1. ኪኸውን ድማ እዩ፡ ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንርስቲ ዚህበካ ምድሪ ምስ ኣቶኻ፡ ወሪስካያ ኣብኣ ምስ ተቐመጥካ ድማ፡

2. ካብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድርኻ፡ ካብ መጀመርታ እቲ እተእትዎ ኵሉ ፍረ ምድሪ ኣብ ከፈር ጌርካ፡ ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንማሕደር ስሙ ዝሐረያ ቦታ ኺድ

3. ናብቲ በተን መዓልትታት እቲኤን ዘሎ ኻህን አቲካ ኸኣ፡ ናብታ እግዚኣብሄር ንኣና ኺሀበናነቦታትና ዝመሐለሎም ምድሪ ኸም ዝአቶኹሎሚ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኤፍልጥ አሎኹ፡ ትብሎ

4. እቲ ኻህን ድማ ነቲ ኸፈር ካብ ኢድካ ወሲዱ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ የንብሮ

5. ንስኻ ድማ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸምዚ ኢልካ ትመልስኣቦይ ንምጥፋእ ዝቐረበ ኣረማዊ ነበረ፡ ናብ ግብጺ ከኣ ወረደ፡ ቊጽሩ ሒደት ከሎ ድማ፡ ስደተኛ ዀይኑ ኣብኣ ተቐመጠ፡ ኣብኣ ኸኣ ዓብይን ሓያልን ብዙሕን ህዝቢ ዀነ።

6. ግብጻውያን ግና ክፉእ ገበሩና፡ ኣጥቅዑና፡ ብርቱዕ ዕዮ ድማ ጸዐኑና

7. ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትና ኸኣ ተማህለልና፡ እግዚኣብሄር ድማ ቃልና ሰምዔምጥቃዕናን ድኻምናን ምጽቃጥናን ከኣ ረአየ

8. እግዚኣብሄር ድማ ብሓያል ኢድን ብዝርግሕቲ ቕልጽምን ብዓበይቲ መፍርህን ብትእምርትታትን ብተኣምራትን ካብ ግብጺ ኣውጽኣና

9. ናብዛ ቦታ እዚኣ ኸኣ ኣእተወናእዛ ምድሪ እዚኣ ድማ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ ሀበና

10. ሕጂ ኸኣ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ እንሆ፡ መጀመርታ ፍረ እታ ዝሀብካኒ ምድሪ ኣምጺኤ አሎኹ፡ ኢልካ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ አንብሮ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸኣ ስገድ

11. በቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንኣኻን ንቤትካን ዝሀበካ ዅሉ ጽቡቕ ነገር፡ ንስኻ፡ እቲ ሌዋውን ኣብ ማእከልካ ዚነብር ስደተኛን ከኣ፡ ክትሕጐስ ኢኻ።

12. በታ ሳልሰይቲ ዓመት፡ ዓመት ዕሽርዕሽር ኵሉ እቶትካ ኣውጺእካ ምስ ፈጸምካ፡ ኣብ ውሽጢ ደጌታትካ በሊዖም ኪጸግቡስንሌዋውን ንስደተኛን ንዘኽታምን ንመበለትን ሀቦም

13. ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ድማ በልነቲ እተቐደሰ ኻብ ቤተይ ኣውጺኤከምቲ ዝአዘዝካኒ ዅሉ ትእዛዝካንሌዋውን ንስደተኛን ንዘኽታምን ንመበለትን ሀብኩ፡ ካብ ትእዛዛትካ ገለ እኳ ኣየፍረስኩን ኣይረሳዕኩንውን

14. ኣብ ጓህየይ ካብኡ ኣይበላዕኩንዘይንጹህ ከሎኹ ኸኣ ካብኡ ኣየውጻእኩንንገለ ምዉትውን ካብኡ ኣይሀብኩን፡ ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ሰማዕኩ፡ ብዅሉ ነገር ድማ ከምቲ ዝአዘዝካኒ ገበርኩ

15. ካብቲ ቅዱስ ማሕደርካካብ ሰማይ ጠምት እሞ፡ ንህዝብኻ እስራኤልን፡ ነታ ኸምቲ ነቦታትና ዝመሐልካሎም፡ ንኣና ዝሀብካና ምድርንጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪባርኽ

16. በዛ መዓልቲ እዚኣ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ነዚ ሕጋጋትን ፍርድታትን ክትገብሮ ይእዝዘካ አሎ እሞ፡ ብዅሉ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ሐልዎን ግበሮን

17. እግዚኣብሄርሲ ኣምላኽካ ኪኸውን፡ ንስኻ ድማ ብመገዱ ኽትከይድ፡ ሕጋጋቱን ትእዛዛቱን ፍርድታቱን ክትሕሉ ቓሉውን ክትሰምዕሎሚ ኣፍለጥካ

18-19. ንስኻ ኸኣ ከምቲ ዝበለካ ብፍላይ ህዝቡ ኽትከውን፡ ኵሉ ትእዛዛቱ ድማ ክትሕሉንውዳሴን ንስምን ንኽብርን ከኣ ልዕሊ ዅሎም ዝፈጠሮም ህዝብታት ልዑል ኪገብረካ። ከምቲ ንሱ ዝበለካ ድማ፡ ንእግዚኣብሄር እተቐደሰ ህዝቢ ኽትከውን፡ እግዚኣብሄር ሎሚ ኣፍለጠካ