1. ነቶም እግዚኣብሄር ኣምላኽካምድሮም ዚህበካ ህዝብታት፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምስ ኣጥፍኦም እሞ ምስ ወረስካዮም፡ ኣብ ከተማታቶምን ኣብ ኣባይቶምን ድማ ምስ ተቐመጥካ፡

2. ኣብ ማእከል እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽትወርሳ ዚህበካ ምድሪ ሰለስተ ኸተማ ፍለ

3. ንኣኻ መገዲ ጽረግ፡ ነፍሲ ወከፍ ቀታል ነፍሲ ናብኡ ምእንቲ ኺሀድም ድማ፡ ነቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንርስቲ ዚህበካ ዶብ ምድርካ ኣብ ሰለስተ ምቐሎ

4. ናብኡ ዝሀደመ ቐታል ነፍሲ ምእንቲ ኺድሕን፡ ነገሩ ኸምዚ እዩቀደም ጽልኢ ዘይነበሮ እሞ ብዘይ ፍልጠት ንብጻዩ ዝቐተለ

5. ዕጨይቲ ኪቘርጽ ምስ ብጻዩ ናብ ዱር እንተ ወፈረኦም ኪቘርጽ ኢሉ፡ ማሕጸ ብኢዱ ወስ እንተ ኣበለ፡ እቲ ሓጺን ካብ ሓኽሊ ነጺሉ፡ ነቲ ብጻዩ እንተ ረኸቦ፡ ንሱ ኸኣ እንተ ሞተ፡ ናብ ሓንቲ ኻብተን ከተማታት እቲኤን ሀዲሙ ድማ ብህይወት ይንበር

6. ቀደም ጽልኢ ስለ ዘይነበሮሞት ዘይግብኦ ኽነሱእቲ ፈዳይ ደም ልቡ ነዲድዎ ኸሎ፡ እቲ ቐታሊ ኸይሰጎ፡ መገዱ ስለ ዝረሐቐ ኸኣ፡ ኣርኪቡ ኸይቀትሎ

7. ስለዚ ኣነ፡ ሰለስተ ኸተማ ንኣኻ ፍለ፡ ኢሉ እእዝዘካ አሎኹ።

8. እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸምቲ ነቦታትካ ዝመሐለሎምዶብካ ምስ ኣግፍሓልካ፡ እቲ ነቦታትካ ኽህቦም እየ ዝበለ፡ ኵላ እታ ሃገር ምስ ሀበካ

9. እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ዅሉ ትእዛዝ እዚ ኽትገብሮንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸተፍቅሮወርትግ ድማ ብመገዱ ኽትከይድ እንተ ተጠንቀቕካ፡ ሽዑ ኣብ ልዕሊ እዘን ሰለስተ ኸተማታት እዚኤን ንኣኻ ኻልኦት ሰለስተ ኽትውስኽ ኢኻ።

10. እዚ ኸኣ ኣብ ማእከል እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽትወርሳ ዚህበካ ምድሪ ንጹህ ደም ምእንቲ ኸይፈስስ እሞ ኣብ ልዕሌኻ ደም ከይከውን እዩ።

11. ግናኸ ሓደ ሰብ ንብጻዩ እንተ ጸልኦኣድብዩ ጸኒሑ ድማ፡ ተንሲኡ ኽሳዕ ዚመውት እንተ ወቕዖ፡ ናብ ሓንቲ ኻብዘን ከተማታት እዚኤን እንተ ሀደመ

12. ሽዑ እቶም ዓበይቲ ኸተማኡ ልኢኾም ካብኡ ይውሰድዎኣብ ኢድ እቲ ፈዳይ ደም ድማ ኣሕሊፎም ይሀብዎ፡ ይሙት ከኣ።

13. ምእንቲ ኺጽብቐልካነቲ ንጹህ ደም ካብ እስራኤል ኣርሕቆ እምበር፡ ዓይንኻ ኣይተናሕስየሉ

14. ኣብቲ እትወርሶ ርስትኻ፡ ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽትርስተያ ዚህበካ ምድሪእቶም ቀዳሞት ዝደወብዎ፡ ዶብ ብጻይካ ኣይተግዕዝ

15. ኣብ ዝዀነ በደል ወይ ኣብ ዝዀነ ሓጢኣትኣብ ዚግበር ዘበለ ሓጢኣትሓደ ምስክር ኣብ ሰብ ኣይቑምኵሉ ነገር ብኣፍ ክልተ ምስክር ወይ ብኣፍ ሰለስተ ምስክር ይቑም

16. ሓሳዊ ምስክር ኣብ ሰብ ብገለ ኣበሳ ኺምስክር እንተ ተንስኤ

17. ሽዑ ኽልቲኦም ባእሲ ዘለዎም ሰብ ኣብ ቅድሚ ኻህናትን ኣብ ቅድሚ እቶም በተን መዓልትታት እቲኤን ፈራዶ ዝዀኑን፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይቑሙ።

18. እቶም ፈራዶ ድማ ኣጸቢቖም ይመርምሩ፡ እንሆ ድማ፡ እቲ ምስክር ሓሳዊ ምስክር እንተ ዀነ እሞ ኣብ ሓዉ ብሓሶት እንተ መስከረ

19. ሽዑ ኸምቲ ንሓዉ ኺገብሮ ዝሐሰበ፡ ግበርዎ። ነቲ ኽፉእ ካብ ማእከልካ ኣርሕቕ

20. እቶም ዝተረፉ ኸኣ ኺሰምዑን ኺፈርሁን እዮም እሞ፡ ድሕሪ ደጊም ከምዚ ዝበለ ኽፉእ ነገር ኣብ ማእከልካ ኣይገብሩን

21. ዓይንኻ ኣይተናሕስየሉኣብ ክንዲ ነፍሲነፍሲ፡ ኣብ ክንዲ ዓይኒ፡ ዓይኒኣብ ክንዲ ስኒስኒኣብ ክንዲ ኢድኢድኣብ ክንዲ እግሪእግሪ