1. ሙሴ ድማ ንዂሎም እስራኤል ጸዊዑበሎምዎ እስራኤል፡ እዚ ኣነ ሎሚ ኣብ ኣእዛንኩም ዝነግረኩም ዘሎኹ ሕጋጋትን ፍርድታትን ስማዕ፡ ተመሀርዎን ሐልውዎን ግበርዎን ከኣ።

2. እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኣብ ሆሬብ ምሳና ኺዳን አተወ

3. እግዚኣብሄር እዚ ኺዳን እዚ፡ ንሕና ዂልና ኣብዚ ሎሚ ብህይወት ምስ ዘሎና፡ ምሳና እምበርምስ ኣቦታትና ኣይአተዎን

4. እግዚኣብሄር ኣብቲ ኸረን ካብ ማእከል ሓዊ ገጽ ንገጽ ተዛረበኩም

5. ሽዑ ሓዊ ፈሪሀኩም ናብቲ ኸረን ኣይደየብኩምን እሞ በታ ጊዜ እቲኣ፡ እቲ እግዚኣብሄር እተዛረቦ ምእንቲ ኽነግረኩም፡ ኣነ ኣብ መንጎ እግዚኣብሄርን ኣብ መንጎኹምን ቈምኩ። ንሱ በለ

6. ካብ ምድሪ ግብጺካብ ቤት ባርነት ዘውጻእኩኻኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ።

7. ኣብ ቅድመይ ካልኦት ኣማልኽቲ ኣይሀልዉኻ።

8. ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ካብ ዘለዉ፡ ኣብ ታሕቲ ኣብ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፡ ወይ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኣብ ማይ ካብ ዘለዉ እተወቕረ ምስልን ስእሊ ዘበለን ንኣኻ ኣይትግበር

9. ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ንዚጸልኡኒ ሓጢኣት ኣቦታት ኣብ ደቂ ኽሳዕ ሳልሳይን ክሳዕ ራብዓይን ወለዶ ዝቐጽዕቀናእ ኣምላኽ እየ እሞ፡ ኣይትስገደሎም፡ ኣይተምልኮም።

10. ንዚፈትዉኒትእዛዛተይ ንዚሕልዉ ኸኣ ክሳዕ ሽሕ ወለዶ ምሕረት ዝገብር እየ።

11. እግዚኣብሄር ስሙ ብኸንቱ ንዜልዕል ናጻ ኣይሓድጎን እዩ እሞ፡ ስም እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብኸንቱ ኣይተልዕል

12. ንመዓልቲ ሰንበት ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝአዘዘካክትቅድሳ ሐልዋ

13. ሹድሽተ መዓልቲ ዕዮኲሉ ተግባርካ ግበሮ

14. እታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ግና ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሰንበት እያ። ብእኣ ግዙእካን ግዝእትኻን ድማ ከማኻ ምእንቲ ኺዐርፉስ፡ ንስኻን ወድኻን ጓልካን ግዙእካን ግዝእትኻን ብዕራይካን ኣድግኻን ወይ ኵሉ ማልካ፡ ወይ ኣብ ውሽጢ ደጌኻ ዘሎ ጓናኻ ዝዀነ ዕዮ ኣይትዕየዩ

15. ንስኻ ድማ ኣብ ሃገር ግብጺ ባርያ ኸም ዝነበርካ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸኣ ብጽንዕቲ ኢድን ብዝርግሕቲ ቕልጽምን ካብኣ ኸም ዝውጽኣካ ዘክር፡ ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ መዓልቲ ሰንበት ክትሕሉኣዘዘካ

16. ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ዕድሜኻ ምእንቲ ኺነውሕ፡ ምእንቲ ኺጽብቐልካውን፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝአዘዘካኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር

17. ኣይትቕተል

18. ኣይትዘሙ

19. ኣይትስረቕ

20. ኣብ ብጻይካ ብሓሶት ኣይትመስክር

21. ሰበይቲ ብጻይካ ኣይትመነቤት ብጻይካ፡ ግራቱ ወይ ግዙኡ ወይ ግዝእቱብዕራዩ ወይ ኣድጉ ወይ ናይ ብጻይካ ዘበለ ዅሉ ኣይትመነ

22. እዘን ቃላት እዚኤን እግዚኣብሄር ኣብቲ ኸረን ካብ ማእከል ሓውን ደበናን ጣቓን ዓው ኢሉ፡ ንብዘላ ማሕበርኩም ተዛረበ፡ ካልእ ኣይወሰኸን። ኣብ ክልተ ጽላት እምኒ ጺሒፉ ኸኣ ንኣይ ሀበኒ

23. ኰነ ኸኣ፡ ኲሉ እቲ ኸረን ኪነድድ ከሎ፡ ካብቲ ጸልማት ቃል ምስ ሰማዕኩ፡ ኵላቶም ሓላቑ ነገዳትኩምን ሽማግሌታትኩምን ናባይ ቀረብኩም

24. በልኩም ድማ፡ እንሆ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኽብረቱን ዕቤቱን ኣርኣየናድምጹውን ካብ ማእከል ሓዊ ሰማዕናኣምላኽ ምስ ሰብ ኪዛረብ፡ ንሱ ኸኣ ብህይወት ኪነብር ሎሚ ርኤና።

25. ሕጂ ድማ ስለምንታይ እንመውት፧ እዚ ዓብዪ ሓዊ ኺበልዓና እዩ እሞ፡ ድምጺ እግዚኣብሄር ኣምላኽና መሊስና እንተ ሰማዕና፡ ክንመውት ኢና።

26. ካብ ኵሉ ስጋኸ ኸማና ድምጺ ህያው ኣምላኽ ካብ ማእከል ሓዊ ኺዛረብ ሰሚዑስ ብህይወት ዝነበረ መን አሎ፧

27. ንስኻ ደኣ ቕረብእግዚኣብሄር ኣምላኽና ዚብሎ ዅሉ ድማ ስማዕ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝነግረካ ዅሉውን ንስኻ ንገረና፡ ንሕና ኸኣ ክንሰምዖን ክንገብሮን ኢና።

28. ክትዛረቡኒ ኸሎኹም ድማ፡ እግዚኣብሄር ቃል ዘረባኹም ሰምዔ፡ እግዚኣብሄር ከኣ በለኒ፡ ቃል ዘረባ እዚ ህዝቢ እዚ እቲ እተዛረቡኻ ሰሚዔዮ አሎኹ፡ እትዛረብዎ ዅሉ ጽቡቕ እዩ፡

29. እሞ ንኣታቶምን ንደቆምን ንዘለኣለም ምእንቲ ኺጽብቐሎምኪፈርሁንን ኵሉ ትእዛዛተይ ኪሕልዉን፡ ንሓዋሩ እዚ ልቢ እዚ እንተ ዚህልዎም መን ምሀበ።

30. ኪዱ፡ ናብ ድንኳናትኩም ተመለሱበሎም

31. ንስኻ ግና፡ ኣብታ ኣነ ንርስቲ ዝህቦም ምድሪ ኺገብርዎ፡ እቲ እትምህሮም ሕጋጋተይን ትእዛዛተይ ፍርድታተይ ክነግረካኣብዚ ምሳይ ደው በል።

32. ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝኣዘዘኩም ክትገብሩ ድማ ተጠንቀቑ። ካብኡ ንየማን ኰነ ንጸጋም ኣይትዝበሉ።

33. ኣብታ እትወርስዋ ምድሪ ምእንቲ ብህይወት ክትነብሩ፡ ኪጽብቐልኩምውን ዕድሜኹም ድማ ኪነውሕ፡ በታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝአዘዘኩም ኵላ መገዲ ኺዱ