1. ነቶም ሌዋውያን ካህናት፡ ንብዘሎ ነገድ ሌዊምስ እስራኤል ግደን ርስትን ኣይሀልዎም፡ እቲ ናይ እግዚኣብሄር መስዋእቲ ሓውን ርስቱን ይብልዑ

2. ኣብ ማእከል ኣሕዋቶም ከኣ ርስቲ ኣይሀልዎም፡ ከምቲ ዝበሎም፡ ርስቶምሲ እግዚኣብሄር እዩ።

3. ካብቶም መስዋእቲ ሕሩድ ዚስውኡ ህዝቢ ኸኣ ንኻህናት ዚግባእ እዚ እዩ፡ ብዕራይ ኰነ፡ በጊዕ ኰነ፡ ኢድን ምንጋጋታትን ከስዔን ንኻህን ይሀቡ

4-5. ንሱን ደቁን ወርትግ ብስም እግዚኣብሄር ንምግልጋል ኪቐውም፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኻብ ኵሎም ነገዳትካ ንእኡ ሐርይዎ እዩ እሞ፡ ቀዳማይ ስርናይካን ወይንኻን ዘይትኻን ቀዳማይ ጸጕሪ በጊዕካንውን ንእኡ ሀቦ

6. ሓደ ሌዋዊ ኣብ ዝዀነ ኣብ እስራኤል ዚነብር፡ ካብ ሓንቲ ኻብ ደጌታትካ እንተ ወጸ እሞ ብምሉእ ድሌት ልቡ ናብታ እግዚኣብሄር ዝሐረያ ቦታ እንተ መጸ

7. ሽዑ ኸምቶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብኡ ዚቘሙ ሌዋውያን ኣሕዋቱ ብስም እግዚኣብሄር ኣምላኹ የገልግል

8. ብጀካ እቲ ኻብ ናይ ኣቦታቱ እተሸጠ ዝመጾ፡ ግዲኦም ማዕረ ይብልዑ

9. ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ምስ ኣቶኻከም ጽያፍ እቶም ህዝብታት እቲኦም ክትገብር ኣይትመሀር።

10. ወዱ ወይ ጓሉ ብሓዊ ዜሕልፍ ወይ መውደቒ ዛዕጐል ወይ ብደበናን ብተመንን ዚፈልጥ ወይ ኣስማተኛ

11. ወይ ተራጋሚመናፍስቲ ዚጥይቕ፡ ወይ ጠንቋሊ ወይ ንምዉታት ዚጥይቕ፡ ኣባኻ ኣይረኸብ።

12. እዚ ነገርዚ እዚ ዚገብር ኵሉ ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፉን እዩ እሞ፡ ብሰሪ እዚ ጽያፍ እዚ ድማ እዩ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኻብ ቅድሜኻ ዚሰጎም

13. ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምሉእ ኩን

14. እቶም ንስኻ እትወርሶም ህዝብታት፡ ነቶም ብደበና ዚፈልጡን ንመውደቕቲ ዛዕጐልን ይሰምዑ፡ ንኣኻ ግን እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸምዚ ዝበለ ኣይፈቐደልካን

15. እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኻብ ማእከልካ፡ ካብ ኣሕዋትካ፡ ከማይ ዝበለ ነብዪ ኼተንስኣልካ እዩ፡ ንእኡ ስምዕዎ።

16. ከምቲ ኣብ ሆሬብ ብመዓልቲ ኣኼባ ኸምዚ ኢልካ ኻብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝለመንካዮ፡ ምእንቲ ኸይመውት መሊሰ ድምጺ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ኣይሰምዕን፡ እዚ ዓብዪ ሓዊ እዚ ድማ ደጊም ኣይርእን

17. እግዚኣብሄር ከኣ፡ እቲ እተዛረብዎ ጽቡቕ እዩ፡ በለኒ

18. ከማኻ ዝበለ ነብዪ ኻብ ማእከል ኣሕዋቶም ከተንስኣሎም እየ፡ ቃለይ ከኣ ኣብ ኣፉ ኸንብር እየ፡ ንሱ ድማ ዝአዘዝክዎ ዅሉ ኺነግሮም እዩ።

19. ይኸውን ከኣ፡ ነቲ ብስመይ ዚዛረቦ ዘረባይ ዘይሰምዕ ሰብ፡ ኣነ ኻብኡ ኽደልዮ እየ።

20. እቲ ብድፍረቱ ብስመይ ዘይኣዘዝክዎ ቓል ዚዛረብ ነብዪ፡ ወይ ብስም ካልኦት ኣማልኽቲ ዚዛረብ፡ እቲ ነብዪ እቲ ይሙት

21. ብልብኻ ድማ፡ እቲ እግዚኣብሄር ዘይተዛረቦ ነገር ከመይ ጌርና ንፈልጦ፡ እንተ በልካ

22. እቲ ነብዪ ብስም እግዚኣብሄር ምስ ተዛረቦእቲ ነገር እንተ ዘይኰነ፡ እንተ ዘይመጸ፡ እዚ እግዚኣብሄር ዘይተዛረቦ ነገር ምዃኑ ምልክት ይኹንካ። እዚ እቲ ነብዪ ብድፍረት እተዛረቦ እዩ፡ ኣይትፍርሃዮ