1. እቲ ህዝቢ ኸኣ ሙሴ ኻብ ከረን ከይወረደ ኸም ዝደንጐየ ምስ ረአየናብ ኣሮን ተአከበ እሞ፡ ነዚ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጽኣና ሙሴ፡ እቲ ሰብኣይ፡ እንታይ ከም ዝረኸቦ ኣይንፈልጥን ኢና እሞ፡ ተንስእ፡ ቀቅድሜና ዚኸዱ ኣማልኽቲ ግበረልናበልዎ

2. ኣሮን ድማ፡ እቲ ኣብ ኣእዛን ኣንስትኹምን ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ዘሎ ቐላብቲ ወርቒ ቐንጢጥኩም ኣምጽኡለይበሎም

3. ኵሎም እቶም ህዝቢ ኸኣ ኣብ ኣእዛኖም ዝነበረ ቀላብቲ ወርቂ ቐንጢጦም ናብ ኣሮን ኣምጽእዎ

4. ንሱ ኸኣ ካብ ኣእዳዎም ወሲዱ ብመንደል መመሰሊ ቀሪጹኣፍሲሱ ኸኣ ምራኽ ገበሮ። ንሳቶም ድማ፡ ዎ እስራኤል፡ ካብ ምድሪ ግብጺ ዘደየቡኻ ኣማልኽትኻ እዚኣቶም እዮም፡ በሉ

5. ኣሮን እዚ ምስ ረአየ፡ ኣብ ቅድሚኡ መሰውኢ ሰርሔጽባሕ ንእግዚኣብሄር በዓል እዩ፡ ኢሉ ድማ ኣወጀ

6. ንጽብሒቱ ኣንጊሆም ተንሲኦምዚሐርር መስዋእቲ ሰውኡመስዋእቲ ምስጋናውን ኣቕረቡ። እቶም ህዝቢ ድማ ኪበልዑን ኪሰትዩን ኮፍ በሉ፡ ኪስሐቑ ኸኣ ተንስኡ

7. ሽዑ እግዚኣብሄር ንሙሴ በሎ፡ እዚ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእካዮ ህዝብኻ በዲሉ እዩ እሞ፡ ኪድ ውረድ

8. ካብቲ ዝኣዘዝክዎም መግዲ ብኡብኡ ኣግለሱምራኽ ፍሲ ገበሩሰገድሉን ሰውኡሉን ከኣ፡ ዎ እስራኤል፡ እቶም ካብ ምድሪ ግብጺ ዘደየቡኻ ኣማልኽትኻ እዚኣቶም እዩም፡ ድማ በሉ

9. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ እዚ ህዝቢ እዚ እርእዮ ኣሉኹ፡ እንሆህዝቡ ተሪር ክሳድ እዩ።

10. ሕጂ ዅራይ ኣብኦም ኪነድድ እሞ፡ ክውድኦም ሕደገኒ። ንኣኻ ድማ ዓብዪ ህዝቢ ኽገብረካ እየ፡ በሎ።

11. ሙሴ ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ኸምዚ ኢሉ ተማህለለ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ስለ ምንታይ ኵራኻ ኣብዚ ብዓብዪ ሓይልን ብጽንዕቲ ኢድን ካብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእካዮ ህዝብኻ ይነድድ

12. ከመይከ ግብጻውያን፡ ኣብ ኣኽራን ኪቐትሎም፡ ካብ ገጽ ምድሪ ኸኣ ኬጽንቶም ንመከራ ኣውጽኦምኢሎም ዚዛረቡካብቲ ነዳዲ ዅራኻ ደኣ ተመለስ፡ ካብቲ ንህዝብኻ ኽትገብሮ ዝሐሰብካዮ ኽፋእ ድማ ተጠዐስ

13. ንኣብርሃምን ንይስሃቅን ንእስራኤልን፡ ንኣታቶም፡ ንዘርእኹም ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ከብዝሖ እየ። እታ እተዛረብኩላ ምድሪ ድማ ብዘላ ንዘርእኹም ክህቦ እየ፡ ንዘለኣለም ከኣ ኺርስተይዋ እዮም፡ ኢልካ ብርእስኻ ዝመሐልካሎምንባሮትካ ዘክር

14. እግዚኣብሄር ድማ ካብቲ ንህዝቡ ኺገብሮ ኢሉ ተዛሪብዎ ዝነበረ ኽፉእ ተጣዕሰ

15. ሙሴ ድማ ተመልሰ፡ ነተን ክልተ ጽላት ምስክርበዝን በትን እተጻሕፋብኽልቲኡ ገጸን ጽሑፋት ዝነበራ ጽላትኣብ ኢዱ ሒዙ ኻብ ከረን ወረደ

16. እተን ጽላት ድማ ስራሕ እግዚኣብሄር ነበራ፡ ኣብተን ጽላት እተቐርጸ ጽሕፈት ከኣ፡ ጽሕፈት እግዚኣብሄር እዩ።

17. እያሱ ድማ እልልታን ጭራሕ ምራሕ እቶም ህዝብን ምስ ሰምዔንሙሴ፡ ኣብ ሰፈር ደሃይ ውግእ ይስማዕ አሎ፡ በሎ

18. ሙሴ ኸኣ፡ እዚ ደሃይ ዝሰዐሩ ኣይኰነን፡ ደሃይ እተሳዕሩ ድማ ኣይኰነን፡ ኣነ ደሃይ ደርፊ እየ ዝሰምዕ ዘሎኹ፡ በሎ

19. ኰነ ኸኣ፡ ሙሴ ናብ ሰፈር ምስ ቀረበ፡ ነቲ ምራኽን ነቲ ሳዕስዒትን ርእዩኵራኡ ነደደ እሞ፡ ነተን ጽላት ካብ ኢዱ ደርበየን፡ ኣብ እግሪ እቲ ኸረን ከኣ ሰበረን

20. ነቲ ዝገበርዎ ምራኽ ወሲዱ ድማ ብሓዊ ኣንደዶ እሞ፡ ጥሒኑ ኣድከሞኣብ ማይ ነስኒሱ ኸኣ ንደቂ እስራኤል ኣስተዮም

21. ሙሴ ድማ ንኣሮን፡ እዚ ዓብዪ ሓጢያት ዘምጻእካሉስ እዚ ህዝብዚ እንታይ ገበርካበሎ

22. ኣሮን ከኣኵራ ጐይታይ ኣይንደድ፡ እዚ ህዝቢ እዚ ኽፋእ ምኳኑ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ።

23. እቲ ሙሴ፡ እቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘደየበና ሰብኣይ፡ ንእኡ እንታይ ከም ዝረኸቦ ኣይንፈልጥን ኢና እሞ፡ ቀቅድሜና ዚኸዱ ኣማልኽቲ ግበረልናበሉኒ

24. ኣነ ድማ፡ ወርቂ ዘለዎ ይቐንጥጦ፡ በልክዎም። ንሳቶም ከኣ ሀቡኒ፡ ኣነ ድማ ናብ ሓዊ ደርቤኽዎ፡ እዚ ምራኽ እዚ ኸኣ ወጸ

25. ኣሮን ነቲ ህዝቢ ኣብ ቅድሚ ጻላእቶም ንመነወሪ ስዲ ሐዲግዎም ነበረ እሞ፡ ሙሴ ስዲ ተፈንዮም ምስ ረኣዮም

26. ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ሰፈር ደው ኢሉ፡ ነፍሲ ወከፍ ናይ እግዚኣብሄር ዝዀነ ናባይ ይምጻእበለ። ኵሎም ደቂ ሌዊ ኸኣ ናብኡ ተኣከቡ

27. ንሱ ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብልነፍሲ ወከፍ ሴፉ ኣብ እቑኡ ይዕጠቕካብ ደገ ናብ ደገ ኸኣ ኣብዚ ሰፈር ተመላለሱነፍሲ ወከፍ ንሓዉነፍሲ ወከፍ ንፈታዊኡነፍሲ ወከፍ ንጐረቤቱ ይቕተልበሎም

28. ደቂ ሌዊ ድማ ከምቲ ዘረባ ሙሴ ገበሩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብቲ ህዝቢ ኣስታት ሰለስተ ሽሕ ሰብኣይ ወደቑ

29. ሙሴ ድማ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ በረኸት ምእንቲ ኺወሀበኩምነፍሲ ወከፍ ብወዱን ብሓዉን ሎሚ ንእግዚኣብሄር ተቐደሱበለ

30. ኰነ ድማ ንጽብሒቱ ሙሴ ነቶም ህዝቢንስኻትኩም ዓብዪ ሓጢኣት ገበርኩም። ሕጂ ኸኣ፡ ምናልባሽ ሓጢያኣትኩም እንተ ኣተዐረቕኩ፡ ናብ እግዚኣብሄር ክድይብ እየ፡ በሎም

31. ሙሴ ድማ ናብ እግዚኣብሄር ተመሊሱኣየ፡ እዚ ህዝቢ እዚ ዓብዪ ሓጢያኣት ገበረ፡ ንኣታቶም ከኣ ኣማልክቲ ወርቂ ገበረ

32. ሕጂ ድማ ሓጢኣቶም ይቕረ በለሎም፡ እንተ ዘይኰነስ ካብቲ ዝጸሐፍካዮ መጽሓፍካ ሕከኸኒ፡ በለ።

33. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴነቲ ዝበደለኒ ኻብ መጽሓፈይ እሐኮ

34. ሕጂ ኸኣ ኪድ እሞ፡ ነዚ ህዝቢ ናብቲ ዝበልኩኻ ምርሓዮእንሆ፡ መልኣኸይ ቀቅድሚኣኻ ኪኸይድ እዩ። ኣነ ግና በታ ንኣታቶም ዝበጽሓላ መዓልቲ፡ ሓጢኣቶም ክቐጽዕ እየ፡ በሎ።

35. እሞ እቲ ኣሮን ዝገበሮ ምራኽ ስለ ዝገበሩእግዚኣብሄር ነቶም፡ ህዝቢ ቀዘፎም