1. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ንኣኻ ኸምተን ቀዳሞት ዝበላ ኽልተ ጽላት እምኒ ጽረብ፡ ኣብተን ዝሰበርካየን ቀዳሞት ጽላት ዝነበረ ቓላት ከኣ ኣነ ኣብዘን ጽላት እዚአን ክጽሕፎ እየ።

2. ንጽባሕ ድማ ተዳሎኣንጊህካ ኸኣ ናብ ከረን ሲና ደይብ እሞ ኣብ ርእሲ እቲ ኸረን ናባይ ተረኸብ

3. ሓደ ሰብ እኳ ምሳኻ ኣይደይብ። ኣብ ኵሉ እቲ ኸረን ከኣ ገለ ሰብ እኳ ኣይርኤኣባጊዕን ኣሓን ድማ ኣብ ጥቓ እቲ ኸረን ኣይውፈራ፡ በሎ።

4. ከምተን ቀዳሞት ዝበላ ኽልተ ጽላት እምኒ ኸኣ ጸረበንጽብሒቱ ኸኣ ሙሴ ኣንጊሁ ተንስኤ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ድማ፡ ንኽልቲኤን ጽላት እምኒ ኣብ ኢዱ ሒዙ፡ ናብ ከረን ሲና ደየበ

5. እግዚኣብሄር ከኣ ብደበና ወሪዱ ኣብ ጥቓኡ ደው በለ እሞ ስም እግዚኣብሄር ኣወጀ

6. እግዚኣብሄር ድማ ብቕድሚኡ ሐለፈ አወጀ ኸኣ፡ እግዚኣብሄርእግዚኣብሄርመሓርን ጸጋውን ኣምላኽንዂራ ደንጓይ፡ በዓል ብዙሕ ለውሃትን ሓቅን

7. ክሳዕ ሽሕ ወለዶ ጸጋ ዚሕሉዓመጽን ምትሕልላፍን ሓጢኣትን ይቕረ ዚብልግናኸ ንበዳሊ ኸም ንጹህ ዘይርኢ፡ ሓጢኣት ኣቦታት ደኣ ኣብ ደቅን ደቂ ደቅን ክሳዕ ሳልሳይ ክሳዕ ራብዓይ ወለዶ ዚቐጽዕ።

8. ሙሴ ድማ ቀልጢፉ ኣብ ምድሪ ፍግም ኢሉ ሰገደ

9. እሞ በለጐይታይ፡ እዚ ህዝቢ እዚ ተሪር ክሳድ ህዝቢ እዩ እሞ፡ ዓመጽናን ሓጢኣትናን ይቕረ ኽትብለልናርስትኻ ጌርካውን ክትቅበለናስ፡ ኣብ ዓይንኻ እንተ ደኣ ጸጋ ረኺበ፡ በጃኻ፡ ጐይታይ ኣብ ማእከልና ይኺድ

10. በለ ድማ፡ እንሆ፡ ኣነ ኺዳን ክገብር እየ። ንእኡ ዚመስል ኣብ ኵላ ምድሪ ወይ ኣብ ኵሎም ህዝብታት ዘይተገብረ ተኣምራት ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝብኻ ኽገብር እየ። እቲ ኣነ ምሳኻ ዝገብሮ ነገር ድማ ዜፍርህ ነገር እዩ እሞ፡ ኵሉ እቲ ንስኻ ኣብ ማእከሉ ዘሎኻ ህዝቢ ግብሪ እግዚኣብሄር ኪርኢ እዩ።

11. እዚ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ሐሉእንሆ፡ ኣነ ኸኣ ንኣሞራውያንን ንከነኣናውያንን ንሔታውያንን ንፈረዛውያንን ንሃዋውያንን ንይቡሳውያንን ካብ ቅድሜኻ ኸውጽኦም እየ።

12. ኣብ ማእከልካ ንመፈንጠራ ኸይኰኑስ ምስቶም ኣብታ ንስኻ እትኣትዋ ምድሪ ዚነብሩ ኺዳን ከይትኣቱ ተጠንቀቕ

13. መሰውኢታቶም ደኣ ኣፍርሱሓወልትታቶም ስበሩኣሽሪሞም ከኣ ኣፍርሱ

14. እቲ ቐናእ ዝስሙ እግዚኣብሄር፡ ንሱ ቐናእ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ንኻልእ ኣምላኽ ኣይትስገድ

15-16. ደድሕሪ ኣማልኽቶም ምስ ዚምንዝሩንንኣማልኽቶም ከኣ ምስ ዚስውኡንከይዕድሙኻ እሞ ካብ መስዋእቶም ከይትበልዕኣዋልዶም ድማ ነወዳትካ ኸይትወስድ፡ እተን ኣዋልዶም ከኣ ደድሕሪ ኣማልኽተን ኪምንዝራ ኸለዋ ንደቅኻ ድማ ደድሕሪ ኣማልኽተን ከየመንዝራኦም፡ ምስቶም ኣብታ ሃገር ዚነብሩ ኪዳን ኣይትእቶ

17. ዝፈሰሱ ኣማልኽቲ ንኣኻ ኣይትግበር

18. ንበዓል ቅጫ ሐልዎ። ካብ ግብጺ ብወርሒ ኣቢብ ወጺእካ ኢኻ እሞ፡ ኣብቲ ምዱብ ጊዜ ብወርሒ ኣቢብ፡ ከምቲ ዝኣዘዝኩኻሾብዓተ መዓልቲ ቅጫ ብላዕ

19. ማሕጸን ዝኸፈተ ዅሉ፡ ተባዕታይ ዘበለ በዅሪ ማልካ ድማ ብዕራይን በጊዕን ናተይ እዩ።

20. በዅሪ ኣድጊ ግና ብበጊዕ ተበጀዎክትብጀዎ እንተ ዘይፈቶኻ ድማ ክሳዱ ስበሮ። ካብ ደቅኻ ኸኣ ነቲ በዅሪ ዘበለ ተበጀዎ። ሓደ እኳ ጥራይ ኢዱ ኣብ ቅድመይ ኣይርኤ

21. ሹድሽተ መዓልቲ ዕየ፡ በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ግና ዕረፍብጊዜ ማሕረስን ዓጺድን ድማ ዕረፍ

22. ኣብ ምጅማር ዓጺድ ስርናይ ናይ ሰሙናት በዓል ኣብ መወዳእታ ዓመት ድማ በዓል ምትሕሳስ ኣብዕል

23. ተባዕታይካ ዘበለ ዅሉ ኣብ ቅድሚ ጐይታእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ ኣብ ዓመት ሰለስተ ሳዕ ይርኤ

24. ህዝብታት ካብ ቅድሜኻ ኽሰጕጕ እየ፡ ንዶባትካ ድማ ከግፍሖ እየ እሞ፡ እቲ ኣብ ዓመት ሰለስተ ሳዕ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽትርኤ ኢልካ ምስ እትድይብንምድርኻ ዚትምነ ሰብ የልቦን።

25. ንደም መስዋእተይ ምስ መጺጽ እንጌራ ኣይትሰዋኣዮ። እቲ መስዋእቲ በዓል ፋስጋ ድማ ክሳዕ ንግሆ ኣይሕደር

26. መጀመርታ እቲ ቐዳማይ ፍረ ምድርኻ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣእቱንማሕስእ ብጸባ ኣዲኣ ኣይተብስሎ

27. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴበዚ ቓላት እዚ ምሳኻን ምስ እስራኤልን ኪዳን ኣትየ እየ እሞ፡ እዚ ቓላት እዚ ንኣኻ ጽሐፎበሎ

28. እንጌራ ኸይበልዐን ማይ ከይሰተየን፡ ኣብኡ ምስ እግዚኣብሄር ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ገበረ። ድማ ናይቲ ኺዳን ቃላት፡ እቲ ዓሰርተ ቓላትኣብተን ጽላት ጸሐፎ

29. ኰነ ኸኣ፡ ሙሴ ኻብ ከረን ሲና ኺወርድ ከሎ፡ በቲ ካብ ከረን ምውራዱ እተን ክልተ ጽላት ምስክር ኣብ ኢድ ሙሴ ነበራ፡ ሙሴ ምስ እግዚኣብሄር ብምዝራቡ እቲ ቖርበት ገጹ ኸም ዘንጸባረቐ ኣይፈለጠን ነበረ።

30. ኣሮንን ኵሎም ደቂ እስራኤልን ንሙሴ ምስ ረኣዩእንሆ፡ ቆርበት ገጹ የንጸብርቕ ነበረ እሞ፡ ናብኡ ንምቕራብ ፈርሁ

31. ሙሴ ኸኣ ጸውዖምኣሮንን ኵሎም ሓላቑ እቲ ኣኼባን ድማ ናብኡ ተመልሱሙሴ ኸኣ ተዛረቦም

32. ድሕርዚ ኸኣ ኵሎም ደቂ እስራኤል ቀረቡ። ንሱ ድማ እቲ እግዚኣብሄር ኣብ ክረን ሲና ዝነገሮ ዅሉ ኣዘዞም

33. ሙሴ ምሳታቶም ተዛሪቡ ምስ ወድኤኣብ ገጹ ጕልባብ ገበረ

34. ሙሴ ምስኡ ኺዛረብ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ምስ ዚኣቱክሳዕ ዚወጽእ ነቲ ጕልባብ የልዕሎ ነበረ። ወጺኡ ኸኣ እቲ እተኣዘዞ ነገር ንደቂ እስራኤል ይነግሮም ነበረ።

35. ደቂ እስራኤል ድማ ቆርበት ገጽ ሙሴ ኸም ዜንጸብርቕገጽ ሙሴ ይርእዩ ነበሩ፡ ሙሴ ኸኣ ምስኡ ንምዝራብ ክሳዕ ዝኣቱ ነቲ ጕልባብ ናብ ገጹ መለሶ