1. ደጊም ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣፍቅሮ፡ እቲ ሐልዎ ዝበለካ ሕጋጋቱን ፍርድታቱን ትእዛዛቱን ወርትግ ሐሉ

2. ነቶም መግናሕቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዘይፈለጡን ዘይረአዩን ደቅኹም ኣይኰንኩን ዝዛረብ ዘሎኹ እሞ፡ ነቲ ዕቤቱን ሓያል ኢዱን ዝርግሕቲ ቕልጽሙን ሎሚ ፍለጡ

3. እቲ ኣብ ማእከል ግብጺ ኣብ ፈርኦን ንጉስ ግብጽን ኣብ ብዘላ ሃገሩን ዝገበሮ ትእምርትታቱን ግብርታቱን

4. ኣብ ሰራዊት ግብጽን ኣብ ኣፍራሶምን ሰረገላታቶምን ዝገበሮ ድማ፡ እቲ ኺሰጉኹም ከለዉ፡ እቲ ማይ ባሕሪ ኤርትራ ናብ ልዕሊኦም ከም ዝደፈኖም፡ ክሳዕ ሎሚ ድማ ከም ዘጥፍኦም

5. ንኣኻትኩም ከኣ ናብዛ ቦታ እዚኣ ኽሳዕ እትበጽሑ፡ እቲ ኣብ በረኻ ዝገበሮ

6. ኣብ ዳታንን ኣቢራምንደቂ ኤልያብ ወዲ ሮቤልዝገበሮ ድማ፡ ምስ ስድራ ቤቶምን ድንኳውንቶምን ምስ ኵሉ ዚስዕቦም ዝነበረ ህያውን፡ ኣብ ማእከል ኵሉ እስራኤል እታ ምድሪ ኣፋ ኸፊታ ኸም ዝወሐጠቶም፡ ሎሚ ፍለጡ።

7. ከመይሲ እቲ እግዚኣብሄር ዝገበሮ ዅሉ ዓበይቲ ግብርታት በዒንትኹም ርኢኹም

8-9. ስለዚ ምእንቲ ኽትሕይሉን ናብታ ኽትርስተይዋ እትሳገርዋ ዘሎኹም ምድሪ ኽትአትውዋን፡ ኣብታ ጸባን መዓርት እተውሕዝ ምድሪ፡ እታ እግዚኣብሄር ነቦታትኩምን ንዘርኦምን ኪህቦም ዝመሐለሎም ምድሪ መዓልትታትኩም ኪነውሕ፡ እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘሎኹ ዅሉ ትእዛዝ ሐልዉ

10. እታ ኽትወርሳ እትአትዋ ምድሪ ከምታ ኻብኣ ዝወጻእኩምላ ምድሪ ግብጺ ነቲ ኣብኣ ዝዘራእካዮ ዘርኢ ኸም ኣታኽልቲ ሓምሊ ብእግርኻ እተስትዮ ኣይኰነትን።

11. እታ ኽትወርስዋ እትሳገርዋ ዘሎኹም ምድርስ፡ ካብ ሰማይ ዝዘነመ ማይ እትሰቲ ምድሪ ኣኽራንን ለሴታትን እያ፡

12. ንሳስ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚከናኸና ሃገር፡ ካብ መጀመርታ ዓመት ክሳዕ መወዳእታ ዓመት ከኣ ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ወርትግ ኣብኣ እየን።

13. ኪኸውን ድማ እዩ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከተፍቅርዎብዅሉ ልብኹምን ብዅሉ ነፍስኹምን ድማ ከተገልግልዎ፡ ነዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘሎኹ ትእዛዛት ኣጸቢቕኩም እንተ ትሰምዕዎ

14. ስርናይካን ወይንኻን ዘይትኻን ምእንቲ ኽትእክብዝናም ምድርኹም በብጊዜኡዝናም ጽድያን ጽብሓትን ክህበኩም እየ።

15. ኣብ ግራሁኻ ድማ ንማልካ ሳዕሪ ኽህበን እየ፡ ክትበልዕን ክትጸግብን ኢኻ።

16-17. ሽዑ ልብኹም ከይስሕትኣግሊስኩም ድማ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸይተምልኹን ከይትሰግዱሎምን፡ ኵራ እግዚኣብሄር ከኣ ኣባኻትኩም ከይነድድንሰማይ ከየዝንም ከይዐጽዎ እሞ ምድሪ ፍሬኣ ኽይትኸልእ፡ ንስኻትኩም ድማ ካብታ እግዚኣብሄር ዚህበኩም ጽብቕቲ ምድሪ ቐልጢፍኩም ከይትጠፍኡስ፡ ንርእስኹም ተጠንቀቑ

18. እምበኣር ነዚ ቓላተይ እዚ ኣብ ልብኹምን ኣብ ነፍስኹምን ኣንብርዎንምልክት ከኣ ኣብ ኣእዳውኩም እሰርዎ፡ ኣብ መንጎ ኣዒንትኹም ድማ ክታብ ይኹን።

19. ኣብ ቤትካ ኾፍ ምስ በልካን ኣብ መገዲ ኽትከይድ ከሎኻን ኣብ በጥ ምባልካን፡ ኣብ ምትንሳእካን ብእኡ እናተዛረብኩምንደቅኹም ምሀርዎም

20. ኣብ ልዳት ቤትካን ኣብ ማዕጾኻን ከኣ ጽሐፎ

21. እዚ ድማ ኣብታ እግዚኣብሄር ነቦታትኩም ኪህቦም ዝመሐለሎም ምድሪ መዓልትታትኩምን መዓልትታት ደቅኹምን ከም መዓልትታት ሰማይ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ምእንቲ ኺበዝሓ እዩ።

22. እዚ ኣነ ዝእዝዘኩም ዘሎኹ ዅሉ ትእዛዛት ክትገብርዎ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከኣ ከተፍቅሩብዅለን መገድታቱ ኽትከዱን ናብኡ ኸኣ ክትለግቡንተጠንቂቕኩም እንተ ሐሎኹምዎ

23. ሽዑ እግዚኣብሄር ነዞም ህዝብታት እዚኣቶም ኵሎም ካብ ቅድሜኹም ኪሰጎም እዩ፡ ንስኻትኩምውን ካባኻትኩም ንዚዐብዩን ንዚሕይሉን ህዝብታት ክትወርሱ ኢኹም።

24. እግርኹም ዝረገጻ ዘበለት ቦታ ናትኩም ክትከውን እያ፡ ዶብኩም ካብ በረኻ ክሳዕ ሊባኖስ፡ ካብቲ ርባ፡ ርባ ኤፍራጥስ፡ ክሳዕ ባሕሪ ምዕራብ ኪኸውን እዩ።

25. ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝበለኩም፡ ናብ እትኸድዋ ዘበለት ምድሪ ፍርሃትኩምን ስምባድኩምን ኪሰድድ እዩ እሞ፡ ሓደ ሰብ እኳ ኣብ ቅድሜኹም ደው ዚብል የልቦን።

26. እንሆሎሚ ምርቓን መርገምን ኣብ ቅድሜኹም ኤንብር አሎኹ፡

27. እቲ ምርቓ፡ እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘሎኹ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እንተ ሰማዕኩም እዩ።

28. እቲ መርገም ድማ፡ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እንተ ዘይሰማዕኩም፡ ካብዛ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘሎኹ መገዲ እንተ ዘበልኩም፡ ደድሕሪ ዘይትፈልጥዎም ካልኦት ኣማልኽቲ ኸኣ እንተ ሰዐብኩም እዩ።

29. ኪኸውን ድማ እዩ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ናብታ ኽትወርሳ እትኸዳ ዘሎኻ ምድሪ ምስ ኣእተወካ፡ ነቲ ምርቓ ኣብ ከረን ጌሪዞም፡ ነቲ መርገም ከኣ ኣብ ከረን ዔባል ኴንካ ንገር።

30. ንሱ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ብኽንየው እታ ብምዕራብ ጸሓይ ዘላ መገዲኣብ ምድሪ እቶም ኣብ መንጽር ጊልጋል ዘሎ ጐልጐል፡ ኣብ ጥቓ ድዋታት ሞሬ ዚነብሩ ከነኣናውያንዶ ኣይኰነን፧

31. ነታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዚህበኩም ምድሪ ክትወርሱ፡ ዮርዳኖስ ሰጊርኩም ክትአትውዋ ኢኹም እሞ፡ ክትወርስዋን ክትነብርዋን ኢኹም።

32. እዚ ኣነ ሎሚ ኣብ ቅድሜኹም ዘንብሮ ዘሎኹ ኵሉ ሕጋጋትን ፍርድታትን ክትገብርዎ ሐልዉ