1. ኣብ መንጎ ሰባት ባእሲ እንተ ዀነ፡ ኺፍረዱውን ናብ ፍርዲ እንተ መጹነቲ ቕኑዕ ናጻ የውጽእዎ፡ ነቲ በዳሊ ኸኣ ይፍረድዎ

2. ይኸውን ድማ፡ እቲ በደለኛ መግረፍቲ ዚግብኦ እንተ ዀይኑ፡ እቲ ፈራዲ ናብ ምድሪ ኣውዲቑከም በደሉ ልክዕ ብቚጽሪ ኣብ ቅድሚኡ የግርፎ

3. ኣርብዓ ይግረፎ፡ ሓለፋ እቲ ቚጽሪ ኣብዚሑ እንተ ገረፎሓውካ ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ ኸይሐስር ካብኡ ኣይብዛሕ።

4. ኣፍ እቲ ዜኽይድ ብዕራይ ኣይትእሰር

5. ኣሕዋት ብሓንሳእ እንተ ተቐመጡ እሞ፡ ሓዲኦም ውሉድ ዜብሉ እንተ ሞተሰበይቲ እቲ ዝሞተ ናብ ወጻኢ ጓና ኣይትተአቶ። እቲ ሓሙታ ናብኣ አትዩ ንርእሱ ይውረሳ እሞ ናይ ሓሙት ግቡእ ይፈጽመላ

6. ይኸውን ድማ፡ ስም እቲ ምዉት ሓዉ ካብ እስራኤል ምእንቲ ኸይድምሰስእቲ ዝወለደቶ በዅሪ ብስሙ ይጸዋዕ

7. እቲ ሰብኣይ ንሰበይቲ ሓዉ ኺወርሳ እንተ ዘይፈተወእታ ሰበይቲ ሓዉ ናብ ደገናብቶም ዓበይቲ ትደይብ፡ እዚ ሓሙተይ ስም ሓዉ ኣብ እስራኤል ከየቕውም ኣብዩ፡ እቲ ኸም ሓሙት ዚግብኦ ኺፍጽመለይ ኣይደለየን፡ ድማ ትበሎም

8. ሽዑ እቶም ዓበይቲ ኸተማኡ ናባታቶም ጸዎዖም ይዛረብዎ። ንሱ ከኣ፡ ክወርሳ ኣይፈቱን እዩ፡ ኢሉ እንተ ጸንዔ።

9. እታ ሰበይቲ ሓዉ ድማ ኣብ ቅድሚ እቶም ዓበይቲ ናብኡ ቐሪባሳእኑ ካብ እግሩ ተውጽእ፡ ናብ ገጹውን ጡፍ ትበለሉቤት ሓዉ ንዘይሰሕ ሰብ ከምዚ ይግበሮ፡ ኢላ ድማ ትምለስ

10. ስሙ ኸኣ ኣብ እስራኤልቤት ፍቱሕ ሳእኑይበሀል

11. ክልተ ሰብ ንሓድሕዶም እንተ ተባእሱሰበይቲ እቲ ሓደ ኸኣ፡ ንሰብኣያ ኻብ ኢድ እቲ ዚወቕዖ ኸተድሕኖኢዳ ዘርጊሓ ሕፍረቱ እንተ ሐዘት

12. ኢዳ ቚረጻዓይንኻ ኣይተናሕስየላ

13. ኣብ ከረጺትካ በበይኑ ሚዛንዓብይን ንእሽቶን፡ ኣይሀሉኻ።

14. ኣብ ቤትካ በበይኑ መስፈሪዓብይን ንእሽቶን፡ ኣይሀሉኻ።

15. ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ዕድሜካ ምእንቲ ኺነውሕሲድልድልን ቅኑዕን ሚዛን ይሀሉኻ፡ ድልድልን ቅኑዕን መስፈሪ ድማ ይሀሉኻ

16. እዚ ዚገብር ኵሉን ዓመጻ ዚገብር ኵሉን ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ፍንፉን እዩ።

17. እቲ ኻብ ግብጺ ምስ ወጻእኩምኣማሌቅ ኣብ መገዲ ዝገበረካ ዘክሮ

18. ንስኻ ደኺምካን ተሐሊልካን ከሎኻ፡ ኣብ መገዲ ተጓነፈካ ንእግዚኣብሄር ከይፈርሄ ኸኣ፡ ነቶም ዳሕሮትካ፡ ንዅሎም ኣብ ድሕሬኻ ዝነበሩ ድኹማት ወቕዔ

19. ኪኸውን ድማ እዩ፡ ካብቶም ኣብ ዙርያ እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽትወርሳ ንርስቲ ዚህበካ ምድሪ ዚነብሩ ዅሎም ጸላእትኻእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምስ ኣዕረፍካንዝኽሪ ኣማሌቅ ካብ ትሕቲ ሰማይ ይምለሶ፡ ኣይትረስዓዮ