1. ተመሊስና ድማ ብመገዲ ባሳን ደየብናዖግንጉስ ባሳን ድማ ምስ ኲሉ ህዝቡ ኣብ ኤድሬዒ ኺዋግኣና ኢሉ ኺቃባበለና ወጸ

2. እግዚኣብሄር ከኣ በለኒ፡ ንእኡን ንብዘሎ ህዝቡን ንሃገሩን ኣብ ኢድካ ሂበካ አሎኹ እሞ፡ ኣይትፍርሃዮ። ከምቲ ኣብ ሔስቦን ንዝነበረ ሲሆን ንጉስ ኣሞራውያን ዝገበርካዮ፡ ንእኡ ድማ ከምኡ ኽትገብሮ ኢኻ።

3. ከምኡ ኸኣ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ንዖግ ንጉስ ባሳንን ንዂሉ ህዝቡን ኣብ ኢድና ሀበናሓደ እኳ ኸይተረፎ ወቓዕናዮ

4. በታ ጊዜ እቲኣ ዂላ ምድሪ ኣርጎብመንግስቲ ዖግ ኣብ ባሳን፡ ስሳ ኸተማኲለን ከተማታቱ ሐዝና፡ ካባታቶም ዘይሐዝናያ ኸተማ ኣይነበረትን።

5. ኲለን እዘን ከተማታት እዚኤን፡ ብጀካ እተን ዘይተዐርዳ ብዙሓት ከተማታትብነዊሕ መካበብያ እተዐርዳብመዓጹን ብመሸጐርን ዝጸንዓ እየን።

6. ከምቲ ንሲሆን ንጉስ ሔስቦን፡ ዝገበርናዮ ድማ፡ ፈጺምና ኣጥፋእናዮምንዂለን ከተማታት ምስ ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ፈጺምና ኣጥፋእናዮም

7. ኲለን ማልን ካብ ከተማታት ዝገፈፍናዮን ግና ንኣና ዘመትናዮ

8. እቲ ኻብ ለሰ ኣርኖን ክሳዕ ከረን ሄርሞን፡ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ዝነበረት ሃገርበታ ጊዜ እቲኣ ኻብ ኢድ ክልቲኦም ነገስታት ኣሞራውያን ወሰድናያ

9. ነዚ ሄርሞን ሲዶናውያን ሲርዮን ይብልዎ፡ ኣሞራውያን ግና ሰኒር ይብልዎ

10. ኣብ ጐልጐል ዘለዋ ዂለን ከተማታትን ኲላ ጊልኣድን ኲላ ባሳንን ክሳዕ ሳልካን ኤድሬዒንከተማታት መንግስቲ ዖግ ኣብ ባሳን

11. ካብቶም ተረፍ ረፋውያን ግና ዖግ ንጉስ ባሳን በይኑ ተሪፉ ነበረ። እንሆ፡ ዓራቱ ዓራት ሓጺን ነበረ፡ ንሱ ኣብ ራባት ናይ ደቂ ዓሞን ደይኰነንምንዋሑ ብእመት ሰብ ትሽዓተ እመት፡ ምግፋሑ ኸኣ ኣርባዕተ እመት ነበረ።

12. በታ ጊዜ እቲኣ እዛ ምድሪ እዚኣ ወረስና። ካብታ ኣብ ለሰ ኣርኖን ዘላ ዓሮዔር ፈረቓ ኸረን ጊልኣድን ከተማታትን ንደቂ ሮቤልን ንደቂ ጋድን ሀብክዎም።

13. ተረፍ ጊልኣድን ኲላ ባሳን መንግስቲ ዖግን ንፈረቓ ነገድ ምናሴ ሀብክዎም። ብዘላ ምድሪ ኣርጎብኲላ ባሳንሃገር ረፋውያን ትበሀል

14. ያኢር ወዲ ምናሴ፡ ነታ ኽሳዕ ወሰን ግሹራውያንን ማዓካታውያንን ዘላ ዅላ ምድሪ ኣርጎብ ሓዛ። ንእኤን፡ ማለት ባሳን፡ ብስሙ፡ እቲ ኽሳዕ ሎሚ ዚስመያሉ ዘለዋ፡ ሓዎት-ያኢር ኣውጽኣለን

15. ንማኪር ድማ ጊልኣድ ሀብክዎ

16. ንደቂ ሮቤልን ንደቂ ጋድን ድማ ካብ ጊልኣድ ክሳዕ ለሰ ኣርኖን፡ ክሳዕ ፈረቓ እቲ ለሰን ዶቡን ድማ፡ ክሳዕ ርባ ያቦቅ፡ ንሱ ኸኣ ዶብ ደቂ ዓሞን

17. ድማ ጐልጐልን ዮርዳኖስን ዶብን ካብ ኪነረት ክሳዕ ናይ ጐልጐል ባሕሪ፡ ንሱ ባሕሪ ጨው፡ ኣብ እግሪ ጎቦታት ጲስጋ ብምብራቑ ሀብክዎም።

18. በታ ጊዜ እቲኣ ኸምዚ ኢለ ኣዘዝኩኹምእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እዛ ምድሪ እዚኣ ኽትርስተይዋ ሂብኩም እዩ እሞ፡ ሰብ ሓይሊ ዘበልኩም ኣጽዋር ሒዝኩም ቀቅድሚ ኣሕዋትኩም ደቂ እስራኤል ሕለፉ

19. ኣንስትኹምን ቈልዑኹምን ከብትኹምን ግና፡ ብዙሓት ከብቲ ኸም ዘሎኩም እፈልጥ እየ፡ ኣብተን ዝሀብኩኹም ከተማታት ይቀመጡ

20. እግዚኣብሄር ነሕዋትኩም ድማ ከማኻትኩም ክሳዕ ዜዕርፎም፡ እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ዚህቦም ምድሪ ኽሳዕ ዚርስተይዋ፡ ጽንሑ። ድሕርቲ ነፍሲ ወከፍኩም ነናብታ ዝሀብኩኹም ርስትኹም ትምለሱ

21. በታ ጊዜ እቲኣ ድማ ንእያሱእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብዞም ክልተ ነገስታት እዚኣቶም ዝገበሮኣዒንትኻ ርእየን፡ ነተን ናብኤን እትሐልፍ ዘሎኻ ዂለን መንግስትታት ከኣ እግዚኣብሄር ከምኡ ኺገብር እዩ፡

22. እግዚኣብሄር ኣምላኽኩምንሱ እዩ ዚዋግኣልኩም እሞ፡ ኣይትፍርህዎም፡ ኢለ ኣዘዝክዎ።

23. በታ ጊዜ እቲኣ ድማ፡ ንእግዚኣብሄር ከምዚ ኢለ ለመንክዎ

24. ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽንባርያኻ ዕቤትካን እታ ጽንዕቲ ኢድካን ከተርእየኒ ጀመርካ፡ ከመይሲ ኣብ ሰማይ ኰነ ኣብ ምድሪ ኸም ግብርኻን ከም ሓይልኻን ኪገብር ዚኽእል ኣየናይ ኣምላኽ እዩ፧

25. ነዛ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ዘላ ጽብቕቲ ምድሪ፡ ነቲ ጽቡቕ ከረንን ንሊባኖስንክርኢ ዀታ ኣሕልፈኒ፡ በልኩ።

26. እግዚኣብሄር ግና ብሰርኹም ተቘጥዓኒ፡ ኣይሰምዓንን ከኣ። እግዚኣብሄር ድማ በለኒ፡ ይኣኽለካ፡ በዚ ነገር እዚ መሊስካ ኣይትዛረበኒ፡

27. ነዚ ዮርዳኖስ ኣይትሳገሮን ኢኻ እሞ፡ ናብ ርእሲ ጲስጋ ደይብኣዒንትኻ ኣልዒልካ ኸኣ ንምዕራብን ንሰሜንን ንደቡብን ንምብራቕን በዒንትኻ ጠምት።

28. እያሱ ግና ቀቅድሚ እዚ ህዝቢ እዚ ኪሐልፍ፡ ንሱ ኸኣ ነዛ እትርእያ ዘሎኻ ምድሪ ኼረስትዮም እዩ እሞ፡ ንእኡ ኣዝዞኣጽንዓዮ ኣትብዓዮውን።

29. ኣብቲ ኣብ መንጽር ቤት-ጴዖር ዘሎ ለሰ ድማ ጸናሕና