1. ሓደ ሰብኣይ ከኣ ካብ ቤት ሌዊ ኸይዱ ጓል ሌዊ ኣእተወ

2. እታ ሰበይቲ ድማ ጠነሰትወዲውን ወለደት። ንሱ ጽቡቕ ቈልዓ ምዃኑ ምስ ረአየት ከኣ፡ ሰለስተ ወርሒ ሐብኣቶ

3. ደጊም ምሕባኡ ምስ ሰኣነትሳጹን ሻምብቆ ወሲዳ ብቕጥራንን ብዝፍትን ለቕለቐቶ፡ ነቲ ቘልዓ ናብኡ ኣእትያ ድማ፡ ኣብ ገምገም ርባ፡ ኣብ ሰልሰላ ኣንበረቶ

4. ሓብቱ ድማ እንታይ ከም ዚረኽቦ ኽትፈልጥርሕቕ ኢላ ደው በለት።

5. ጓል ፈርኦን ከኣ ክትሕጸብ ናብ ርባ ወረደት፡ እተን ኣግራዳ ድማ ገምገመገምገም እቲ ርባ ይዛወራ ነበራ። ኣብ ማእከል ሰልሰላ ሳጹን ረአየት እሞ፡ ገረዳ ሰዲዳ ኣምጽኣቶ

6. ከፊታ ድማ ነቲ ሕጻን ረአየቶ፡ እንሆ ኸኣ፡ እቲ ቘልዓ ይበኪ ነበረ። ደንጊጻትሉ ድማ፡ እዚ ኻብ ሕጻናት እብራውያን እዩ፡ በለት

7. ሽዑ እታ ሓብቱ ንጓል ፈርኦን፡ ካብተን እብራውያን ኣንስቲ ነዚ ሕጻንዚ እተጥብወልኪ መጉዚትዶ ኽጽውዓልኪ ክኸይድ፧ በለታ።

8. ጓል ፈርኦን ከኣ፡ ኪዲበለታ። እታ ጓል ድማ ከደትነደ እቲ ሕጻን ከኣ ጸውዓታ

9. ጓል ፈርኦን ድማ፥ ነዚ ሕጻንዚ ወሲድኪ ኣጥብውለይ፡ ኣነ ኸኣ ዓስብኺ ኽህበኪ እየ፡ በለታ። እታ ሰበይቲ ድማ ነቲ ሕጻን ወሲዳ ኣጥበወቶ

10. እቲ ሕጻን ከኣ ዐበየ፡ ናብ ጓል ፈርኦንውን ኣምጽኣቶወዳ ድማ ዀነካብ ማይ ኣውጺኤዮ እየ፡ ኢላ ስሙ ሙሴ ኣውጽኣትሉ

11. ኰነ ድማ፡ በተን መዓልትታት እቲኤን ሙሴ ምስ ዐበየ፡ ናብ እሕዋቱ ወጺኡ፡ ነቲ ብርቱዕ ጻዕሮም ረአየግብጻዊ ሰብኣይ ድማ ንእብራዊ ሰብኣይ፡ ካብቶም ኣሕዋቱኪወቕዖ ረአየ

12. ናብዝን ናብትን ግልጽ ግልጽ ኢሉ፡ ሰብ ከም ዜልቦ ምስ ረአየ፡ ነቲ ግብጻዊ ቐቲሉ፡ ኣብ ሑጻ ሐብኦ

13. በታ ኻልኣይቲ መዓልቲ ድማ ወጸእንሆ፡ ክልተ እብራውያን ሰብኡት ኪበኣሱ ረአየ። ነቲ ዝዐመጸ፡ ከመይ ንብጻይካ እትወቕዖበሎ

14. ንሱ ድማ፡ መን መስፍንን ፈራድን ገይሩ ኣብ ልዕሌና ሸመካ፧ ንስኻ ነቲ ግብጻዊ ኸም ዝቐተልካዮ ኽትቀትለኒዶ ትደሊ አሎኻ፧ በለ። ሽዑ ሙሴ ፈርሄእዚ ነገርዚ ብርግጽ ተፈሊጡ እዩ፡ ድማ በለ

15. ፈርኦን ከኣ እዚ ነገርዚ ሰሚዑ ንሙሴ ኪቐትሎ ደለየሙሴ ግና ካብ ቅድሚ ፈርኦን ሀደመ፡ ኣብ ምድሪ ሚድያን ድማ ተቐመጠ፡ ኣብ ጥቓ ዔላ ኸኣ ኮፍ በለ።

16. ካህን ሚድያን ድማ ሾብዓተ ኣዋልድ ነበራኦ። ንሳተን መጺኤን ነባጊዕ ኣቦኤን ኬስትያ፡ ማይ ቀዲሔን ነቲ ጋብላታት መልኣኦ

17. ጓሶት ድማ መጺኦም ሰጐጕወንሙሴ ግና ተንሲኡ ረድኤንኣባጊዔን ድማ ኣስተየ

18. ናብ ኣቦኤን ራጉኤል ምስ መጻ ኸኣ፡ ንሱ፤ ሎሚ ኸመይ ኢልክን ቀልጢፍክን መጺእክንበለን

19. ንሳተን ድማ፡ ሓደ ግብጻዊ ሰብኣይ ካብ ኢድ እቶም ጓሶት ኣድሐነናማይ ቀዲሑ ኸኣ ነባጊዕና ኣስተየልና፡ በላኦ

20. ነዋልዱ ድማ፡ ኣበይ ደኣ አሎ፧ ስለምንታይከ ነቲ ሰብቲ ሐደግኽንኦ፧ እንጌራ ኺበልዕ ጸውዓኦበለን

21. ሙሴ ድማ ምስቲ ሰብኣይ ኪነብር ፈተወ። ንሱ ኸኣ ጺጶራ ጓሉ ንሙሴ ሀቦ

22. ወዲ ድማ ወለደት እሞ፡ ኣነ ኣብ ምድሪ ጓና ስደተኛ እየ፡ ኢሉ ስሙ ጌርሾም ኣውጽኣሉ

23. ኰነ ድማ፡ ድሕሪ ብዙሕ መዓልቲ ንጉስ ግብጺ ሞተደቂ እስራኤል ከኣ ካብ ባርነቶም እተላዕለ እህህ በሉ፡ ጨርሑ ድማ። እቲ ኣውያቶም ብዛዕባ ባርነቶም ከኣ ናብ ኣምላኽ ደየበ

24. ኣምላኽ ድማ ቍዝማኦም ሰምዔኣምላኽ ከኣ ነቲ ምስ ኣብርሃምን ምስ ይስሃቅን ምስ ያእቆብን ዝኣተዎ ኺዳን ዘከረ

25. ኣምላኽ ድማ ናብ ደቂ እስራኤል ረአየኣምላኽ ከኣ ህልዋቶም ፈለጠ።