1. ናይ ሓውካ ብዕራይ ወይ በጊዕ ጠፊኦም እንተ ርኤኻናብ ሓውካ ምለሶም እምበር፡ ካብኦም ኣይትተሐባእ

2. እቲ ሓውካ ኣብ ጥቓኻ እንተ ዘይኮነ ወይ እንተ ዘይፈለጥካዮ፡ ናብ ውሽጢ ቤትካ ኣክቦ፡ እቲ ሓውካ ኽሳዕ ዚደልዮ፡ ምሳኻ ይጽናሕ፡ ሽዑ ምለሰሉ።

3. ንኣድጉ ኸምኡ ግበርብኽዳኑ ኸኣ ከምኡ ግበር፡ ብዝዀነ ናይ ሓውካ ዝጠፍኦ ኣቕሓ፡ ምስ ረኸብካዮከምኡ ግበርክትሕባእ ኣይትኽእልን

4. ኣድጊ ሓውካ ወይ ብዕራይ ኣብ መገዲ ወዲቑ እንተ ርኤኻ፡ ምስኡ ዄንካ ንምትንሳኡ ሐግዞ እምበር፡ ካብኦም ኣይትተሐባእ

5. ሰበይቲ ኽዳን ሰብኣይ ኣይትከደን፡ ሰብኣይ ከኣ ክዳን ሰበይቲ ኣይከደን፡ ከምዚ ዚገብር ዘበለ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ፍንፉን እዩ።

6. ንቕድሜኻ ኣብ መገዲ ኣብ ዝዀነ ኦም ወይ ኣብ ምድሪ እንዳ ዑፍ ምስ ጨጨውት ወይ እንቋቚሖ፡ ኣዲኦም ከኣ ነቶም ጨጨውት ወይ እንቋቚሖ ሐቚፋ እንተ ጸንሓትካ፡ ነታ ኣደ ምስ ጨጨውታ ኣይትውሰዳ

7. ምእንቲ ኺጽብቐልካመዓልትታትካ ኸኣ ኪነውሕሲ፡ ነታ ኣደ ትኺድ ሕደጋ፡ እቶም ጨጨውታ ድማ ንኣኻ ውሰዶም

8. ሓድሽ ቤት ምስ እትሰርሕገለ ሰብ ካብኣ እንተ ጸደፈንቤትካ ደም ከይተምጽኣላንናሕስኻ መጋረዲ ግበረሉ

9. ኣብ ኣታኽልቲ ወይንኻእቲ ዝዘራእካዮ ዘርኢ ምስቲ ፍረ ወይኒ ሐቢሩ ኸይቅደስክልተ ዓይነት ዘርኢ ኣይትዝራእ

10. ብዕራይን ኣድግን ብሓደ ጸሚድካ ኣይትሕረስ

11. ካብ ጸጕርን ልሕጺ እንጣጢዕን ተሐዊሱ እተአልመ ዓለባ ኣይትከደን

12. ነቲ እተኸድኖ ኽዳንካ ኣብ ኣርባዕተ መኣዝኑ ዘፈር ግበረሉ

13. ሓደ ሰብኣይ ሰበይቲ እንተ ወሰደ፡ ምስ ኣተዋ ኸኣ እንተ ጸልኣ፡

14. ዜነውር ነገር ድማ እንተ ኣሰከማ፡ ነዛ ሰበይቲ እዚኣ ወሰድክዋምስ ቀረብክዋ ግና ድንግልና ኣይረኸብኩላን፡ ኢሉ ኽፉእ ስም እንተ ኣውረየላ፡

15. ሽዑ ኣቦ እታ ጓልን ኣዲኣን ምልክት ድንግልና እታ ጓል ወሲዶም ናብ ዓበይቲ እታ ኸተማ ኣብ ደገ የውጽእዋ

16. ኣቦ እታ ጓል ከኣ ነቶም ዓበይቲ ይበሎምነዚ ሰብኣይ እዚ ጓለይሰበይቱ ኽትከውን፡ ሀብክዎ፡ ንሱ ኸኣ ጸልኣ

17. እንሆ ድማ፡ ንጓልካ ድንግልና ኣይረኸብኩላን፡ ኢሉ ዜነውር ነገር ኣሰከማ። ምልክት ድንግልና ጓለይ እዚ እዩ። ነቲ ኽዳና ኸኣ ኣብ ቅድሚ እቶም ዓበይቲ እታ ኸተማ ይዘርግሕዎ

18. ሽዑ እቶም ዓበይቲ እታ ኸተማ ነቲ ሰብኣይ ወሲዶም ይቕጽዕዎ

19. ንድንግል እስራኤል ክፉእ ስም ስለ ዘውረየላሚእቲ ሲቃል ብሩር የዕድይዎ፡ ነቦ እታ ጓል ድማ ይሀብዎሰበይቱ ከኣ ትኹን፡ ብዅሉ ዘበኑ ኺፈትሓ ኣይኽእልን

20. እቲ ነገር ሓቂ እንተ ዀነ ግና፡ እታ ጓል ድንግልና እንተ ዘይተረኽባ

21. ሽዑ ነታ ጓል ናብ ደገ ቤት ኣቦኣ የውጽእዋ፡ ኣብ ቤት ኣቦኣ ብምምንንዛራ ኣብ እስራኤል ነውሪ ስለ ዝገበረትእቶም ሰብ እታ ኸተማኣ ብዳርባ እምኒ ይቕተልዋ፡ ትሙትክፉእ ዘበለስ ካብ ማእከልካ ኣርሕቆ

22. ሰብኣይ ምስ ምርዕውቲ ሰበይቲ ደቂሱ እንተ ተረክበ፡ እቲ ምስታ ሰበይቲ ዝደቀሰ ሰብኣይን እታ ሰበይትን ክልቲኦም ይሙቱ። ነቲ ኽፉእ ካብ እስራኤል ኣርሕቆ

23. ኣብ ሰብኣይ እተሐጽየት ድንግል ጓል እንተላ፡ ሰብኣይ ከኣ ኣብ ከተማ ረኺብዋ ምስኣ እንተ ደቀሰ

24. እታ ጓልኣብ ከተማ ኽነሳ ስለ ዘየእወየትእቲ ሰብኣይ ከኣ፡ ሰበይቲ ብጻዩ ስለ ዘነወረንኽልቲኦም ናብ ደገ እታ ኸተማ እቲኣ ኣውጺእኩምኪሞቱ ብዳርባ እምኒ ቕተልዎም። ነቲ ኽፉእ ካብ ማእከልካ ኣርሕቆ

25. ግናኸ እቲ ሰብኣይ ነታ ሕጽይቲ ጓል ኣብ መሮር እንተ ረኸባ እሞ ብሓይሊ እንተ ደቀሳ፡ ሽዑ እቲ ዝደቀሳ ሰብኣይ በይኑ ይሙት

26. ነታ ጓል ግና ገለ ኣይትግበራእዚ ሰብኣይ ንብጻዩ ተንሲኡ ኸም ዚቐተሎ እዩ እሞ፡ እታ ጓልሲ ንሞት ዚኸውን በደል የብላን።

27. ኣብ  መሮር እዩ ዝረኽባ እምበር፡ ንሳ፡ እታ ሕጽይቲ ጓልሲኣእውያዜድሕና ግና ኣይነበረን።

28. ሓደ ሰብኣይ ሓንቲ ዘይተሐጽየት ድንግል ጓል እንተ ረከበ እሞ ሒዙ እንተ ደቀሳ፡ እንተ ተረኽቡ ኸኣ፡

29. እቲ ምስኣ ዝደቀሰ ሰብኣይ ነቦ እታ ጓል ሓምሳ ሲቃል ብሩር ይሀቦኣነዊርዋ እዩ እሞ፡ ሰበይቱ ትዅንብዅሉ ዘበኑ ኺፈትሓ ኣይኽእልን

30. ሰብ ሰበይቲ ኣቦኡ ኣይውሰድወሰን ክዳን ኣቦኡ ኣይቕላዕ።