1. ደቂ እስራኤል ካብ ምድሪ ግብጺ ኻብ ዚወጹ ኣብ ሳልሰይቲ ወርሒበታ መዓልቲ እቲኣ ናብ በረኻ ሲና መጹ

2. ካብ ረፊዲም ተላዒሎም ናብ በረኻ ሲና መጹ፡ ኣብቲ በረኻ ድማ ሰፈሩእስራኤል ከኣ ኣብኡ ኣብ መንጽር እቲ ኸረን ሰፈረ

3. ሙሴ ድማ ናብ ኣምላኽ ደየበእግዚኣብሄር ከኣ ካብቲ ኸረን ጸዊዑ በሎንቤት ያእቆብ ከምዚ በሎምንደቂ እስራኤል ከኣ ንገሮም

4. እቲ ኣብ ግብጻውያን ዝገበርክዎበኽናፍ ንስሪ ጾይረ ናባይ ከም ዘምጻእኩኹምን ድማ ባዕላትኩም ርኢኹም ኢኹም።

5. ሕጂ ድማ ቃለይ ኣጸቢቕኩም እንተ ሰማዕኩምኪዳነይውን እንተ ሐሎኹምኵላ ምድሪ ናተይ እያ እሞ፡ ሓለፋ ዅሎም ህዝብታት ገንዘበይ ክትኰኑኒ ኢኹም።

6. ንስኻትኩም ድማ መንግስቲ ኻህናትን ቅዱስ ህዝብን ክትኰኑኒ ኢኹም። እቲ ንደቂ እስራኤል እትዛረቦም ነገር እዚ እዩ።

7. ሙሴ ድማ መጺኡ ንዓበይቲ ህዝቢ ጸውዔ፡ እቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ዅሉ ቓላት ነገሮም

8. ኵሎም ህዝቢ ኸኣ ብሓደ፡ ዀይኖምእግዚኣብሄር ዝበሎ ዅሉ ንገብር፡ ኢሎም መለሱሙሴ፡ ድማ ቃል እቲ ህዝቢ ናብ እግዚኣብሄር መለሰ

9. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴክዛረበካ ኸሎኹ፡ እቶም ህዝቢ ምእንቲ ኺሰምዑንሓዋሩ ድማ ኪኣምኑኻስ፡ እንሆ፡ ኣነ ብጸሊም ደበና ኽመጻካ እየ፡ በሎሙሴ ኸኣ ዘረባ እቶም ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ነገሮ

10-11. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎእግዚኣብሄር በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቢ ናብ ከረን ሲና ኺወርድ እዩ እሞ፡ ናብቶም ህዝቢ ኺድሎምን ጽባሕን ቀድሶምክዳውንቶም ከኣ ይሕጸቡ። ነታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ይዳለዉ

12. ነቶም ህዝቢ ድማ ብዙርያኡ ዶብ ግበረሎም። በሎም ከኣ፡ ናብ ከረን ከይትድይቡ፡ ወይ ነቲ ዶብ ከይትትንክዩ ተጠንቀቑ። ነቲ ኸረን ዝተንከየ ዘበለ ሞት ይሙት

13. ገለ ኢድ ኣይተንክዮእንስሳ እንተ ዀነ ወይ ሰብብዳርባ እምኒ ሓደው ብመንትግ ደኣ ይሙት እምበርብህይወት ኣይንበርመለኸት ኣንዊሑ ምስ ዚንፋሕ፡ ሽዑ ናብ ከረን ይደይቡ

14. ሙሴ ድማ ካብቲ ኸረን ናብቲ ህዝቢ ወረደነቲ ህዝቢ ኸኣ ቀደሶ፡ ንሳቶምውን ክዳውንቶም ሐጸቡ

15. ነቶም ህዝቢ ድማ፡ ነታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ተዳለዉናብ ሰበይቲ ኸኣ ኣይትቕረቡበሎም

16. ኰነ ኸኣ፡ በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኺወግሕ ከሎ ነጕድን በርቅን ከቢድ ደበናን ናብ ልዕሊ እቲ ኸረን ኰነ፡ ኣዝዩ ብርቱዕ ደሃይ መለኸትውን ተሰምዔ። እቲ ኣብ ሰፈር ዝነብረ ዅሉ ህዝቢ ድማ ተምበድበደ

17. ሙሴ ኸኣ ነቲ ህዝቢ ምስ ኣምላኽ ኪራኸብ ካብ ሰፈር ኣውጽኦ። ኣብ እግሪ ኸረን ድማ ደው በሉ።

18. እግዚኣብሄር ብሓዊ ናብኡ ስለ ዝወረደ፡ ኵሉ ኸረን ሲና ይተክኽ ነበረ። ትኪ ኸኣ ከም ትኪ እቶን ካብኡ ዐረገኵሉ እቲ ኸረን ኣዝዩ ኣንቀጥቀጠ

19. እቲ ደሃይ መለኸት ከኣ ኣዝዩ እናበርትዔ ኸደሙሴ ተዛረበእግዚኣብሄር ድማ ብቓሉ መለሰሉ

20. እግዚኣብሄር ከኣ ናብ ልዕሊ ኸረን ሲና ናብ ርእሲ እቲ ኸረን ወረደእግዚኣብሄር ንሙሴ ናብ ርእሲ እቲ ኸረን ጸውዖሙሴ ከኣ ደየበ

21. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴውረድ እሞ እቶም፡ ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ኪርእዩ ኸይቀርቡብዙሓት ከኣ ኸይጠፍኡስኣጠንቕቆም

22. እቶም ናብ እግዚኣብሄር ዚቐርቡ ኻህናት ድማ እግዚኣብሄር ከየጥፍኦም፡ ርእሶም ይቀደሱ፡ በሎ።

23. ሙሴ ኸኣ ንእግዚኣብሄር በሎ፡ ንስኻ፥ ናብ ዙርያ እቲ ኸረን ዶብ ግበር፡ ቀድሶ ድማ፡ ኢልካ ኣጠንቂቕካና ኢኻ እሞ፡ እቶም ህዝቢ ናብ ከረን ሲና ኺድይቡ ኣይኽእሉን

24. እግዚኣሄር ከኣ፡ ኪድ ውረድ እሞ፡ ንስኻ ኣሮን ድማ ምሳኻ ደይቡ። እቶም ካህናትን ህዝብን ግና ምእንቲ ኸየጥፍኦም፡ ናብ እግዚኣብሄር ኪድይቡ ኢሎም ኣይጥሐሱበሎ

25. ሙሴ ድማ ናብቶም ህዝቢ ወሪዱ ነገሮም