1. በታ ጊዜ እቲኣ እግዚኣብሄር በለኒ፡ ከምተን ቀዳሞት ዝበላ ኽልተ ጽላት እምኒ ጽረብ እሞ ናባይ ናብ ከረን ደይብ፡ ካብ ዕጨይቲ ድማ ታቦት ግበር

2. እቲ ኣብተን ዝሰበርካየን ቀዳሞት ጽላት ዝነበረ ቓላት ከኣ ኣብዘን ጽላት እዚኤን ክጽሕፎ እየ፡ ናብቲ ታቦት ድማ ከተንብረን ኢኻ።

3. ካብ ዕጨይቲ ሽጢም ከኣ ታቦት ገበርኩከምተን ቀዳሞት ዝበላ ኽልተ ጽላት እምኒውን ጸረብኩንኽልቲኤን ጽላት ኣብ ኢደይ ሒዘ ኸኣ ናብቲ ከረን ደየብኩ

4. እግዚኣብሄር በታ መዓልቲ ኣኼባ ኣብቲ ኸረን ካብ ማእከል ሓዊ ነጊረኩም ዝነበረ፡ ከምቲ ቐዳማይ ዝበለ ጽሕፈት ዓሰርተ ቓላት ኣብተን ጽላት ጸሓፈንእግዚኣብሄር ድማ ንኣይ ሀበኒ

5. ተመሊሰ ኸኣ ካብቲ ኸረን ወረድኩ፡ ነተን ጽላት ድማ ኣብቲ ዝገበርክዎ ታቦታ ኣንበርክወን። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዘኒ ኸኣ ኣብኡ ተነብራ።

6. ደቂ እስራኤል ድማ፡ ካብ ብኤሮት-ብኔያዕቃን ናብ ሞሴራ ተጓዕዙኣሮን ኣብኡ ሞተ። ኣብኡውን ተቐብረ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ኣልኣዛር ካህን ኰነ።

7. ካብኡ ድማ ንጉድጎዳ፡ ካብ ጉድጎዳውን ንዮጥባታምድሪ ወሓዝቲ ማያትተጓዕዙ

8. በታ ጊዜ እቲኣ እግዚኣብሄር ንነገድ ሌዊታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ኪጸውርኣብ ቅድሚ ገጽ እግዚኣብሄር ኪቐውም፡ ንእኡ ኼገልግል፡ ክሳዕ ሎሚ ድማ ብስሙ ኺምርቕ፡ ፈለዮ

9. ስለዚ ንሌዊ ምስ ኣሕዋቱ ግደ ወይ ርስቲ የብሉንከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እተዛረቦርስቱስ እግዚኣብሄር እዩ።

10. ኣነ ድማ ኣብቲ ኸረን ከምተን ቀዳሞት መዓልትታት ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ቈምኩበዛ ጊዜ እዚኣ ድማ እግዚኣብሄር ሰምዓኒ፡ እግዚኣብሄር ኬጥፍኣካ ኣይፈተወን።

11. እግዚኣብሄር ከኣ፡ ናብታ ነቦታቶም ክህቦም ዝመሐልኩሎም ምድሪ ኺኣትዉን ኪወርስዋንሲ፡ ተንስእ፡ ኪድ ቀቅድሚ እቲ ህዝቢ ተጐዐዝበለኒ

12-13. ዎ እስራኤል፡ ሕጂኸ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽትፈርሆ፡ ብዅሉ መገዱ ኽትመላለስ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ድማ ከተፍቅሮብዅሉ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ከተገልግሎ፡ ምእንቲ ኺጽብቐልካ፡ እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ናብ እግዚኣብሄር ትእዛዛትን ሕጋጋቱን ክትሕሉ እንተ ዘይኰይኑስ፡ እግዚኣብሄር ካባኻ ዚደልዮ እንታይ እዩ፧

14. እግዚኣብሄር ኣምላኽካእንሆሰማያትን ሰማየ ሰማያትን ምድርን ኣብኣ ዘሎ ዅሉን ናቱ እዩ።

15. ድላዩ ነቦታትካ ጥራይ ነበረ እሞ፡ ፈተዎምብድሕሪኦም ድማ፡ ከምዚ ናይ ሎሚ ንኣኻትኩም ንዘርኦም ካብ ማእከል ኵሎም ህዝብታት ሐረየኩም።

16. እምበኣርሲ ንስኻትኩም ዕልቦ ልብኹም ግዘሩክሳድኩምውን ደጊም ኣይተትርሩ።

17. እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፡ ንሱ ኣምላኽ ኣማልኽቲጐይታ ጐይተት፡ እቲ ዓብዪ፡ እቲ ሓያል፡ እቲ ዜፍርህ ኣምላኽ፡ ገጽ ርእዩ ዘየዳሉመማለዲ ኸኣ ዘይቅበል እዩ።

18. ንሱ ንዘኽታማትን መበለታትን ፍትሒ የውጽእንስደተኛውን ይፈቱእንጌራን ክዳንን ከኣ ይህቦ

19. ንስኻትኩም ድማ ኣብ ምድሪ ግብጺ ስደተኛታት ኔርኩም ኢኹም እሞ፡ ስደተኛ ፍተዉ

20. ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ፍርሃዮ፡ ንእኡ ኣምልኽ፡ ናብኡ ኸኣ ተጸጋዕብስሙውን ምሐል

21. ንሱ ውዳሴኻ እዩ፡ እቲ ብዓይንኻ ዝርኤኻዮ ዓብይን ዜፍርህን ነገር ዝገበረልካ ኣምላኽካ ድማ ንሱ እዩ።

22. ኣቦታትካ ሰብዓ ነፍሲ ኸለዉ፡ ናብ ግብጺ ወረዱ፡ ሕጂ ኸኣ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምብዛሕካ ኸም ከዋኽብቲ ሰማይ ገበረካ