1. ሙሴ ኸይዱ ድማ እዚ ቓላት እዚ ንብዘሎ እስራኤል ተዛረበ

2. በሎም ከኣ፡ ኣነ ሎሚ ወዲ ሚእትን ዕስራን ዓመት እየ እሞ፡ ደጊም ክወጽእን ክኣቱን ኣይክእልንእግዚኣብሄር ድማ፡ ነዚ ዮርዳኖስ ኣይትሳገሮን ኢኻ፡ በለኒ

3. እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ንሱ ቐቅድሜኻ ኺሳገር እዩ እሞ፡ ንሱ ነዞም ህዝብታት እዚኣቶም ካብ ቅድሜኻ ኼጥፍኦም እዩ። ንስኻውን ክትወርሶም ኢካ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ኸኣ፡ እያሱ፡ ንሱ ቐቅድሜኻ ኺሳገር እዩ።

4. እግዚኣብሄር ነቶም ንሱ ዘጥፍኦም፡ ንሲሆንን ንኦግንነገስታት ኣሞራውያንንምድሮምን ከም ዝገበረ፡ ንኣታቶም ድማ ከምኡ ኺገብሮም እዩ።

5. እግዚኣብሄር ኣብ ኢድኩም ኣሕሊፉ ኺህበኩም እዩ፡ ከምቲ ዝአዘዝኩኹም ኵሉ ትእዛዝ ከኣ ግበርዎም

6. እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ንሱ እዩ ምሳኻ ዚኸይድ እሞ፡ ኣይጠልመካን ኣይሐድገካን እዩ፡ ስለዚ ጽናዑትብዑኣይትፍርሁብኣታቶም ኣይትሸበሩ።

7. ሙሴ ድማ ንእያሱ ጸዊዑ ኣብ ቅድሚ ዅሉ እስራኤል በሎ፡ ንስኻ ምስ እዚ ህዝቢ እዚ ናብታ እግዚኣብሄር ነቦታቶም ኪህቦም ዝመሐለሎም ምድሪ ኽትኣቱ፡ ንስኻ ድማ ከተረስትዮም ኢኻ እሞ፡ ጽናዕ ትባዕ ከኣ።

8. እቲ ቐቅድሜኻ ዚኸይድ ድማ ንሱ እግዚኣብሄር እዩ፡ ንሱ ምሳኻ ኪኸውን እዩ፡ ኣይጠልመካን ኣይሐድገካን ከኣ፡ ኣይትፍራህ ኣይትሸበር ድማ።

9. ሙሴ ድማ እዚ ሕጊ እዚ ጽሒፉ፡ ነቶም ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ዚጾሩ ኻህናትደቂ ሌዊን ንብዘለዉ ዓበይቲ እስራኤልን ሀቦም

10. ሙሴ ኸኣ ከምዚ ኢሉ ኣዘዞምኣብ መወዳእታ ሸሾብዓተ ዓመትበታ ምድብቲ ጊዜ ዓመት ሕድገትብበዓል ዳስ

11. ኣብታ ዝሐረያ ቦታ ብዘለዉ እስራኤል ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኺርኣዮ ምስ መጹሽዑ ኺሰምዕዎስ ነዚ ሕጊ እዚ ኣብ ቅድሚ ዅሉ እስራኤል ኣንብቦ

12-13. ምእንቲ ኺሰምዑን ኪመሀሩን እሞ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኪፈርህዎኵሉ ቓላት እዚ ሕጊ እዚ ድማ ንምግባሩን ኺጥንቀቑ፡ እቶም ዘይፈልጡ ደቆም ድማ ኪሰምዑን ኪመሀሩን፡ ኣብታ ኽትወርስዋ፡ ናብኣ ንዮርዳኖስ እትሳገሩ ዘሎኹም ምድሪ ብዅሉ ዘበን ህይወትኩም ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኪፈርህዎ፡ ነቲ ህዝቢሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ኣብ ደጌታትካ ዘሎ ጓናኻንኣክቦም

14. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴእትሞተላ መዓልቲ ቐሪባ እንሃንእያሱ ናባኻ ጸውዓዮ፡ ኣነ ምእንቲ ኽእዝዞ ኸኣ፡ ኣብ ድንኳን ምርኻብ ተረኸቡበሎ። ሙሴን እያሱን ድማ ከይዶም ኣብ ድንኳን ምርኻብ ተረኽቡ።

15. እግዚኣብሄር ከኣ ኣብቲ ድንኳን ብዓንዲ ደበና ተራእየ። እቲ ዓንዲ ደበና ኸኣ ኣብ ልዕሊ ኣፍ ድንኳን ቈመ

16. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎ፡ እኔኻ፡ ምስ ኣቦታትካ ኽትድቅስ ኢኻ፡ እዚ ህዝቢ እዚ ኸኣ ኪትንስእ እዩ፡ ደድሕሪ እቶም ናይታ ኣብኣ ዚአትዋ ዘሎ ምድሪጓኖት ኣማልኽቲ ኺምንዝር እዩ፡ ሓዲጉኒ ኸኣ ነቲ ምስኡ ዝኣቶኽዎ ኺዳን ኬፍርሶ እዩ።

17. በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ቊጥዓይ ኣብኦም ኪነድድ እዩ፡ ክሐድጎም ገጸይውን ክሐብኣሎም እየ፡ ኪውሐጡ ድማ እዮም፡ ብዙሕ ሕሱም ነገርን ጸበባን ኪረኽቦም እዩ እሞ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ኣምላኽና ኣብ ማእከልና ስለ ዘየሎዶ ኣይኰነን እዚ ሕሱም ነገር እዚ ረኺቡና ዘሎ፧ ኪብሉ እዮም።

18. ስለ እቲ ናብ ካልኦት ኣማልኽቲ ብምምላሶም ዝገበርዎ ዅሉ ኽፉእ ከኣ፡ ኣነ በታ መዓልቲ እቲኣ ገጸይ ፈጺመ ኽሐብእ እየ።

19. ሕጂ ኸኣ እዚ መዝሙር እዚ ንኣኻትኩም ጽሐፉ፡ እሞ እዚ መዝሙር እዚ ምእንቲ ኣብ ደቂ እስራኤል ምስክር ኪዀነኒ፡ ንደቂ እስራኤል ምሀሮም፡ ኣብ ኣፎም ድማ ኣንብሮ

20. ናብታ ነቦታቶም ዝመሐልኩሎምጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ ምስ ኣእቶኹዎም፡ እሞ በሊዖም ምስ ጸገቡን ምስ ሀጠሩን፡ ናብ ካልኦት ኣማልኽቲ ይምለሱን የምልኽዎምን፡ ንኣይ ግና ይንዕቁኒ ኺዳነይ ድማ የፍርሱ።

21. ኪኸውን ድማ እዩ፡ ብዙሕ ሕሰም ነገርን ጸበባን ምስ ረኸቡ፡ እዚ መዝሙር እዚ ኻብ ኣፍ ዘርኦም ኣይርሳዕን እዩ እሞ፡ ኣብ ቅድሚኦም ንምስክር ይመልሰሎም። ናብታ ዝመሐልኩሎም ምድሪ ገና ኸየእቶኽዎም እኳ፡ እቲ ሎሚ ዚሐሰብዎ ሓሳቦም እፈልጥ አሎኹ።

22. ሙሴ ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ እዚ መዝሙር እዚ ጸሐፈንደቂ እስራኤል ከኣ መሀሮም

23. ንእያሱ ወዲ ነዌ ድማ፡ ንስኻ ኢኻ ንደቂ እስራኤል ናብታ ዝመሐልኩሎም ምድሪ እተእትዎም እሞ፡ ጽናዕትባዕ፡ ኣነውን ምሳኻ ክኸውን እየ፡ ኢሉ ኣዘዞ

24. ኰነ ድማ፡ ሙሴ ቓላት እዚ ሕጊ እዚ ኣብ መጽሓፍ ጽሒፉ ምስ ወድኤ

25. ሙሴ ነቶም ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ዚጾሩ ሌዋውያን ከምዚ ኢሉ አዘዞም

26. ነዚ መጽሓፍ እዚ ውሰዱ እሞ ኣብ ጎቦ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣንብርዎ፡ ኣብኡ ዀይኑ ንምስክር ይኹንካ

27. ኣነ ዕልወትካን ትሪ ኽሳድካን እፈልጥ አሎኹ እሞ፡ እንሆ፡ ሎሚ ኣነ ገና ብህይወት ምሳኻትኩም ከሎኹ እኳ፡ ንእግዚኣብሄር ዝዐሎኹምዎስድሕሪ ሞተይ ግዳ ኽንደይ ኣዝዩ ኺገድድ እዩ።

28. ሕጂ ኸኣ ዓበይቲ ነገዳትኩምን መኳንንትኹምን ኣክቡለይእዚ ነገር እዚ ድማ ኣብ ኣእዛኖም ክዛረቦምሰማይን ምድርን ከኣ ከመስክረሎም እየ።

29. ድሕሪ ሞተይ ብርግጽ ንርእስኹም ከም እተባላሽዉ፡ ካብታ ዝኣዘዝኩኹም መገዲ ድማ ከም እተግልሱ፡ እፈልጥ አሎኹ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ብግብሪ ኣእዳውኩም ከተዀርይዎ፡ ኣብ ቅድሚኡ ኽፉእ ስለ ዝገበርኩምንዳሕራይ ዘበን ሕሱም ነገር ኪረኽበኩም እዩ።

30. ሙሴ ድማ ኣብ እዝኒ ዅላ ማሕበር እስራኤልቃላት እዚ መዝሙር ኽሳዕ ዚውዳእ ነገሮም