1. እቲ ኣብታ ክትርስተይዋ እትሐልፍዋ ዘሎኹም ሃገር ክትገብርዎ፡ ኣነ ኽምህረኩምእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝአዘዘኒ ትእዛዛትን ሕጋጋትን ፍርድታትን ድማ እዚ እዩ።

2. ንስኻን ወድኻን ደቂ ደቅኻን ምሉእ ዕድሜኻ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምእንቲ ኽትፈርህዕድሜኻ ድማ ምእንቲ ኺነውሕ፡ እዚ ኣነ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ዅሉ ትእዛዛቱን ሕጋጋቱን ሐሉ

3. ስለዚ፡ ዎ እስራኤል፡ ስማዕ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትካ ዝበለካ፡ ኪጽብቐልካን ኣብታ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ሃገርን ድማ ኣዚኻ ኽትበዝሕን፡ ክትገብሮ ተጠንቀቕ

4. ዎ እስራኤልስማዕእግዚኣብሄር ኣምላኽና ሓደ እግዚኣብሄር እዩ።

5. ንስካ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብዅሉ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓይልኻን ፍተዎ

6. እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ቓላት ኣብ ልብኻ ይኹን።

7. ንደቅኻ ምሀሮምኣብ ቤትካ ኾፍ ምስ በልካን ኣብ መገዲ ኽትከይድ ከሎኻን ኣብ በጥ ምባልካን ኣብ ምትንሳእካን ብእኡ ተዛረብ

8. ንምልክት ኣብ ኢድካ እሰሮኣብ መንጎ ኣዒንትኻ ድማ ክታብ ይኹን።

9. ኣብ ልዳት ቤትካን ኣብ ማዕጾኻን ድማ ጽሐፎ

10. ኪኸውን ድማ እዩ፡ ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ነቦታትካንኣብርሃምን ንይስሃቅን ንያእቆብን፡ ንኣኻ ኺህበካዝመሐለሎም ምድሪ፡ ምስ ኣእተወካ፡ ዘይሰራሕካየን ዓበይትን ጽቡቓትን ከተማታት

11. ዘይመላእካየን ኵሉ ጽቡቕ ዘበለ ዝመልኣ ኣባይትንዘይኰዐትካዮ ዅዑት ዔላታትን፡ ዘይተኸልካዮ ወይንን ኣውልዕን ከኣ ምስ ሀበካ፡ እሞ በሊዕካ ምስ ጸገብካ

12. ሽዑ ነቲ ኻብ ምድሪ ግብጺካብ ቤት ባርነት ዘውጽኣካ እግዚኣብሄር ከይትርስዖ ተጠንቀቕ

13. ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ፍራህ፡ ንእኡ ድማ ኣገልግል ብስሙውን ምሐል።

14-15. እቲ ኣብ ማእከልካ ዘሎ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ቀናእ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ኵራ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣባኻ ኸይነድድ ካብ ገጽ ምድሪውን ከየብርሰካስ፡ እቶም ኣብ ዙርያኻ ዚነብሩ ህዝብታት ንዜምልኽዎም ካልኦት ኣማልኽቲ ኣይትስዐቡ

16. ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፡ ከምቲ ኣብ ማሳ ዝፈተንኩምዎኣይትፈትንዎ

17. ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩምንዝአዘዘካ ምስክሩን ሕጋጋቱን ከኣ ኣጽኒዕኩም ሐልዉ

18-19. ከምቲ እግዚኣብሄር እተዛረቦ፡ ምእንቲ ኺጽብቐልካንዅሎም ጸላእትኻ ኻብ ቅድሜኻ ኪሰጎም፡ ናብታ እግዚኣብሄር ነቦታትካ ዝመሐለሎም ጽብቕቲ ምድሪ ኸኣ ክትኣቱን ክትርስተያን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕን ጽቡቕን ግበር

20. ንዳሕራዩ ወድኻ፡ እዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝአዘዘኩም ምስክራትን ሕጋጋትን ፍርድታትን እንታይ እዩ፧ ኢሉ እንተ ሐተተካ

21. ሽዑ ንወድኻ በሎ፡ ኣብ ግብጺ ባሮት ፈርኦን ነበርናእግዚኣብሄር ከኣ ብሓያል ኢድ ካብ ግብጺ ኣውጽኣና

22. እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ግብጺኣብ ፈርኦንን ኣብ ብዘሎ ቤቱን፡ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ዓበይትን ዚጐድእን ትእምርትን ተኣምራትን ገበረ

23. ንኣና ግና፡ ናብታ ነቦታትና ዝመሐለሎም ምድሪ ምእንቲ ኼእትወናን ንእኣ ኺህበናን፡ ካብ ግብጺ ኣውጽኣና

24. ምሉእ ዕድሜና ምእንቲ ጽቡቕ ኪዀነልና ኸምዚ ሎሚ ዘሎናዮ ኸኣ፡ ብህይወት ኬንብረናእግዚኣብሄር ነዚ ዅሉ ትእዛዛት ክንገብሮ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ድማ ክንፈርሆ ኣዘዘና

25. ንኣና ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፡ ከምቲ ዝአዘዘና፡ ንዅሉ እዚ ትእዛዛት እዚ ንምግባሩ እንተ ተጠንቀቕናጽድቂ ይዀነልና