1. ምእንቲ ብህይወት ክትነብሩን ክትበዝሑን፡ ናብታ እግዚኣብሄር ነቦታትኩም ዝመሐለሎም ምድሪ ኽትኣትዉን ክትወርስዋን፡ ነዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘሎኹ ዅሉ ትእዛዛት ተጠንቂቕኩም ግበርዎ

2. እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ድማ በዘን ኣርቦኣ ዓመት ኣብ በረካ ዝመርሓካ ዅሉ መገዲትእዛዛቱ እትሕሉ እንተ ዄንካ ወይ ዘይትህሉ፡ ኣብ ልብኻ ዘሎ ዅሉ ምእንቲ ኺፈልጥ፡ ኪፍትነካ ኢሉ ኸም ዘዋረደካዘክር

3. ሰብ ካብ ኣፍ እግዚኣብሄር ብዚወጽእ ኵሉ ነገር ደኣ እምበር፡ ብእጌራ ጥራይ ከም ዘይነብር ምእንቲ ኼፍልጠካንሱ ኣዋረደካ፡ ኣጥመየካ፡ ንስኻ ዘይፈለጥካዮ ኣቦታትካውን ዘይፈለጥዎ ማና ኸኣ ኣብልዓካ

4. በዘን ኣርብዓ ዓምት ክዳንካ ኣባኻ ኣይበለየን፡ እግርኻውን ኣይሐበጠን

5. ሰብ ንወዱ ኸም ዚቐጽዕእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ድማ ከምኡ ኸም ዝቐጽዓካብልብኻ ፍለጥ

6. እምበኣር ብመገዱ ንምኻድን ንእኡ ንምፍራህንትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሐሉ

7. እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ናብ ጽብቕቲ ምድሪ ኼእትወካ እዩ እሞ፡ ወሓዝቲ ማያት ኣብ ሽንጭሮታትን ኣብ ኣኽራንን ዚፍልፍሉ ዓይኒ ማያትን ዔላታትን ዘለዋ፡

8. ምድሪ ስርናይን ስገምን ወይንን በለስን ሮማንንምድሪ ናይ ዘይቲ ኣውልዕን መዓርን

9. እንጌራ ድኽነት ዘይትበልዓላገለ እኳ ዘይጐድለካ ምድሪኣእማና ሓጺንካብ ኣኽራና ድማ ኣስራዚ እትዅዕተላ ምድሪ።

10. ክትበልዕን ክትጸግብን ኢኻ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸኣ፡ እታ ጽብቕቲ ምድሪ ስለ ዝሀበካከተመስግኖ ኢኻ።

11. ነዚ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ትእዛዛቱን ፍርድታቱን ሕጋጋቱንብዘይ ምሕላውካ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸይትርስዖ፡ ንርእስኻ ተጠንቀቕ

12. በሊዕካ ምስ ጸገብካን ጽቡቓት ኣባይቲ ሰሪሕካ ምስ ተቐመጥካየንን

13. ኣሓኻን ኣባጊዕካን ምስ ሰሰና፡ ብሩርን ወርቅን ከኣ ምስ በዝሓልካ፡ ዘሎካ ዅሉ ድማ ምስ በዝሔ

14. ሽዑ ልብኻ ከይዕበ እሞ ነቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ኻብ ቤት ባርነት ዘውጽኣካ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸይትርስዕ

15. በቲ ዚነዱ ኣትማንን ዕንቅርቢታትን ዘለውዎ፡ ማይ ብዜብሉ ኣጻምእ ገፊሕን ዜፍርህን በረኻ ዝመርሓካ፡ ካብ ጽኑዕ ከውሒ ማይ ዘውጽኣልካ

16. ኣብ በረኻኣቦታትካ ዘይፈለጥዎ ማና ዘብልዓካ፡ እዚ ኸኣ ምእንቲ ኼዋርደካን ኪፍትነካን ኣብ መወዳእታውን ኬጸብቐልካ ኢሉ እዩ።

17. ብልብኻሓይለይን ጽንዓት ኢደይን እዚ ዅሉ ሃብቲ ደለበለይከይትብል እዩ።

18. ከምዚ ናይ ሎሚ ነቲ ነቦታትካ ዝመሓለሎም ኪዳን ኬቕውምሃብቲ ኽትድልብ ሓይሊ ዚህበካስ፡ ንሱ እዩ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዘክር

19. ኪኸውን ድማ እዩ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ እንተ ረሳዕካደድሕሪ ኻልኦት ኣማልኽቲ ኸኣ እንተ ሰዐብካን እንተ ኣምለኽካዮምን፡ እንተ ሰገድካሎምን ከኣ፡ ብርግጽ ከም እትጠፍኡሎሚ እምስክረልኩም አሎኹ።

20. ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ስለ ዘይሰማዕኩም፡ ከምቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሜኹም ዘጥፍኦም ህዝብታት፡ ከምኡ ኽትጠፍኡ ኢኹም።