1. ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትካ ክትወርሳ ዚህበካ ምድሪ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ብህይወት እትነብሩለን ኵለን መዓልትታት ኽትገብርዎ እትሕልውዎ ትእዛዛትን ፍርድታትን እዚ እዩ።

2. እቶም እትወርስዎም ህዝብታት፡ ኣብ ነዋሕቲ ኣኽራንን ኣብ ኵርባታትን ኣብ ትሕቲ ዅሉ ልምሉም ኦምን ንኣማልኽቶም ዜገልግሉለን ዝነበሩ ቦታታት ፈጺምኩም ኣጥፍእወን

3. መሰውኢታቶም ኣፍርሱሐወልትታቶም ድማ ሰባብሩ፡ ጣኦታቶም ከኣ ብሓዊ ኣንድዱእተወቕረ ምስሊ ኣማልኽቶምውን ኣውድቑስሞም ድማ ካብቲ ቦታ እቲ ኣጥፋኡ

4. ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከምኡ ኣይትግበሩ

5. ግናኸ ነታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ካብ ኵሎም ነገዳትኩም ስሙ ኼንብረላ ዝሐረያ ቦታ፡ ነዛ ማሕደሩ ድለዩ፡ ናብኣውን ምጻእ

6. ዚሐርር መስዋእትኹምን መስዋእቲ ሕሩድኩምን ዕሽርኩምን ዚለዐል መስዋእትታት ኣእዳውኩምን ናይ መብጽዓኹም ናይ ፍቓድ መባእኩምን በዅሪ ኣሓኹምን ኣባጊዕኩምን ናብኣ ኣምጽኡ

7. ኣብኣ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብልዑ፡ በቲ ኣእዳውኩም ዝዘርጋሕኩምሉ ዘበለ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝባረኸልኩም ንስኻትኩምን ቤተ ሰብኩምን ተሐጐሱ

8-9. ክሳዕ ሕጂ ናብ ዕረፍትን ናብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዚህበኩም ርስትን ኣይአቶኹምን እሞ፡ ከምዚ ሎሚ ኣብዚ እንገብሮ ዘሎና፡ ነፍሲ ወከፍ ከምቲ ቕኑዕ መሲሉ እተራእዮኣይትግበሩ

10. ዮርዳኖስ ተሳጊርኩም ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንርስቲ ዚህበኩም ምድሪ ምስ ተቐመጥኩም ግና ምእንቲ ብህድኣት ክትነብሩ፡ ካብቶም ኣብ ዙርያኹም ዘለዉ ጸላእትኹም ምስ ኣዕረፈኩም

11. ሽዑ ድማ ኪኸውን እዩ፡ ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንማሕደር ስሙ ዝሐረያ ቦታ፡ እዚ ዅሉ ኣነ ዝእዝዘኩም ዘሎኹ ናብኣ ኣምጽኡ፡ ዚሐርር መስዋእትኹምን መስዋእቲ ሕሩድኩምን ዕሽርኩምን ዚለዐል መስዋእትታት ኣእዳውኩምን፡ እቲ ንእግዚኣብሄር እተማባጻዕኩምዎ ሕሩይ መብጽዓኹምውን

12. ንስኻትኩምን ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምንተባዕትዮ ግዙኣትኩምን ኣንስትዮ ግዙኣትኩምን ኣብ ውሽጢ ደጌታትኩም ዘሎ ሌዋዊ ኸኣ፡ ንሱ ምሳኻትኩም ክፍልን ርስትን የብሉን እሞ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ተሐጐሱ

13. ዚሐርር መስዋእትኻ ኣብ ኵሉ ዝርኤኻዮ ቦታ ኸይተዕርግ፡ ንርእስካ ተጠንቀቕ

14. ኣብቲ እግዚኣብሄር ኣብ ሓደ ኻብ ነገዳትካ ዝሐረያ ቦታ ደኣ፡ ኣብኣ ዚሐርር መስዋእትኻ ኣዕርግ፡ እዚ ኣነ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ዅሉ ኸኣ ኣብኣ ግበሮ

15. ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝሀበካ በረኸት ከም ድሌት ነፍስኻ ኣብ ኵለን ደጌታትካ ሐሪድካስጋ ብላዕ፡ ከም ሰስሓን ከም እራብን፡ ዘይንጹህን ንጹህን ይብልዓዮ።

16. ደም ግና ኸም ማይ ናብ ምድሪ ኣፍስሶ እምበር፡ ኣይትብልዑ

17. ዕሽር ስርናይካን ወይንኻን ዘይትካን በዅሪ ኣሓካን ኣባጊዕካን እተማባጻዕካዮ መብጽዓኻን ናይ ፍቓድ ህያብካን ዚለዐል መስዋእቲ ኢድካን ኣብ ውሽጢ ደጌታትካ ኸይትበልዖ ተጠንቀቕ።

18. ንስኻን ወድኻን ጓልካን ግዙእካን ግዝእትኻ ናብ ውሽጢ ደታትካ ዚነብር ሌዋውን ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝሐረያ ቦታ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ደኣ ብልዓዮ። በቲ ኢድካ ዝዘርጋሕካሉ ዘበለ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ተሐጐስ

19. ኣብ ልዕሊ ምድሪ እትነብረሉ ዅሉ ዘበንካ ንሌዋዊ ኸይትሐድጎ ንርእስኻ ተጠንቀቕ

20. እግዚኣብሄር ኣምላኽካከምቲ ዝበለካዶባትካ ምስ ኣግፍሔነፍስኻውን ስጋ ኽትበልዕ ስለ ዝበሀገት፡ ስጋ ደኣ ኽበልዕ፡ እንተ በልካ፡ ከም ኵሉ ባህጊ ነፍስኻ ጌርካ ስጋ ብላዕ

21. እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስሙ ኼንብረላ ዝሐረያ ቦታ እንተ ረሓቐትካ፡ ካብቲ እግዚኣብሄር ዚህበካ፡ ካብ ኣሓኻን ካብ ኣባጊዕካን፡ ሐሪድካ፡ ከምቲ ዝአዘዝኩኻ ኣብ ውሽጢ ደጌታትካ ኸም ኵሉ ባህጊ ነፍስኻ ብላዕ።

22. ሰስሓን እራብን ከም ዚብልዓ ብልዓዮ፡ ርኹስን ንጹህን ከም ሓደ ይብልዕዎ

23. ደም ከይትበልዕ ጥራይ ጽናዕእቲ ደም ነፍሲ እዩ እሞ፡ ነፍሲ ምስ ስጋ ኣይትብላዕ

24. ከም ማይ ደኣ ናብ ምድሪ ኣፍስሶ እምበር፡ ኣይትብልዓዮ

25. ኣብ ዓይኒ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ምስ ገበርካ፡ ንኣኻ፡ ብድሕሬኻ ከኣ ንደቅካ፡ ምእንቲ ኺጽብቐልካ፡ ኣይትብልዓዮ

26. ሓንትስ እቲ ዘሎካ ቅዱስ ነገርን መብጽዓኻን ሒዝካ ናብታ እግዚኣብሄር ዝሐረያ ቦታ ኺድ

27. ነቲ ዚሐርር መስዋእትኻስጋኡን ደሙን፡ ኣብ መሰውኢ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሰውኣዮ፡ እቲ ደም መስዋእቲ ሕሩድካ ድማ ኣብ መሰውኢ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ይፍሰስ፡ ነቲ ስጋ ኸኣ ብልዓዮ

28. ኣብ ዓይኒ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ጽቡቕን ቅኑዕን ምስ ገበርካ፡ ንኣኻ ብድሕሬኻ ድማ ንደቅኻ፡ ንዘለኣለም ምእንቲ ኺጽብቐልካ፡ እዚ ኣነ ዝእዝዘካ ዘሎኩ ዅሉ ነገር ሐልዎን ስምዓዮን

29. ነዞም ክትወርሶም እትኸዶም ዘሎኻ ህዝብታት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኻብ ቅድሜካ ምስ ኣጥፍኦም፡ ንስኻ ኸኣ ንኣታቶም ወሪስካ ኣብ ምድሮም ምስ ተቐመጥካ፡

30. ካብ ቅድሜካ ምስ ጠፍኡ፡ ደድሕሪኦም ብምስዓብካ ኸይትሕንኰልብዛዕባ ኣማልኽቶም ከኣ፡ እዞም ህዝብታት እዚኣቶም ከመይ ገይሮም ኣማልኽቶም የገልግሉ ነበሩ፧ ኣነ ድማ ከምኡ ኽገብር፡ ኢልካ ኸይትሐትት ተጠንቀቕ

31. ንኣማልኽቶም እቲ እግዚኣብሄር ዚጸልኦ ዘበለ ዅሉ ፍንፉን ነገር ይገብሩሎም ነበሩ፡ ንኣማልኽቶምሲ ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን እኳ ብሓዊ የንድዱሎም ነይሮም እዮም እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸምኡ ኣይትግበረሉ

32. እዚ ዝእዝዘኩም ዘሎኹ ዅሉ ነገር ክትገብርዎ ተጠንቀቑ። ኣብ ልዕሊኡ ገለ ኣይትወስኹ፡ ካብኡ ኸኣ ገለ ኣይትተንክዮ።