1. ሕጂ ድማዎ እስራኤል፡ ምእንቲ ብህይወት ክትነብሩን ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም ዚህበኩም ምድሪ ኽትአትዉን ክትወርስዋን፡ ነዚ ኣነ ኽትገብሮ ኢለ ዝምህረካ ዘሎኹ ሕጋጋትን ፍርድታትን ስማዕ።

2. ነዚ ኣነ ዝእዝዘኩም ዘሎኹ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምእንቲ ኽትሕልዉ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣነ ዝእዝዘኩም ነገር ኣይትወስኹ፡ ካብኡ ኸኣ ኣይትነክዩ።

3. እግዚኣብሄር ብናይ በዓል-ጴዖር ዝገበሮእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ነቶም ንበዓል-ጴዖር ዝሰዐቡ ዂሎም ሰባት ካብ ማእከልካ ኸምዘጥፍኦምኣዒንትኹም ርእየን

4. ንስኻትኩም ግና ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እተጸጋዕኩምኲልኻትኩም ሎሚ ብህይወትኩም አሎኹም።

5. እንሆ፡ ኣብታ ኽትወርስዋ እትአትውዋ ዘሎኹም ሃገር ከምኡ ኽትገብሩ፡ ኣነ ኸምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ዝአዘዘኒ ሕጋጋትን ፍርድታትን መሀርኩኹም

6. ንስኻትኩም ከኣ፡ እዚኣተን ኣብ ቅድሚ ህዝብታት ጥበብኩምን ምስትውዓልኩምን እየን እሞ፡ ስለዚ ሐልውወን ግበርወን ድማንዂሉ እዚ ሕጋጋት እዚ ሰሚዖምእዚ ዓብዪ ህዝቢ እዚ ብሓቂ ፈላጥን ኣስተውዓልን ህዝቢ እዩ፡ ኪብሉ እዮም።

7. ከምቲ እግዚብሄር ኣምላኽና ብእንጽውዖ ዘበለ ዚቐርበና፡ ከምኡ ኣምላኹ ዚቐርቦ፡ ኣየናይ ዓብዪ ህዝቢ እዩ፧

8. ከምዚ ኣነ ሎሚ ኣብ ቅድሜኹም ዘንብረልኩም ዘሎኹ ዂሉ ሕጊ፡ ከምኡ ቅኑዕ ሕጋጋትን ፍርድታትን ዘለዎኸ፡ ኣየናይ ዓብዪ ህዝቢ እዩ፧

9. ሓንትስ እቲ ዓይንኻ ዝረኣዮ ነገር ከይትርስዖብዂሉ መዓልትታት ህይወትካ ድማ ካብ ልብኻ ኸይወጽእንደቅኻን ንደቂ ደቅኻን ደኣ ኸተፍልጦም፡ ንርእስኻ ተጠንቀቕነፍስኻ ሐሉ

10. እታ ኣብ ሆሬብ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝቘምካላ መዓልቲእግዚኣብሄር ከኣ፡ እቶም ህዝቢ ኣብ ምድሪ ዚነብሩለን ኲለን መዓልትታት ምፍራሄይ ኪመሀሩንደቆም ድማ ኪምህሩስቃለይ ከስምዖም ናባይ ኣክቦም፡ ኢሉ ተዛረበኒ።

11. ንስኻትኩም ድማ ቀረብኩምኣብ እግሪ እቲ ኸረን ከኣ ደው በልኩም። እቲ ኸረንውን ክሳዕ ማእከል ሰማይ ሓዊ ይነድድ ነበረ፡ ጸልማትን ደበናን ጣቓን ድማ ነበሮ።

12. እግዚኣብሄር ከኣ ካብ ውሽጢ እቲ ሓዊ ተዛረበኩምድምጺ ዘረባኡ ሰማዕኩም፡ ድምጺ ጥራይ እምበር፡ መልክዕሲ ከቶ ኣይርኤኹምን

13. እቲ ኽትገብርዎ ዝአዘዘኩም ኪዳንዓሰርተ ቓላት ድማ ገለጸልኩምኣብ ክልተ ጽላት እምኒ ኸኣ ጸሐፎ

14. እግዚኣብሄር በታ ጊዜ እቲኣ ድማ ንኣይ ኣብታ ኽትወርስዋ እትሐልፍዋ ምድሪ ኽትገብርዎ ሕጋጋትን ፍርድታትን ክምህረኩም ኣዘዘኒ

15. በታ እግዚኣብሄር ኣብ ሆሬብ ካብ ማእከል ሓዊ ኺዛረበኩም መዓልቲ ገለ መልክዕ እኳ ኣይርኤኹምን እሞ፡ ተጠንቂቕኩም ነፍሳትኩም ሐልዉ

16. ብዝዀነ ምስሊብመልኽዕ ሰብኣይ ወይ ናይ ሰበይቲ እተወቕረ ምስሊ ብምግባርኩም ከይትባላሸዉ

17. ኣብ ልዕሊ ምድሪ ናይ ዘሎ ምስሊ ዂሉ እንስሳ፡ ምስሊ መንፈሪ ዘለዋ ኣብ ሰማይ እትነፍር ዑፍውን

18. ምስሊ ኣብ ምድሪ ለመም ዚብል ኲሉ፡ ምስሊ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኣብ ማይ ዘሎ ዂሉ ዓሳ ኸኣ፡

19. ጸሓይን ወርሕን ከዋኽብትንኲሎም ሰራዊት ሰማይ ርኢኻ ኣዒንትኻ ንሰማይ ከይተልዕል፡ እሞ ነቶም እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘለዉ ዂሎም ህዝብታት ዝመቐሎም፡ ናብ ምስጋዶምን ምግልጋሎምን ከይትስሐብ ተሐሎ።

20. ንኣኻትኩም ግና ከምዚ ሎሚ ዘሎኹምዎ፡ ምእንቲ ህዝቢ ርስቲ ኽትኰንዎ ኢሉ፡ እግዚኣብሄር ካብ እቶን ሓጺንካብ ግብጺ ኣውጺኡኩም እዩ።

21. እግዚኣብሄር ድማ ብሰርኹም ተቘጥዓኒ እሞ፡ ኣነ ንዮርዳኖስ ከይሳገር፡ ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንርስቲ ዚህበካ ጽብቕቲ ምድሪ ኸኣ ከይአቱ መሐለ

22. ኣነ ንዮርዳኖስ ከይተሳገርኩ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኽመውት እየ እሞ፡ ንስኻትኩም ግና ክትሳገሩ ነታ ጽብቕቲ ምድሪ ድማ ክትወርስዋ ኢኹም።

23-24. እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚባላዕ ሓዊቀናእ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምሳኻትኩም ዝአተዎ ኺዳን ከይትርስዑ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝኸልከለካ ዘበለ ገለ መልክዕ ዘለዎ እተወቕረ ምስሊ ኸይትገብሩ ተጠንቀቑ

25. ደቅን ደቂ ደቅን ምስ ወለድካኣብታ ምድሪ ኸኣ ነዊሕ ዘበን ምስ ተቐመጥኩም፡ ናይ ዝዀነ ገለ መልክዕ ዘለዎ እተወቕረ ምስሊ ብምግባርኩም ምስ እትበላሸዉ፡ ምእንቲ ኸተዀርይዎ ኸኣ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ክፉእ ምስ እትገብሩ፡

26. ካብታ ዮርዳኖስ ተሳጊርኩም እትወርስዋ ምድሪ ቐልጢፍኩም ከም እትጸንቱኣነ ሎሚ ሰማይን ምድርን ኤመስክረልኩም አሎኹ። ፈጺምኩም ትበርሱ እምበር፡ ነዊሕ መዓልቲ ኣይትነብርዋን ኢኹም።

27. እግዚኣብሄር ናብ ማእከል ህዝብታት ኪብትነኩም እዩ፡ ኣብቶም እግዚኣብሄር ናብኦም ዚወስደኩም ኣህዛብ ሒደት ቊጽሪ ኽትተርፉ ኢኹም።

28. ኣብኡ ነቶም ብኢድ ሰብ እተገብሩ ብዘይርእዮዘይሰምዑዘይበልዑዘይጨንዉ ኣማልኽቲ ዕጨይትን እምንን ከተገልግሉ ኢኹም።

29. ካብኡ ግና ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ እንተ ደሌኻዮብዂሉ ልብኻን ብዂሉ ነፍስኻን እንተ ደሌኻዮስ፡ ክትረኽቦ ኢኻ።

30. ምስ ጸበበካእዚ ዂሉ ምስ በጽሓካ፡ ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ክትምለስ ኢኻ፡ ቃሉ ኸኣ ክትሰምዕ ኢኻ።

31. እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ርሕሩሕ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ኣይሐድገካን ኣየጥፍኣካን፡ ነቲ ምስ ኣቦታትካ ዝመሐሎ ኺዳን ኣይርስዖን።

32. ካብታ እግዚኣብሄር ንሰብ ኣብ ምድሪ ዝፈጠረላ መዓልቲ፡ ካብቲ ሓደ ወሰን ሰማይ ክሳዕ እቲ ሓደ ወሰን ሰማይ ከምዚ ዝበለ ዓብዪ ነገር ኰይኑ እንተ ዀነ፡ ወይ ነዚ ዚመስል ተሰሚዑ እንተ ዀይኑ፡ ነቲ ቕድሜኻ ዝነበረ ቐዳሞት ዘበናት ጠይቕ

33. ከምዚ ንስኻ ዝሰማዕካዮኣምላኽ ካብ ማእከል ሓዊ ኺዛረብ ቃሉ ዘሰምዔ፡ ብህይወት ከኣ ዚነብር ህዝቢዶ አሎ፧

34. ወይ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምእንታኹም ኣብ ግብጺ ኣብ ቅድሚ ዓይንኹም ዝገበሮ፡ መጺኡ ብፈተናን ብትእምርትን ብተኣምራትን ብውግእን ብሓያል ኢድን ብዝርግሕቲ ቕልጽምን ብዓብዪ መፍርህን ካብ ማእከል ካልእ ህዝቢ ንእኡ ዚኸውን ህዝቢ ኺወስድ ዝፈተነ ኣምላኽዶ አሎ፧

35. እግዚኣብሄር ንሱ ኣምላኽ ከም ዝዀነ፡ ብጀካኡ ኻልእ ከም ዜልቦ ምእንቲ ኽትፈልጥ፡ ንኣኻ ተራእየካ

36. ምእንቲ ኺምህረካ፡ ካብ ሰማይ ድምጹ ኣስምዓካ፡ ኣብ ምድሪ ኸኣ ዓብዪ ሓዉ ኣርኣየካቃላቱ ድማ ካብ ማእከል ሓዊ ሰማዕካ

37. ነቦታትካ ስለ ዝፈተዎም ድማ፡ ብድሕሪኦም ንዘርኦም ሐረየ፡ ባዕሉ ኸኣ ብዓብዪ ሓይሉ ቀቅድሚኡ ኻብ ግብጺ ኣውጽኣካ።

38. ሃገሮም ርስቲ ገይሩ ኺህበካ፡ ናብኣ ምእንቲ ኼእትወካ፡ ከምዚ ሎሚ ዀይንዎ ዘሎ ኻባኻ ዚዐብዩን ዚሕይሉን ህዝብታት ካብ ቅድሜኻ ሰጐጎም

39. እምበኣር ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ኣብ ታሕቲ ኸኣ ኣብ ምድሪእግዚኣብሄርንሱ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ካልእ ከምዜልቦ፡ ሎሚ ፍለጥኣብ ልብኻውን ሕሰቦ

40. ንኣኻን ብድሕሬኻን ድማ ንደቅኻን ኺጽብቐልካ፡ ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንሓዋሩ ዚህበካ ምድሪ ኸኣ መዓልትታትካ ምእንቲ ኺነውሕ፡ እቲ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ሕጋጋቱን ትእዛዛቱን ሐሉ

41. ሽዑ ሙሴ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ብወገን ምብራቕ ሰለስተ ኸተማ ፈለየ

42. ቅድም ጽልኢ ዘይነበሮ ብዘይ ፍልጠት ብጻዩ ዝቐተለ ቐታሊ ዚሀድመለን፡ ንሱ ናብ ሓንቲ ኻብዘን ከተማታት እዚኤን ሀዲሙ ምእንቲ ብህይወት ኪነብር እዚ ገበረ።

43. ንደቂ ሮቤል ቤጾር ኣብ በረኻ ኣብ ጐልጐል፡ ንደቂ ጋድ ከኣ ራሞት ናይ ጊልኣድ፡ ንደቂ ምናሴ ድማ ጎላን ኣብ ባሳን

44. ሙሴ ድማ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ዘንበሮ ሕጊ እዚ እዩ።

45. ደቂ እስራኤል ካብ ግብጺ ምስ ወጹሙሴ ዝነገሮም ምስክራትን ሕጋጋትን ፍርድታትን እዚ እዩ።

46. ኣብ ስግር ዮርዳኖስኣብ ርባኣብ መንጽር ቤት-ጴዖር፡ ኣብ ምድሪ ሲሆን፡ ኣብ ሔስቦን ዝነበረ ንጉስ ኣሞራውያንሙሴን ደቂ እስራኤልን ካብ ግብጺ ምስ ወጹ ዝወቕዕዎ

47. ምድሩን ምድሪ ዖግ ንጉስ ባሳንን፡ ናይ ክልቲኦም ነገስታት ኣሞራውያን፡ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስብምብራቕ ጸሓይ ዝነበረ፡ ሐዙ

48. ካብታ ኣብ ገምገም ርባ ኣርኖን ዘላ ዓሮዔር ክሳዕ ከረን ሲዮን፡ ንሱ ኸኣ ሄርሞን

49. ኲሉ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ብሸነኽ ምብራቕ ዘሎ ጐልጐል፡ ክሳዕ እቲ ኣብ እግሪ ጐቦታት ጲስጋ ዘሎ ባሕሪ ጐልጐል ድማ ሐዙ።