሩለይ፡ ሕደጎም።
2. ፈርኦን ድማ፤ እቲ ቓሉ ሰሚዔ ንእስራኤል ዝሐድግሲ፡ እግዚኣብሄር መን እዩ፧ ንእግዚኣብሄር ኣይፈልጥ፡ ንእስራኤል ከኣ ኣይሐድግ፡ በለ።
3. ንሳቶም ድማ፤ ኣምላኽ እብራውያን ተራኺቡና እዩ እሞ፡ ፌራ ወይ ሴፍ ምእንቲ ኸየውርደልናስ፡ መገዲ ሰለስተ መዓልቲ ናብ በረኻ ኼድና ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ኽንስውኣሉ፡ በጃኻ ፍቐደልና፡ በልዎ።
4. ንጉስ ግብጺ ኸኣ፤ ዎ ሙሴን ኣሮንን፡ ስለምንታይ ነዚ ህዝቢ ኻብ ዕዮኡ ተብኵርዎ አሎኹም፧ ናብ ዕዮኹም ኪዱ፡ በሎም።
5. ፈርኦን ድማ፤ እንሆ፡ እዚ ህዝቢ ሕጂ ኣብዛ ሃገር በዚሑ እዩ። ካብ ዕዮኦም ከኣ ተዕርፍዎም አሎኹም፡ በለ።
6. ፈርኦን በታ መዓልቲ እቲኣ ነቶም ሓላቑ ህዝብን መዕየይቶምን ከምዚ ኢሉ ኣዘዞም፤
7. ደጊም ባዕላቶም ከይዶም ሓሰር ይአክቡ እምበር፡ ነቶም ህዝቢ ኸም ቀደምኩም ንመስርሕ ጡብ ሓሰር ኣይትሀብዎም።
8. ቍጽሪ ጡብ ድማ ከምቲ ቐደም ዚገብርዎ ዝነበሩ ኣግብርዎም፡ ካብኡ እኳ ኣይተጕድሉ። ሃካያት እዮም እሞ፡ ስለዚ፤ ንኣምላኽና ኽንስውእ ንኺድ፡ ኢሎም ይጠርዑ አለዉ።
9. ነዞም ሰባት እዚኦም፡ ናብ ዘረባ ሓሶት ከየቕልቡ፡ ዕዮ ይኽበዶም፡ ንእኡ ድማ ይዕየዩ።
10. ሽዑ እቶም ሓላቑ ህዝብን መዕየይቶምን ወጺኦም፡ ነቶም ህዝቢ በልዎም፤ ፈርኦን ከምዚ ይብል፡ ሓሰር ኣይህበኩምን እየ፡
11. ናብ እትረኽቡሉ ኼድኩም ባዕላትኩም ሓሰር ኣክቡ። ካብቲ ዕዮኹም ግና ገለ ኣይጕደል።
12. እቲ ህዝቢ ኸኣ ኣብ ክንዲ ሓሰር ብርዒ ኺእክብ፡ ናብ ኵላ ምድሪ ግብጺ ፋሕ በለ።
13. እቶም ሓላቑ ድማ፤ እቲ ነንመዓልቲ እተመደበ ዕዮ፡ ከምቲ ሓሰር ከሎኩም፡ ነንመዓቲ ምልኡ፡ ኢሎም ሀወኽዎም።
14. ነቶም ካብ ደቂ እስራኤል መዕየይቲ ኪዀኑ፡ ሓላቑ ፈርኦን ዝሸምዋም ድማ፤ እቲ እተመደበልኩም ዕዮ ጡብ ደኣ ትማልን ሎምንከ ኸመይ ከም ቀደምኩም ዘይመላእኩም፧ ኢሎም ገረፍዎም።
15. እቶም መዕየይቲ ደቂ እስራኤል ከኣ ናብ ፈርኦን ከይዶም ጠርዑ፡ ስለምንታይ ንገላዉኻ ኸምዚ ትገብረና አሎኻ፧
16. ንገላዉኻ ሓሰር ኣይህቡን፡ ጡብ ግበሩ ድማ ይብሉና። እንሆ ኸኣ፡ ገላዉኻ ተገርፉ፡ እዚ ግና ሓጢያት ህዝብኻ እዩ፡ በሉ።
17. ንሱ ግና፤ ንስኻትኩም ሃካያት ኢኹም፡ ሃካያት ኢኹም። ስለዚ፤ ንእግዚኣብሄር ክንስውእ ንኺድ፡ ትብሉ አሎኹም።
18. ሕጂ ድማ ኪዱ ዕየዩ። ሓሰር ኣይትወሀቡን፡ እቲ ምዱብ ቍጽሪ ጡብ ግና ክትህቡ ኢኹም።
19. ካብቲ ነናይ መዓልቲ ቝጽሪ ጡብ ኣይተጕድሉ፡ ምስ በልዎም፡ እቶም መዕየይቲ ደቂ እስራኤል ከም ዝገደዶም ረኣዩ።
20. ካብ ፈርኦን ኪወጹ ኸለዉ ድማ፡ ንሙሴን ንኣሮንን ተጓነፍዎም፡ ንሳቶም ኪረኽብዎም ደው ኢሎም ነበሩ።
21. በልዎም ድማ፤ ኣብ ቅድሚ ፈርኦንን ኣብ ቅድሚ ገላዉኡን ጨናና ኣኽፋእኩም፡ ንምቕታልና ኸኣ ሴፍ ኣብ ኢዶም ኣትሓዝኩምዋም። ስለዚ እግዚኣብሄር ይርኤኹም፡ ይፍረድ ድማ።
22. ሙሴ ኸኣ ናብ እግዚኣብሄር ተመሊሱ፤ ጐይታይ፡ ከመይ ነዚ ህዝቢ እዚ ኣኽፋእካሉ ስለምንታይከ ነዚ ለኣኽካኒ፧ ድማ በለ።
23. ካብታ ናብ ፈርኦን ከይደ ብስምካ እተዛረብኩላ፡ ነዚ ህዝቢ እዚ ኣኽፍኣሉ ንህዝብኻ ድማ ከቶ ኣየድሐንካዮን፡ ከኣ በለ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...