1. ምስ ጸላእትካ ኽትዋጋእ ምስ ወጻእካኣፍራስን ሰረገላታትን ካባኻ ዚበዝሕ ህዝብን እንተ ርኤካ፡ ሽዑ እቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጽኣካ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምሳኻ እዩ እሞ፡ ኣይትፍርሃዮም።

2. ኪኸውን ድማ እዩ፡ ናብቲ ውግእ ምስ ቀረብኩም፡ እቲ ኻህን ቀሪቡ ነቲ ህዝቢ ይዛረቦ

3-4. ዎ እስራኤል፡ ስማዕ፡ ሎሚ ምስ ጸላእትኹም ክትዋግኡ ቐሪብኩም ኢኹም፡ እቲ ምእንቲ ኼድሕነኩም፡ ምስ ጸላእትኹም ኪዋጋእ ምሳኻትኩም ዚኸይድ ከኣ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እዩ እሞ፡ ልብኹም ኣይሸበርኣይትፍርሁኣይትሰምብዱ ድማ፡ ኣብ ቅድሚኦምውን ኣይትጀጅዉ።

5. እቶም መኳንንቲ ድማ ንህዝቢ ኸምዚ ኢሎም ኣይዛረቡሓድሽ ቤት ዝሰርሔ ሰብ እሞ ዘየመረቖ መን አሎ፧ ኣብቲ ውግእ ከይመውት እሞ ካልእ ሰብ ከየመርቖስ፡ ይኺድ ናብ ቤቱ ይመለስ

6. ወይኒ ዝተኸለ ሰብ እሞ ዘይተሐጐሰሉ መን አሎ፧ ኣብ ውግእ ከይመውትካልእ ሰብ ድማ ከይሕጐሰሉ፡ ይኺድ ናብ ቤቱ ኸኣ ይመለስ

7. ሰበይቲ እተሐጽየ ሰብ እሞ ዘየእተዋ መን አሎ፧ ኣብ ውግእ ከይመውት እሞ ካልእ ሰብ ከይወስዳስ ይኺድ፡ ናብ ቤቱውን ይመለስ

8. እቶም መኳንንቲ ኸኣ ነቶም ህዝቢ ወሲኾም ይዛረብዎምይበሉ ድማ፡ ፈራህ ሰብ ልቡ ዚጀጁ መን አሎ፧ ከምቲ ልቡ፡ ልቢ ኣሕዋቱ ከኣ ከይሽበርሲይኺድ ናብ ቤቱውን ይመለስ

9. ይኸውን ድማ፡ እቶም መኳንንቲ ነቲ ህዝቢ ተዛሪቦም ምስ ወድኡ፡ ኣብ ርእሲ እቲ ህዝቢ ሓላቑ ሰራዊት ይሽሙ

10. ንሓንቲ ኸተማ ኽትዋግኣ ኢልካ ምስ ቀረብካ፡ ቅድም ንዕርቂ ጸዎዓያ።

11. ይኸውን ድማ፡ ሕራይ ኢሎም ደገ እንተ ኸፈቱልካ፡ ሽዑ ኪኸውን እዩ፡ ኣብኣ እተረኽበ ዅሉ ህዝቢ ገባርካ ይኹን እሞ የገልግልካ።

12. እትዋግኣካ ደኣ እምበር፡ ዘይትዕረቐካ እንተ ዀነት፡ ሽዑ ኽበባ።

13. እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብ ኢድካ ምስ ሀበካ ድማ፡ ንብዘሎ ተባዕታይ ብስሕለት ሴፍ በሎ።

14. ኣንስትን ሕጻናት ማልን ኣብታ ኸተማ ዘሎ ዅሉን ግና፡ ብዘሎ ምርኮኣ ንኣኻ ምርኮ ውሰዶ። እቲ እግዚኣብሄር ኣምላኻ ዝሀበካ ምርኮ ጸላእትካ ኸኣ ክትበልዕ ኢኻ።

15. ነተን ካባካ ኣዝየን ዝረሐቓ ዅለን ከተማታት፡ ካብ ከተማታት እዞም ህዝብታት እዚኣቶም ዘይኰና፡ ከምኡ ግበረለን

16. ካብዘን እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንርስቲ ዚህበካ ኸተማታት እዞም ህዝብታት እዚኣቶም ግና፡ ትንፋስ ዘለዎ ሓደ እኳ ብህይወት ኣይትሕደጎ።

17-18. ንሔታውያንን ንኣሞራውያንን ንከነኣናውያንን ንፈረዛውያንን ንሃዋውያንን ንይቡሳውያንን ግና፡ ከምቲ ንኣማልኽቶም ዚገብርዎ ዅሉ ጽያፎም ንምግባር ምእንቲ ኸይምህሩኹም እሞ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከይትብድሉስ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝኣዘዘካጠሪስካ ኣጥፍኣዮም

19. ንሓንቲ ኸተማ፡ ምእንቲ ኽትሕዛ ብዙሕ መዓልቲ ምስ እትኸባኣእዋማ ብማሕጸ ኣይተጥፍእ። ካብኤን ክትበልዕ ኢኻ እሞ፡ ኣይትቚረጸን። ኣእዋም መሮር፡ ንስኻ እትኸቦም፡ ሰባትዶ እዮም፧

20. እተን ከም ዘይብላዕ ዝፈለጥካየን ኣእዋም ጥራይ ኣጥፍእ፡ ቊረጽ ድማ፡ እታ እትዋግኣካ ኸተማ ኽሳዕ እትወድቕመኽበቢኣ ስርሓላ