1. እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ናብታ ኽትወርሳ እትአትዋ ዘሎኻ ምድሪ ምስ ኣእተወካብዙሓት ህዝብታትውን ካብ ቅድሜካ ምስ ሰጐጐልካ፡ ሔታውያንን ጌርሳውያንን ኣሞራውያንን ከነኣናውያንን ፈረዛውያንን ሃዋውያንን ይቡሳውያንንሾብዓተ ኻባኻ ዚዐብዩን ዚሕይሉን ህዝብታት

2. እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብ ቅድሜካ ኣሕሊፉ ምስ ዚህበካ፡ እሞ ምስ እትወቕዖም፡ ፈጺምካ ኣጥፍኣዮምኪዳን ኣይትተኣታተዎም ኣይትምሐሮምውን።

3. ኣይትዋሰቦም፡ ጓልካ ንወዱ ኣይትሀቦጓሉ ኸኣ ንወድኻ ኣይትውሰድ

4. ንደቅኻካልኦት ኣማልኽቲ ምእንቲ ኼምልኹ ካብ ምስዓበይ ይመልሶም እሞ፡ ኵራ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌኹም ይነድድቀልጢፉ ኸኣ የጥፍኣካ።

5. ከምዚ ደኣ ግበርዎምመሰውኢታቶም ኣፍርሱሐወልትታቶምውን ሰብብሩ፡ ጣኦታቶም ኣውድቑ። እተጸርበ ምስልታቶም ከኣ ብሓቂ ኣንድዱ

6. ንስኻስ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ቅዱስ ህዝቢ ኢኻ እሞ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ካብ ኲሎም ኣብ ልዕሊ ገጽ ምድሪ ዘለዉ ህዝብታት ፈልዩ፡ ህዝቡ ኽትኰኖ ሐረየካ

7. እግዚኣብሄር ዝፈተወኩምን ዝሐረየኩምን፡ ካብ ኵሎም ካልኦት ህዝብታት ስለ ዝበዛሕኩም ኣይኰነን፡ ካብ ኵሎም ህዝብታት እኳ ንስኻትኩም ትውሕዱ

8. እግዚኣብሄር ስለ ዝፈተወኩምን እቲ ነቦታትኩም ዝመሐለሎም ማሕላ ስለ ዝሐለወን፡ እግዚኣብሄር ብሓያል ኢድ ኣውጽኣኩምካብ ቤት ባርነት ድማ፡ ካብ ኢድ ፈርኦን ንጉስ ግብጺኣድሐነካ

9. እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንሱ ኣምላኽ ከም ዝዀነ፡ ንዚፈትውዎን ትእዛዙ ንዚሕልዉን ክሳዕ ሽሕ ወለዶ ምሕረት ዚገብር፡ ኪዳን ዚሕሉ እሙን ኣምላኽ ከም ዝዀነ፡ ፍለጥ

10. ነቶም ዚጸልእዎ ግና፡ ኣብ ቅድሚ ገጾም ንጥፍኣቶም ይፈድዮም። ንዚጸልኦ ኣይድንጕን፡ ኣብ ቅድሚ ገጹ ደኣ ይፈድዮ

11. እምበኣርሲ፡ እዚ ሎሚ ኣነ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ትእዛዝን ሕጋጋትን ፍርድታትን ክትገብሮተጠቀቕ

12. ኪኸውን ድማ እዩ፡ እዚ ፍርድታት እዚ ሰሚዕካ ስለ ዝሐሎኻዮን ስለ ዝገበርካዮን፡ ንኣኻ ድማ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እቲ ነቦታትካ ዝመሐለሎም ኪዳንን ምሕረትን ኪሕልወልካ እዩ፡

13. ኪፈትወካን ኪባርኸካን ኬብዝሓካን ከኣ እዩ። ኣብታ ንኣኻ ኺህበካ ነቦታትካ ዝመሐለሎም ምድሪ ድማ፡ ፍረ ኸርስኻን ፍረ ምድርኻን ስርናይካን ወይንኻን ዘይትኻን፡ ኣባትይ ኣሓኻን ዕያውቲ ኣባጊዕካን ኪባርኸልካ እዩ።

14. ሓለፋ ዂሎም ህዝብታት ክትባረኽ ኢኻ። ኣባኻ ሰብኣይ ኰነ ሰበይቲ ወይ ኣብ ማልካ መኻን ኣይከውንን።

15. እግዚኣብሄር ድማ ሕማም ዘበለ ኻባኻ ኼርሕቕ እዩ፡ እቲ እትፈልጦ ዅሉ ኽፉእ ሕማም ግብጺ ድማ ኣየምጽኣልካን እዩ። ናብ ኵሎም ዚጸልኡኻ ደኣ የምጽኣሎም።

16. እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንዚህበካ ዅሎም ህዝብታት ድማ ክትውድኦም ኢኻ፡ ዓይንኻ ኣይትንሐፎምኣማልኽቶምውን መፈንጠራ ኸይኰኑኻ፡ ኣይተምልኮም።

17. ብልብኻ ድማ፡ እዞም ህዝብታት እዚኣቶም ካባይ ዚበዝሑ እዮም እሞ፡ ከመይ ገይረ ኸውጽኦም እኽእል፧ እንተ በልካ

18. ኣይትፍርሃዮም፡ እቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብ ፈርኦንን ኣብ ኵላ ግብጽን ዝገበሮ

19. ነቲ ኣዒንትኻ ዝረኣያኦ ዓብዪ ፈተናታትን ትእምርትታትን ተኣምራትን፡ ነታ ሓያል ኢድን ዝርግሕቲ ቕልጽምን እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብእኣ ዘውጽኣካ፡ ኣጸቢቕካ ዘክር። ነዞም ኵሎም እትፈርሆም ዘሎኻ ህዝብታት፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸምኡ ኺገብሮም እዩ።

20. ነቶም ዝተረፉን ካብ ቅድሜኻ እተሐብኡን ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽሳዕ ዚጠፍኡ፡ ዕኰት ኪሰደሎም እዩ።

21. እቲ ዓብይን መፍርህን ኣምላኽ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ኣብ ማእከልካ እዩ እሞ፡ ብኣታቶም ኣይትፍራህ

22. ነዞም ህዝብታት እዚኦም እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኻብ ቅድሜኻ በብሒደት ኪሰጎም እዩ። ኣራዊት መሮር ምእንቲ ኸይበዝሑኻስብሓንሳእ ከተጥፍኦም ኣይትኽእልን

23. እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንኣታቶም ኣብ ቅድሜኻ ኣሕሊፉ ኺህበካ እዩ፡ ብዓብዪ ስምባድ ድማ ክሳዕ ዚጠፍኡ የሸብሮም

24. ንነገስታቶም ከኣ ኣብ ኢድካ ኺህበካ እዩ፡ ስሞም ድማ ካብ ትሕቲ ሰማይ ከተጥፍእ ኢኻ። ክሳዕ እተጥፍኦም፡ ኣብ ቅድሜኻ ኪቃወም ዚኽእል ሰብ የልቦን።

25. እተወቕረን እተጸርበን ምስልታት ኣማልኽቶም ብሓዊ ኣንድዱ፡ ነቲ ኣባታቶም ዘሎ ብሩርን ወርቅን ኣይትመነዮ፡ እዚ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ፍንፉን እዩ እሞ፡ ብእኡ ኸይትሕንኰልሲ፡ ካብኡ ንኣኻ ገለ ኣይትውሰድ።

26. ንስኻ ድማ ከምኡ ምእንቲ ሕሩም ከይትኸውንሲ፡ ገለ ፍንፉን ነገር ናብ ቤትካ ኣይተእቱተሐሪሙ እዩ እሞ፡ ኣዚኻ ጽልኣዮን ፈንፍኖን