1. ሓደ ሰብኣይ ከኣ ካብ ቤት ሌዊ ኸይዱ ጓል ሌዊ ኣእተወ።
2. እታ ሰበይቲ ድማ ጠነሰት፡ ወዲውን ወለደት። ንሱ ጽቡቕ ቈልዓ ምዃኑ ምስ ረአየት ከኣ፡ ሰለስተ ወርሒ ሐብኣቶ።
3. ደጊም ምሕባኡ ምስ ሰኣነት፡ ሳጹን ሻምብቆ ወሲዳ ብቕጥራንን ብዝፍትን ለቕለቐቶ፡ ነቲ ቘልዓ ናብኡ ኣእትያ ድማ፡ ኣብ ገምገም ርባ፡ ኣብ ሰልሰላ ኣንበረቶ።
4. ሓብቱ ድማ እንታይ ከም ዚረኽቦ ኽትፈልጥ፡ ርሕቕ ኢላ ደው በለት።
5. ጓል ፈርኦን ከኣ ክትሕጸብ ናብ ርባ ወረደት፡ እተን ኣግራዳ ድማ ገምገመገምገም እቲ ርባ ይዛወራ ነበራ። ኣብ ማእከል ሰልሰላ ሳጹን ረአየት እሞ፡ ገረዳ ሰዲዳ ኣምጽኣቶ።
6. ከፊታ ድማ ነቲ ሕጻን ረአየቶ፡ እንሆ ኸኣ፡ እቲ ቘልዓ ይበኪ ነበረ። ደንጊጻትሉ ድማ፡ እዚ ኻብ ሕጻናት እብራውያን እዩ፡ በለት።
7. ሽዑ እታ ሓብቱ ንጓል ፈርኦን፡ ካብተን እብራውያን ኣንስቲ ነዚ ሕጻንዚ እተጥብወልኪ መጉዚትዶ ኽጽውዓልኪ ክኸይድ፧ በለታ።
8. ጓል ፈርኦን ከኣ፡ ኪዲ፡ በለታ። እታ ጓል ድማ ከደት፡ ነደ እቲ ሕጻን ከኣ ጸውዓታ።
9. ጓል ፈርኦን ድማ፥ ነዚ ሕጻንዚ ወሲድኪ ኣጥብውለይ፡ ኣነ ኸኣ ዓስብኺ ኽህበኪ እየ፡ በለታ። እታ ሰበይቲ ድማ ነቲ ሕጻን ወሲዳ ኣጥበወቶ።
10. እቲ ሕጻን ከኣ ዐበየ፡ ናብ ጓል ፈርኦንውን ኣምጽኣቶ። ወዳ ድማ ዀነ። ካብ ማይ ኣውጺኤዮ እየ፡ ኢላ ስሙ ሙሴ ኣውጽኣትሉ።
11. ኰነ ድማ፡ በተን መዓልትታት እቲኤን ሙሴ ምስ ዐበየ፡ ናብ እሕዋቱ ወጺኡ፡ ነቲ ብርቱዕ ጻዕሮም ረአየ። ግብጻዊ ሰብኣይ ድማ ንእብራዊ ሰብኣይ፡ ካብቶም ኣሕዋቱ፡ ኪወቕዖ ረአየ።
12. ናብዝን ናብትን ግልጽ ግልጽ ኢሉ፡ ሰብ ከም ዜልቦ ምስ ረአየ፡ ነቲ ግብጻዊ ቐቲሉ፡ ኣብ ሑጻ ሐብኦ።
13. በታ ኻልኣይቲ መዓልቲ ድማ ወጸ፡ እንሆ፡ ክልተ እብራውያን ሰብኡት ኪበኣሱ ረአየ። ነቲ ዝዐመጸ፡ ከመይ ንብጻይካ እትወቕዖ፧ በሎ።
14. ንሱ ድማ፡ መን መስፍንን ፈራድን ገይሩ ኣብ ልዕሌና ሸመካ፧ ንስኻ ነቲ ግብጻዊ ኸም ዝቐተልካዮ ኽትቀትለኒዶ ትደሊ አሎኻ፧ በለ። ሽዑ ሙሴ ፈርሄ፡ እዚ ነገርዚ ብርግጽ ተፈሊጡ እዩ፡ ድማ በለ።
15. ፈርኦን ከኣ እዚ ነገርዚ ሰሚዑ ንሙሴ ኪቐትሎ ደለየ። ሙሴ ግና ካብ ቅድሚ ፈርኦን ሀደመ፡ ኣብ ምድሪ ሚድያን ድማ ተቐመጠ፡ ኣብ ጥቓ ዔላ ኸኣ ኮፍ በለ።
16. ካህን ሚድያን ድማ ሾብዓተ ኣዋልድ ነበራኦ። ንሳተን መጺኤን ነባጊዕ ኣቦኤን ኬስትያ፡ ማይ ቀዲሔን ነቲ ጋብላታት መልኣኦ።
17. ጓሶት ድማ መጺኦም ሰጐጕወን፡ ሙሴ ግና ተንሲኡ ረድኤን፡ ኣባጊዔን ድማ ኣስተየ።
18. ናብ ኣቦኤን ራጉኤል ምስ መጻ ኸኣ፡ ንሱ፤ ሎሚ ኸመይ ኢልክን ቀልጢፍክን መጺእክን፧ በለን።
19. ንሳተን ድማ፡ ሓደ ግብጻዊ ሰብኣይ ካብ ኢድ እቶም ጓሶት ኣድሐነና፡ ማይ ቀዲሑ ኸኣ ነባጊዕና ኣስተየልና፡ በላኦ።
20. ነዋልዱ ድማ፡ ኣበይ ደኣ አሎ፧ ስለምንታይከ ነቲ ሰብቲ ሐደግኽንኦ፧ እንጌራ ኺበልዕ ጸውዓኦ፡ በለን።
21. ሙሴ ድማ ምስቲ ሰብኣይ ኪነብር ፈተወ። ንሱ ኸኣ ጺጶራ ጓሉ ንሙሴ ሀቦ።
22. ወዲ ድማ ወለደት እሞ፡ ኣነ ኣብ ምድሪ ጓና ስደተኛ እየ፡ ኢሉ ስሙ ጌርሾም ኣውጽኣሉ።
23. ኰነ ድማ፡ ድሕሪ ብዙሕ መዓልቲ ንጉስ ግብጺ ሞተ። ደቂ እስራኤል ከኣ ካብ ባርነቶም እተላዕለ እህህ በሉ፡ ጨርሑ ድማ። እቲ ኣውያቶም ብዛዕባ ባርነቶም ከኣ ናብ ኣምላኽ ደየበ።
24. ኣምላኽ ድማ ቍዝማኦም ሰምዔ፡ ኣምላኽ ከኣ ነቲ ምስ ኣብርሃምን ምስ ይስሃቅን ምስ ያእቆብን ዝኣተዎ ኺዳን ዘከረ።
25. ኣምላኽ ድማ ናብ ደቂ እስራኤል ረአየ፡ ኣምላኽ ከኣ ህልዋቶም ፈለጠ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...