1. ሙሴ ድማ፡ እንሆ፡ ንሳቶም፤ እግዚኣብሄር ኣይተራእየካንኪብሉኒ እዮም እሞ፡ ኣይኣምኑንን፡ ቃለይውን ኣይሰምዑን እዮም፡ ኢሉ መለሰ

2. እግዚኣብሄር ድማ፤ እዛ ኣብ ኢድካ ዘላ እንታይ እያ፧ በሎ። ንሱ ኸኣ፤ በትሪበለ

3. ንሱ ድማ፤ ናብ ምድሪ ደርብያበለ። ናብ ምድሪ ደርበያተመን ከኣ ኰነትሙሴ ድማ ካብ ቅድሚኡ ሀደመ

4. እግዚኣብሄር ከኣ ንሙሴኢድካ ዘርግሕ እሞ፡ ብዓለሊኡ ሐዞበሎኢዱ ዘርጊሑውን ሐዞ፡ ኣብ ኢዱ ኸኣ በትሪ ዀነ።

5. እዚ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶምኣምላኽ ኣብርሃምኣምላኽ ይስሃቅኣምላኽ ያእቆብ ከም እተራእየካ፡ ምእንቲ ኺኣምኑ እዩ።

6. እግዚኣብሄር ድማ ወሲኹኢድካ ናብ ትሽትሽካ ኣእቱበሎ። ናብ ትሽትሹ ኸኣ ኣእተዋ። ምስ ኣውጽኣ ድማ፡ እንሃ፡ ኢዱ ብለምጺ ኸም በረድ ጻዕድያ ነበረት።

7. ኢድካ ናብ ትሽትሽካ ኣእቱ፡ ከኣ በለኢዱ ናብ ትሽትሹ ኣእተወ። ካብ ትሽትሹ ምስ ኣውጽኣ ድማ፡ እንሃ፡ መሊሳ ኸምቲ ኻልእ ስጋኡ ዀነት።

8. ኪኸውን ድማ እዩ፡ እንተ ዘይአመኑኻንቓል እቲ ቐዳማይ ትእምርቲ እንተ ዘይሰምዑንቓል እቲ ዳሕራይ ትእምርቲ ኺአምኑ እዮም።

9. ኪኸውን ከኣ እዩ፡ ነዚ ኽልተ ትእምርቲ እዚ እንተ ዘይአመኑንቓልካውን እንተ ዘይሰምዑ፡ ካብቲ ርባ ማይ ውሰድ እሞ፡ ናብቲ ንቑጽ ክዐዎ። እቲ ኻብ ርባ ዝወሰድካዮ ማይ ከኣ ኣብቲ ንቑጽ ምድሪ ደም ኪኸውን እዩ።

10. ሙሴ ድማ ንእግዚኣብሄርኣየ ጐይታይ፡ ኣነ ኣፈይ ወታእልሳነይ ኰርታዕ እየ እሞ፡ ትማሊ ዀነ፡ ቅድሚ ትማሊ ዀነ፡ ሕጂ ንባርያኻ ምስ ተዛረብካኒውንኣነ ተዛራቢ ሰብ ኣይኰንኩን፡ በሎ

11. እግዚኣብሄር ድማ፡ ንሰብ ኣፍ ዝገበረሉ መን እዩ፧ ወይ ዓባስ ወይ ጸማም ወይ ዚርኢ ወይ ዕዉር ዝገበሮኸ መን እዩ፧ ኣነ እግዚኣብሄር ኣይኰንኩን

12. ሕጂ ኸኣ ኪድኣነ ምስ ኣፍካ ዀይነ፡ እቲ እትዛረቦ ኸምህረካ እየ፡ በሎ።

13. ንሱ ግና፡ በጃካ ጐይታይ፡ በቲ እትልእኮ ደኣ ልኣኽበሎ

14. ሽዑ ዅራ እግዚኣብሄር ብሙሴ ነደደ በሎ ኸኣ፡ ኣሮን ሓውካ፡ እቲ ሌዋዊዶ የሎን፧ ንሱ ጽቡቕ ተዛራቢ ምዃኑ እፈጥ አሎኹ። እንሆ ኸኣ፡ ንሱ ኪቕበለካ ይወጽእ አሎ፡ ምስ ረአየካ ድማ ብልቡ ኺሕጐስ እዩ።

15. ንስኻ ንእኡ ኽትዛረቦ ኢኻ፡ እቲ ቓላት ድማ ኣብ ኣፉ ኣንብርኣነ ኸኣ ምስ ኣፍካን ምስ ኣፉን ኰይነ እቲ እትገብርዎ ኽምህረኩም እየ።

16. ኪኸውን ከኣ እዩ፡ ንሱ ኣፍ ይዀነካ፡ ንስኻ ድማ ከም ኣምላኽ ትዀኖ፡ ንሱ ኣብ ክንዳኻ ንህዝቢ ይዛረብ

17. ነዛ በትሪ እዚኣ ኸኣ፡ እቲ ትእምርትታት ክትገብረላ፡ ኣብ ኢድካ ዉሰዳ

18. ሙሴ ኸደ፡ ናብ ሓሙኡ የትሮ ተመሊሱ ኸኣ፡ ናብቶም ኣብ ግብጺ ዘለዉ ኣሕዋተይ ተመሊሰ፡ ገና ብህይወት እንተ ኣልዮም ደኣ ኽርኢ ክኸይድበሎየትሮ ኸኣ ንሙሴብሰላም ኪድበሎ

19. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኣብ ሚድያን፡ እቶም ንነፍስኻ ዚደልይዋ ዝነበሩ ሰባት ኵሎም ሞይቶም ኢዮም እሞ፡ ኪድ ናብ ግብጺ ተመለስበሎ

20. ሙሴ ኸኣ ሰበይቱን ደቁን ወሲዱ ኣብ ኣድጊ ኣወጢሕዎም፡ ናብ ምድሪ ግብጺ ተመለሰሙሴ ድማ ነታ በትሪ ኣምላኽ ኣብ ኢዱ ወሰዳ

21. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎ፡ ናብ ግብጺ ኽትምለስ ኢልካ ኽትከይድ ከሎኻ፡ ነተን ክትገብረን ኣብ ኢድካ ዝሀብኩኻ ዅለን ተኣምራት ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ክትገበረን ተጠንቀቕ። ኣነ ግና ልቡ ኸጽንዖ እየ፡ ንሱ ኸኣ ነቲ ህዝቢ ኣይሐድጎን

22. ንፈርኦን ድማ ክትብሎ ኢኻ፤ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብልእስራኤል በዅሪ ወደይ እዩ፡

23. እሞ ንወደይ ኬገልግለኒ ይኺድ ሕደጎ፡ ኢለካ ነበርኩ፡ ግናኸ ምሕዳጉ ኣቤኻእንሆ፡ ኣነ ንበዅሪ ወድኻ ክቐትል እየ።

24. ኰነ ድማ፡ ሙሴ ኣብ መገዲ ኣብ ሓደ መሕደሪ ኸሎ፡ እግዚኣብሄር ተራኸቦኪቐትሎውን ደለየ

25. ሽዑ ጺጶራ ጽልጽለ ወሲዳዕልቦ ወዳ ገዘረት፡ ናብ ኣእጋሩ ደርብያቶ ኸኣ፡ ንስኻ ንኣይ ናይ ደም መርዓዊ ኢኻ፡ በለቶ

26. ካብኡ ኸኣ ኣልገሰ። ሽዑ ድማ፤ ብምኽንያት ግዝረት ናይ ደም መርዓዊ ኢኻ፡ በለት

27. እግዚኣብሄር ከኣ ንኣሮንኪድ ንሙሴ ኣብ በረኻ ተቐበሎበሎከይዱ ድማ ኣብ ከረን ኣምላኽ ተጓነፎሰዐሞ ኸኣ።

28. ሙሴ ድማ እቲ እግዚኣብሄር ብእኡ ዝለኣኾ ዅሉ ቃልን እቲ ዝኣዘዞ ዅሉ ትእምርትታትን ንኣሮን ነገሮ

29. ሙሴን ኣሮንን ከኣ ከይዶም ንዅሎም ዓበይቲ ደቂ እስራኤል ኣከቡ

30. ኣሮን ድማ እቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ እተዛረቦ ዅሉ ነገር ኣዛረቦም። እቲ ትእምርትታት ከኣ ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ገበሮ

31. እቲ ህዝቢ ድማ ኣመነእግዚኣብሄር ንደቂ እስራኤል ከም ዝበጽሖምጸበባኦምውን ከም ዝረአየ ምስ ሰምዑፍግም ኢሎም ሰገዱ