1. እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብ ወርሒ ኣቢብ ካብ ግብጺ ብለይቲ ኣውጺኡካ እዩ እሞ፡ ወርሒ ኣቢብ ሐሉፋስጋ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ድማ ኣብዕል

2. ኣብታ እግዚኣብሄር ንማሕደር ስሙ ዝሐረያ ቦታ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኻብ ኣባጊዕካን ኣሓኻን ፋስጋ ሕረድ

3. ሾብዓተ መዓልቲ ድማ ዘይበዅዔ እንጌራ፡ እንጌራ መከራ፡ ምስኡ ብላዕካብ ምድሪ ግብጺ ብታህዋኽ ወጺእካ ኢኻ እሞ፡ ነታ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዝወጻእካላ መዓልቲ ምሉእ ዕድሜኻ ምእንቲ ኽትዝክራ፡ ዝበዅዔ እንጌራ ምስኡ ኣይትብላዕ።

4. ሾብዓተ መዓልቲ ኣብ ኵሉ ዶባትካ ብኹዕ ኣይርኤ። በታ መጀመርታ መዓልትስ ንምሸታ ኻብ ዝሐረድካዮ ስጋ ኽሳዕ ንግሆ ኣይሕደር

5. ኣብ ዝዀነ ኻብተን እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ደጌታትካፋስጋ ኽትሐርድ ኣይትኽእልን

6. ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንማሕደር ስሙ ዝሐረያ ቦታ ደኣ፡ ኣብኣ፡ በታ ኻብ ግብጺ ዝወጻእካላ ጊዜጸሓይ ክትዐርብ ከላ፡ ፋስጋ ሕረድ።

7. ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝሐረያ ቦታ ኣብሲልካ ብልዓዮንጽብሒቱ ድማ ተመሊስካ ናብ ድንኳናትካ ኺድ

8. ሹድሽተ መዓልቲ ዘይበዅዔ እንጌራ ብላዕ፡ እታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ኸኣ ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዓብዪ በዓል ኣኼባ እያ፡ ገለ ዕዮ ኣይትዕየ

9. ሾብዓተ ሰሙን ቊጸር፡ ካብታ ዓጺድ እኽሊ እትጅምረላ ሾብዓተ ሰሙን ክትቈጽር ጀምር

10. ከም መጠን እቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝሀበካ በረኸት ከኣ ናይ ፍቓድ መባእ ኢድካ ብምቕራብ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ በዓል ሰሙናት ኣብዕል።

11. ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንማሕደር ስሙ ዝሐረያ ቦታ ንስኻን ወድኻን ጓልካን ግዙእካን ግዝእትኻን ኣብ ውሽጢ ደጌታትካ ዘሎ ሌዋውን ኣብ ማእከልካ ዘለዉ ስደተኛን ዘኽታምን መበለትን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ተሐጐስ

12. ንስኻ ድማ ኣብ ግብጺ ባርያ ኸም ዝነበርካ ዘክር እሞ ነዚ ሕጋጋት እዚ ሐልዎን ግበሮን

13. ፍርያት ካብ ዓውድኻን ካብ መጽመቚ ወይንኻን ምስ ኣከብካበዓል ዳስ ሾብዓተ መዓልቲ ኣብዕል

14. ንስኻን ወድኻን ጓልካን ግዙእካን ግዝእትኻን ኣብ ውሽጢ ደጌታትካ። ዘለዉ ሌዋውን ስደተኛን ዘኽታምን መበለትን ድማ ብበዓልካ ተሐጐስ

15. እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብዅሉ እቶትካን ብዅሉ ግብሪ ኢድካን ኪባርኸካ፡ ንስኻ ድማ ምሉእ ሓጐስ ክትሕጉስ ኢኻ እሞ፡ ኣብታ እግዚኣብሄር ዝሐረያ ቦታ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሾብዓተ መዓልቲ በዓል ኣብዕል

16. ተባዕታይካ ዘበለ ሰለስተ ሳዕ ኣብ ዓመትበብዓል ቅጫን በብዓል ሰሙናትን ብበዓል ዳስን፡ ኣብታ ንሱ ዝሐረያ ቦታ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ይርኤ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርሲ ጥራይ ኢዱ ኣይርኤ

17. ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝሀበካ በረኸትነፍሲ ወከፍ ከምቲ ኣብ ኢዱ ዘሎ ይሀብ

18. ኣብተን እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚሀበካ ዅለን ደጌታትካ ንነገዳትካ ፈራዶን መኳንንትን ግበሮንህዝቢ ኸኣ ቅኑዕ ፍርዲ ይፍረዱ

19. ፍርዲ ኣይተቕንንገጽ ርኢኻ ኣይተዳሉመማለዲ ድማ ዓይኒ ጠቢባን የዕውርነገር ጻድቃን ከኣ የቕንን እዩ እሞ፡ መማለዲ ኣይትቀበል

20. ምእንቲ ኽትነብር፡ እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ከኣ ክትወርስሲጽድቂ፡ እወ፡ ጽድቂ ስዐብ

21. ኣብ ጎቦ እቲ ንኣኻ ኢልካ እትገብሮ መሰውኢ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኻብ ዝዀነ ኦም ኣስታርተ ንኣኻ ኣይትትከል

22. እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚጸልኦ ሓወልቲ ኸኣ ኣይተቑም