1. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ኣብ ምድሪ ግብጺ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦም

2. እዛ ወርሒ እዚኣ ንኣኻትኩም መጀመርታ ኣዋርሕ ትኹን፡ ንሳ መጀመርታ ኣዋርሕ ዓመት ትኹንኩም።

3. ንዅሉ ኣኼባ እስራኤል ከምዚ ኢልኩም ተዛረቡ፡ ኣብዛ ወርሒ እዚኣ ብዓስረይቲ መዓልቲ ነፍሲ ወከፍ ንቤት ኣቦ ሓደ ገንሸልነንቤት ሓደ ገንሸል ይውሰድ

4. እቶም ስድራ ቤት ንሓደ ገንሸል ዚውሕዱ እንተ ዀኑ፡ ንሱን እቲ ንቤቱ ዝቐረበ ጐረቤቱን ብቝጽሪ ነፍሳት ሓደ ይውሰድነፍሲ ወከፍ ከም ዚበልዕ መጠን ኣብቲ ገንሸል ቍጸሩ።

5. ዓመት ዝገበረ፡ ጐደሎ ዜብሉ ተባዕታይ ገንሸል ይኹነልኩም። ካብ ኣባጊዕ ወይ ካብ ኣጣል ትወስዱ

6. ኣብዛ ወርሒ እዚኣ ኸኣ ክሳዕ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ መዓልቲ ሐልውዎ። ሽዑ ዅሉ እቲ እኩብ ማሕበር እስራኤል ኪመሲ ኸሎ ይሕረዶ

7. ኣብታ ዚብልዓ ቤት ድማ፡ ካብቲ ደሙ ወሲዶምንኽልቲኡ ቐዋሚ ልዳትን ነቲ ላዕላይ ልዳትን ይልከይዎ

8. ነቲ ስጋኡ ድማ በታ ለይቲ እቲኣ ይብልዕዎብሓዊ ጠቢሶም፡ ምስ ቅጫን ምስ መሪር ሓምልን ይብልዕዎ

9. ምስናይ ርእሱን ኣእጋሩን ናውቲ ኸብዱን ብሓዊ ይጠበስ እምበር፡ ካብቲ ዝሕላ ዀነ፡ ካብቲ ብማይ ዝበሰለ ኣይትብልዑ

10. ካብኡ ድማ ገለ እኳ ኽሳዕ ንግሆ ኣይተትርፉ። እቲ ኻብኡ ኽሳዕ ንግሆ ዝተረፈ ኸኣ ብሓዊ ኣንድድዎ

11. ከምዚ ጌርኩም ድማ ክትበልዕዎ ኢኹም፡ ሓቛቝኹም ተዐጢቕኹምኣሳእንኩም ኣብ ኣእጋርኩምኣባትርኩም ከኣ ኣብ ኣእዳውኩም ሒዝኩም፡ ቀልጢፍኩም ብልዕዎ። ንሱ ፋስጋ እግዚኣብሄር እዩ።

12. በዛ ለይቲ እዚኣ ብምድሪ ግብጺ ኽሐልፍ እየ፡ ካብ ሰብ ክሳዕ እንስሳንዅሉ በዅሪ ሃገር ግብጺ ኽወቅዕ እየ። ኣብ ኵሎም ኣማልኽቲ ግብጺ ኸኣ ፍርድታት ክገብር ኣየ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ።

13. ንምድሪ ግብጺ ምስ ዝወቅዕ ድማ፡ ኣብተን ዘሎኹምወን ኣባይቲ እቲ ደም ምልክት ይኹንኩም፡ ነቲ ደም ርእየ ኽሐልፈኩም እየ። እቲ ዜጥፍእ መዓትውን ኣባኻትኩም ኣይከውንን

14. እዛ መዓልቲ እዚኣ ድማ ንመዘከርታ ትኹነልኩም፡ ንእግዚኣብሄር ከኣ ተብዕልዋሕጊ ዘለኣለም ጌርኩም ንውሉድ ወለዶ ኣብዕልዋ

15. ሾብዓተ መዓልቲ ቕጫ ትበልዑ። ካብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ኽሳዕ እታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ብኹዕ ዝበልዔ ዘበለ፡ እታ ነፍሲ እቲኣ ኻብ እስራኤል ክትቍረጽ እያ እሞ፡ በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ነቲ ማይ ብሑቝ ካብ ኣባይትኹም ኣውጽኡ

16. በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ቅዱስ ኣኼባበታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ድማ ቅዱስ ኣኼባ ይኹነልኩም። ብኣታተን ገለ ዕዮ ኣይገበር። እቲ ንነፍሲ ወከፍ ዚበልዖ፡ ንሱ ጥራይ ይተዐየየልኩም

17. ነዚ በዓል ቕጫ ሐልውዎበዛ መዓልቲ እዚኣ ንሰራዊትኩም ካብ ምድሪ ግብጺ ኣውጺኤዮ እየ እሞ፡ ነዛ መዓልቲ እዚኣ ንውሉድ ወለዶ ሕጊ ዘለኣለም ጌርኩም ሐልውዋ

18. ኣብታ ቐዳመይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒ ድማ ብመበል ዓሰርተው ኣርባዕተ መዓልቲ ምሸት፡ ክሳዕ መበል ዕስራን ሓደን መዓልቲ ምሸት ኣብታ ወርሒቅጫ ኽትበልዑ ኢኹም።

19. ወሰንተኛ እንተ ዀነ፡ ወይ ወዲ ዓዲ ብኹዕ ዝበልዔ ዘበለ፡ እታ ነፍሲ እቲኣ ኻብ ኣኼባ እስራኤል ክትቍረጽ እያ እሞ፡ በተን ሾብዓተ መዓልቲ ኣብ ኣባይትኹም ማይ ብሑቝ ኣይረከብ

20. ገለ እኳ ብኹዕ ኣይትብልዑኣብ ኵሉ እትነብርዎ ቕጫ ብልዑ

21. ሙሴ ድማ ንዅሎም ዓበይቲ እስራኤል ጸዊዑ በሎምነንማይ ቤትኩም ገንሸል ሐሪኹም ውሰዱ እሞ ፋስጋ ሕረዱ

22. ዕትርቲ ስምዕዛ ውሰዱ፡ ኣብቲ ኣብ ጭሔሎ ዘሎ ደም ከኣ ጥምዕዎ፡ ነቲ ላዕላይ ልዳትን ንኽልቲኡ ቀዋሚ ልዳትን በቲ ኣብ ጭሔሎ ዘሎ ደም ልኸይዎክሳዕ ብጊሓት ድማ ካባኻትኩም ሓደ ሰብ እኳ ካብ ኣፍ ቤቱ ኣይውጻእ

23. እግዚኣብሄር ንግብጻውያን ኪወቅዕ ኪሐልፍ እዩ እሞ፡ ነቲ ደም ኣብ ላዕላይ ልዳትን ኣብ ክልቲኡ ቀዋሚ ልዳትን ምስ ረአየእግዚኣብሄር ነታ ደገ ኺሐልፋ እዩ፡ ነቲ ዜጥፍእ ድማ ናብ ቤትኩም አትዩ ኺወቕዓኩም ኣይሐድጎን።

24. እዚ ነገርዚ ንኣኻን ንደቅኻን ሕጊ ዘለኣለም ጌርኩም ሐልውዎ

25. ኪኸውን ከኣ እዩ፡ ናብታ እግዚኣብሄር ዚህበኩም ምድሪ ምስ ኣቶኩም፡ ከምቲ እተዛረቦ፡ ነዚ ኣገልግሎት እዚ ሓልዉ

26. ኪኸውን ድማ እዩ፡ ደቅኹም፡ እዚ ኣገልግሎትኩም እንታይ እዩ፧ ምስ ዚብሉኩም

27. ንስኻትኩም ከኣ፡ እዚ ነቲ ንግብጻውያን ኪወቅዕ ከሎ፡ ኣብ ግብጺ ኣባይቲ ደቂ እስራኤል ዝሐለፈ፡ ኣባይትና ድማ ዘድሐነ እግዚኣብሄር መስዋእቲ ፋስጋ እዩ፡ ትብሉ። እቲ ህዝቢ ኸኣ ፍግም ኢሉ ሰገደ

28. ደቂ እስራኤል ድማ ከይዶም ከምኡ ገበሩ። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴን ንኣሮንን ዝኣዘዞም ገበሩ።

29. ፍርቂ ለይቲ ምስ ኰነእግዚኣብሄር ንዅሉ በዅሪ ሃገር ግብጺ፡ ካብቲ ኣብ ዝፋኑ ዚቕመጥ በዅሪ ፈርኦን ክሳዕ በዅሪ እቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘሎ እሱርንዅሉ በዅሪ እንስሳ ድማ ቐተለ

30. ሽዑ ፈርኦንንሱን ኵሎም ገላዉኡን ኵሎም ግብጻውያንን ብለይቲ ተንስኡምዉት ዜብላ ቤት ኣይነበረትን እሞ፡ ኣብ ግብጺ ብርቱዕ ዋይዋይታ ዀነ፡

31. ንሙሴን ንኣሮንን ብለይቲ ጸዊዑ ድማ፡ ንስኻትኩምን ደቂ እስራኤልን ተንስኡ እሞ ካብ ማእከል ህዝበይ ውጹ። ከምቲ ዝበልኩምዎ ኺዱንእግዚኣብሄር ኣገልግሉ

32. ከምቲ ዝበልኩምዎ ድማ፡ ኣባጊዕኩምን ኣሓኹምን ውሰዱኪዱ እሞ ንኣይ ከኣ መርቑኒ፡ በለ።

33. እቶም ግብጻውያን ድማ፡ ኵልና ኽንመውት ኢናኢሎም ነቶም ህዝቢ ኻብታ ሃገር ቀልቲፎም ኬውጽእዎም ሀወኽዋም

34. እቶም ህዝቢ ድማ ነቲ ብሑቖም ገና ኸይበዅዔ ወሰድዎ፡ ነቲ መልወሲኦም ከኣ ብኽዳውንቶም ጠቕሊሎም ኣብ መንኵቦም ጾርዎ።

35. ደቂ እስራኤል ከኣ ከምቲ ሙሴ ዝበሎም ገበሩ። ካብ ግብጻውያን ኣቓሑ ብሩርን ኣቓሑ ወርቅን ክዳውንትን ለመኑ

36. እግዚኣብሄር ድማ ነቶም ህዝቢ ዝደለይዎ ዅሉ ኺህብዎም ኣብ ቅድሚ ሰብ ግብጺ ሞገስ ሃቦም። ንሰብ ግብጺ ኸኣ ገፈፍዎም።

37. ደቂ እስራኤል ድማ ብዘይ ቈልዑ ሹድሽተ ሚእቲ ሽሕ ዚኣክል ኣጋር ካብ ራዕምሴስ ናብ ሱኮት ተጓዕዙ

38. ምስኦም ድማ ብዙሕ ሕውስዋስ ህዝብን ኣባጊዕን ኣሓንኣዝየን ብዙሓት ማል ደየበ

39. እቲ ኻብ ግብጺ ዘውጽእዎ ብሑቕ ኣይበዅዔን ነበረ እሞ፡ ካብኡ ቅጫታት ሰንከቱ። ካብ ግብጺ ስለ እተሰጉኪድንጕዩ ኣይከኣሉን እሞ፡ ስንቆም ኣየዳለዉን ነበሩ።

40. ደቂ እስራኤል ኣብ ግብጺ ተቐሚጦምዎ ዝነበሩ ኣርባዕተ ሚእትን ሰላሳን ዓመት እዩ።

41. ኰነ ኸኣ፡ ኣብ መወዳእታ እተን ኣርባዕተ ሚእትን ሰላሳን ዓመትበታ መዓልቲ እቲኣ ዀነ፡ ኵሎም ሰራዊት እግዚኣብሄር ካብ ምድሪ ግብጺ ወጹ

42. ኣዛ ለይቲ ኣዚኣ፡ ብእኣ ኻብ ምድሪ ግብጺ ስለ ዘውጽኦምንእግዚኣብሄር ፍጹም እተሐለወት እያ፡ እዛ ለይቲ እዚኣ ብዅሎም ደቂ እስራኤል ንዉሉድ ወለዶኦም ፍጹም ንእግዚኣብሄር ኣተሐለወት እያ።

43. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን በሎምሕጊ ፋስጋ እዚ እዩ፡ ጓና ዘበለ ኻብኡ ኣይብላዕ

44. ብገንዘብ እተዓደገ ባርያ ግና፡ ምስ ገዘርካዮ፡ ካብኡ ይብላዕ

45. ስደተኛን በዓል ዓስብን ካብኡ ኣይብላዕ

46. ኣብ ሓንቲ ቤት ይብላዕ። ካብቲ ስጋ ገለ እኳ ኻብ ቤት ንግዳም ኣይተውጽእዓጽሚ ድማ ኣይትስበሩ

47. ኵሉ ኣኼባ እስራኤል ነዚ ይግበሮ

48. ጓና ምሳኻ እንተ ተቐመጠ እሞ ንእግዚኣብሄር ፋስጋ ኺገብር እንተ ደለየ፡ ምስኡ ዘሎ ተባዕታይ ዘበለ ዅሉ ይገዘር፡ ሽዑ ኺገብር ይቕረብ፡ ከም ወዲ ዓዲ ኸኣ ይኹን። ዘይግዙር ዘበለ ግና ካባኡ ኣይብላዕ

49. ንወዲ ዓድን ኣብ መንጎኹም ንዚነብር ጓናን ሓደ ሕጊ ይኹን።

50. ኵሎም ደቂ እስራኤል ድማ እዚ ገበሩ። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴን ንኣሮንን ዝኣዘዞም፡ ከምኡ ገበሩ

51. ኰነ ኸኣእግዚኣብሄር በታ መዓልቲ እቲኣ ንደቂ እስራኤል በብሰራዊቶም ካብ ምድሪ ግብጺ ኣውጽኤ